ዳግመ-ግምገማ ኤርትራዊ ዋዕላታት፡ ምድንፋዕ ሓባራዊ ውጥንን ኣፈጻጽማን ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ፡ ሲቪካውን ኣህጉራውን ውድባት

ርእሰ-ኣንቀጽ ኣንፈት ግንቦት 4, 2025

 

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተዘርግሐ ኣርእስቲ ከም ዝተዘርዘረ፡ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ምንቅስቓስ ፖለቲካዊ ውዳበታት ኤርትራ፡ ደውታ ኣስዒቡ፡ ብሰሚናር፡ ኣህጉራዊ ዋዕላታት፡ ከምኡ’ውን ብተመሳሳሊተበግሶታት እናተኣታተወ ዝኸይድ ዘሎ ናይ መሪሕነት ባዶነት ፈጢሩ ኣሎ። ኣካላት ሚድያ ነዚ ባዶነት’ዚ ረጊጾም እንከለዉ፡ ድልዱላት ፖለቲካዊ ትካላት ዘይምህላዎም ግን፡ መንእሰያት ኣንፈትን ኣመራርሓ ንኽደልዩ ገይርዎም ኣሎ። ተሳትፎ ኣባላት ፖለቲካዊ ውዳበታት ኣብዘን ሲቪካዊ ትካላት-ብናይ መሪሕነት ተራን ፋይናንሳዊ ኣበርክቶን- ነቲ ሰፊሕ ፖለቲካዊ መድረኽ ንምፍጣር፡ ወሳኒ ሓይልን ንለውጢ ደራኺ ጻዕርታት ካብ ምፍጣር ኣብኪሩዎ ኣሎ።

 

ነዚ ዳይናሚክ’ዚ ዝውስኽ ድማ፡ ከም’ቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ብኤርትራውያን ሰብ ሞያን ፈተውቲ ተቓወምቲ ኤርትራን ዝካየድ ኣህጉራዊ ዋዕላታት ምቕልቃሉ እዩ። እዞም ጻዕርታት እዚኣቶም ምትሕግጋዝ ንምዕባይን ንለውጢ ንምጉስጓስን ዝዓለሙ እኳ እንተኾኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንኸምዚ ነገራት፡ ከም ካልእ ዓይነት ኮይኖም ስለዝራኣዩ፡ ነቲ ፖለቲካዊ ኣተሃላልዋ ዝያዳ ሓላሊኹዋዎ ይርከብ። ፖለቲካዊ ውዳበታት ምስ ዕላማ ብምትሕብባር፡ ናይ ኤርትራውያን ናይ ሚድያ ኣካላት፡ ናይ ክብሪ መሓዙት ብምኳን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዝተበታተነ ተቓውሞ ፈጢሩ ኣሎ። እዚ ምብትታን እዚ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ክንዲ ብኣድማዒ መንገዲ ምቅላስ፡ ብኣንጻሩ ነቲ መሓውራት ቃልሲ የዳኽሞ ኣሎ።

 

ኣብ መንጎ እቶም ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ዘሎ ክፍተት፡ ተሓባበርትን ተመላላእትን ዘይኮነስ፡ ኣብ ጻዕሪ ነንሕድሕዶም ተዓዘብቲ እናኾኑ ስለዝኸዱ፡ ውጽኢታዊ ከምዘይኮኑ ገይርዎም ኣሎ። እዚ ስናርዮ እዚ ብቕልጡፍ ክለለን ክእረምን ዘለዎ ወሳኒ ድኽመት ዘመላኽት እዩ። ስሙር ስትራተጅን ሓድሕዳዊ ምትእምማንን እንተዘይሃልዩ፡ ተቓወምቲ ንዝያዳ ደውታ ኣብ ሓደጋ ስለዘእቱ፡ ኤርትራውያን ናብ ጽገናን ተሓታትነትን ዝወስድ ንጹር መንገዲ ከስእኖም ይኽእል እዩ።

 

ተሳትፎ ናይ ምትሕግጋዝ ጉጅለታትን፡ ናይ ክብሪ መሓዙትን፡ ኣታሃላልውኦም ናይ ዓወት ጎደና ዘይምኻኑ ኣካታዒ ኣይኮነን። ገለ ነቐፍቲ፡ ነቲ ዝገብርዎ ደገፍ ንናይ ቃልሲ ጻዕርታት ኤርትራ የዳኽሞ ወይ ድማ ትኹረት ካብ መሰረታዊ ምