ናይ ውሎዶታት ክፍተትን፡ መላግቦ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን

ቃልስታት ህዝቢ ኤርትራ እንተዋሓደን ብቐረባን ካብ ኣርባዓታት ጀሚርና ክንምልከቶ ከለና፡ ንነጻነቱን ሓርነቱን ዝገበሮ ቃልስታት ነዚ ናይ ሎሚ ዘለናዮ ኤርትራዊ ሃገርነትን መንነትን ዝሃነጸ እዩ ክባሃል ይካኣል። ኣብ ኣርባዓታት ዋላ እኳ ነጻ ኤኮኖሚያዊ ዕብየት እንተዘይነበረና፡ ኣብ ፖለቲካዊ ንቕሓት ግን ምስ መግዛእቲ ቱርኪ፡ ግብጺ፡ ጥልያንን እንግሊዝን ብዝተኣሳሰር፡ ቁሩብ ናይ ርእሰ-ማልነት ኣተሓሳስባ ተኣታትዩ ስለዝነበረ፡ ናይ ምባብን ምጽሓፍን ምእካብን ኣንፈታት ከፊቱልና ኔሩ እዩ። ስለዚ’ዩ ካኣ ከም ማሕበር ፍቕሪ ሃገር፡ ማሕበር ሰራሕተኛታት፡ ፖለቲካዊ ማሕበራትን ክስረታ ዝጀመራ። ብዝኾነ ግን ኣብቲ ድሕሪ ባይታ ፖለቲካዊ ታሪኽና ከይስፋሕኹ፡ ብቐንዱ እዚ ዓንቀጽ እዚ፡ ኣብ ናይ ወሎዶታት ክፍተትን መላግቦ ቃልስናን ዝብል ኣርእስቲ ዘቶኮረ እዩ።
ብርግጽ ናይ ወሎዶታት ክፍተት፡ ኣብ ሃገርና ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ሕብረተሰብ ዝሓልፎ ዘሎ መንገዲ እዩ ክባሃል ይካኣል። ንምንታይሲ ንኣብነት ናይ ኣመሪካውያን ውሎዶ ንምጥቃስ፡ ካብ 1928 ባህላዊ ወሎዶ፡ ቀጺሉ ናብ ብብዝሒ ዝተወለዱሉ ተሰጋጊሩ፡ ካብኡ ቀጺሉ’ውን ወሎዶ-X፡ ወሎዶ-Y፡ ወሎዶ-Z፡ ወሎዶ ኣልፋን ብዝብል ኣስማት እንዳተዋህቦ፡ ስጋብ ዝሓለፈ ዓመተ 2024 ተመዝጊቡ ይርከብ። እዚ ማለት ካኣ እቲ ናይ ወሎዶ ክፍተት፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝረአ፡ ከም ኣብነት ክፍተት ዘረጋግጽ እዩ። እቲ ክፍተት ብሓፈሻ፡ ብሳይንሳዊ መጽናዕቲ ክረአ ከሎ፡ ብፍላይ ካኣ ኣብ ተግባር ሂወታውያን ክትንተን ከሎ፡ ኣብ ድሕነት፡ ፍቕሪ፡ ነብስኻ ምፍላጥ፡ ሞራላውን፡ ዕብየት ፍልጠትን ደረጃታት ክተኻኻእ ይረአ፡ ኣብ ኩሉ ወሎዶታት ናይ ኣረኣእያን፡ ጠቕምን፡ ጥባይን፡ ባህርን ፍልልያት እንዳተመዝገቡ ይሓልፉ እዮም። እቲ ካብ ኣቦሓጎ፡ ናብ ኣቦን፡ ውሉድን፡ ወዲ ውሉድን ክሰጋገር ከሎ፡ ብፍላይ ከም ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘይንቡር ግፋን፡ ኣስገዳድ ወተሃደራዊ ኣገልጉሎትን፡ ኣብ ንኡስ ወሎዶ ዝፈጥሮ ዘሎ ስነልባውን ኣእሙራዊ ማህሰይቲ፡ ብዙሕ ናይ ኣተሓሳስባን፡ ናይ ባህልን ተቐይሮ፡ እንዳተፈጠሩ ይኸዱ እዮም።
ስለዚ እምባኣር ናይ ግንዛበን፡ ቀዳምነታትን፡ ጠቕምን ኣፈላላይ እንዳተራእዩ፡ ናይ መጻኢ ዘመን ኣመላኻኽታ እውን እንዳተፈላለየ ይኸይድ እዩ። ንኣብነት ንኡስ ወሎዶ ህዝቢ ኣመሪካ፡ ነቲ ህልዊ ናይ ኣመሪካ ደሞክራሲ ይጠራጠሩሉ እዩም። እኖሆ እውን ሕጂ ብተግባር ናይ ዶናልድ ትራምፕ ኣመራርጻን፡ ምሕደራን ካብ ቀደም ብዝተፈለየ ኣገባብ ይረአ ኣሎ። ብዝኾነ ግን እቲ ቀንዲ ነጥቢ፡ ነቲ ናይ ወሎዶታት ክፍተት መላግቦ እንታይ እዩ መፍትሒኡ ዝብል ሕቶ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣንባቢ ናይዚ ዓንቀጽ እዚ ከምዝድቀን ፍሉጥ እዩ። እዚ ሽግር እዚ ብጉሁድ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት፡ ወሎዶምን ደቆምን ዝረአ ግሉጽ ነገር እዩ እሞ፡ “Communication is the Solution” ማለት ምዝርራብ እዩ መፍቲሒኡ ብምባል ናብቲ ከርሲ መልእኽተይ ክሰጋገር።
ብቐንዱ እቲ ኣርእስትና፡ ናይ ወሎዶታት ክፍተት መላግቦ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከመይ ኣሎ? ወይ’ውን ከመይ ንሕዞ ኣለና ዝብል ሕቶ ንምምላስ እዩ ዝነበረ። ብርግጽ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ለውጢ ቃልሲ ካብቲ ነዚ ስርዓት ህግደፍ ኣቐዲሞም ዝተረደኡዎ፡ እሞ ካብ 1998 ምሕዝነት፡ ናብ ኪዳን፡ ከምኡ’ውን ናብ ባይቶ፡ ቃልሲ መንእሰያት፡ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ይኣክልን፡ ሰማያዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱን እንዳተሰጋገረ ዝመጸ ቃልሲ ከምዘሎና “ንቐባራይ ዶ መርድእ ይንገሮ ከም ዝባሃል”፡ ህዝቢ ኤርትራ ካኣ ብግብሪ ኣብ ቃልሲ ይሓልፎ ስለዘሎ፡ ነዚ ከረድእ ብዙሕ ኣይክሕንጥጥን እየ። መቸም ኣይትትዓደሎ እዩ ዝባሃል፡ ብዙሕ ምትእኽኻብን ምጥርናፍን እዩ ዘለና። ንኣብነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ልፍንቲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ጽምዶ) ወይ’ውን ዓለም ለኸ ይኣክል፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጥን፡ ዓለም ለኸ ብርጌድ ንሓመዱን ክባሃል ይካኣል። እዚኦም እቶም ዕብይ ዕብይ ዝበሉ ንምጥቃስ ዝኣክል እዩ እምበር፡ ካብዚኦም ወጻኢ’ውን ብዝሕ ዝበሉ ውዳቤታትን ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን እውን ኣሎው።
እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተመላኸቱ ነጥብታት፡ ኣብ በበይኑ ጽላል ምህላውናን፡ ፍልልያት ከምዘለናን ዘመላኽቱ እዮም። ናይ ቃልስን ለውጥን ኣተሓሳስብና፡ ብፍላይ ኣብቲ ስትራተጂካውን ስልታውን ኣመላኻኽታና፡ ክነቃራርቦም ከም ዝግባእ ዘይካሓድ ናይ ገዛ ዕዮ ከምዘለና’ውን ዘረጋግጹ እዩም። እቲ ቃልሲ ናይ ገዛእ ርእሱ ሽግራት ኣለዎ፡ ኣብ ርእሲቲ ናይ ወሎዶን ተሞኩሮን ክፍተት፡ ካብ ህዝብኻ ርሒቕካ ኣብ ስደት ዝግበር ቃልሲ ርእሱ ዝኻኣለ ናይ ቃልሲ ዕንቅፋት ኣለዎ። ኩሎም ደለይቲ ፍትሕን ለውጥን ተቓለስቲ፡ ምልካዊ ስርዓት ምውጋድን፡ ብፍትሓውን ደሞክራስያውን ቅዋማውን ስርዓተ-ምሕደራ ምትካእን ዝብሉ ኣምራት፡ ናይ ሓባር ሮቓሒኦም እዮም። መቸም ኣብቲ ብሰላማዊ ኣገባብ ምቅላስ ዝብል ኣማራጺ፡ ኣብ ከም ናይ ኤርትራ ዓይነት መንግስቲ ኩሉ ተፈቲኑ ከም ዝተጸቀቐ፡ ኩሉና ክንዓግበሉ ዘለና ነገር ይመስለኒ። እቲ ስትራተጂካውን ስልታውን ኣመላኻኽታ ቃልሲ፡ ብቐንዱ ኣብቲ ናይ ቀረባን ርሑቕን ሸቶ ዘሎ ኣፈጻጽማ መደብ ጭቡጥ ዕላማ ዘትከለ እዩ። እዚ ካኣ ብሰንኪ እቲ ይግባኣኒ እዩ ባሃልቲ Stakeholders ምብዛሕን፡ ተቓራሪብካ ዘይምዝርራብን ነቲ ኣተሃላልዋና ሓላሊኹዎ ይርከብ።
ስለዚ ነዚ ሰፊሕ ኣርእስቲ ብሓጺሩ ንምጥቕላልን፡ ከም መፍትሒ ምእማትን፡ ብቐዳምነት ኣብቲ ናይ ርሑቕ ዕላማና ምስምማዕ፡ ነቲ ቃልሲ ከቢቡዎ ዘሎ ሽግራት ምርዳእ፡ ንሓቢርካ ምዝታይ ቅድመ ኩነት ዘይምቕራብ፡ ዓበይቲ ወሎዶን ንኡስ
ወሎዶን ተመጋገብቲ ምኻኖም ምእማን ዝብሉ የጠቓልሉ። ካልእ ንደልዮ ህዝባዊ ጠቕምን እምነትን ምውህሃድ፡ ነቲ መድረኽ ዝሃበና ዕድል ብብቕዓት ምጥቃም የድልየና።ነዚ ተሓላሊኹን ተፈላልዩን ዘሎ ውዳቤታት፡ ዳግመ ስርርዕ ምግባርን፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝለኹም ዜጋታት ደለይቲ ለውጢ ምስ ኣብ ግዳም ዘሎ ቃልሲ ምትእስሳርን፡ ቡቑዓት መራሕቲ ምምዛዝን፡ ዝተወጠነ ትልሚ ኣብ ተግባር ምውዓልን ዝብሉ ናብ ቁምነገር እንተቶርጊምናዮም፡ ነቲ ሽግር ገድልና ኣብ ምፍታሕ ዓቢ ኣስተዋጾኦ ከምዝህልዎ ብምእማት ሓሳበይ የጠቓለል።
ክብርኣብ ተኽለገርግስ – ሳንድያጎ – ካሊፎርንያ

  • Related Posts

    Eritrea Forgotten: A 21-Minute Speech Where the Nation Got Just Three

    ANFET Editorial on Eritrean 34th Independence Day Speech- May 24, 2025 President Isaias Afewerki’s latest address to the nation is as telling in its omissions as it is in its…

    إريتريا المنسية: خطابٌ مدته 21 دقيقة، لم يُخصص للأمة فيه سوى ثلاث دقائق.

    افتتاحية ANFET حول خطاب عيد الاستقلال الإريتري الرابع والثلاثين – 24 مايو 2025 يُعد خطاب الرئيس إسياس أفورقي الأخير للأمة ذا دلالة واضحة في إغفالاته، كما هو الحال في تصريحاته.…

    Leave a Reply

    Your email address will not be published. Required fields are marked *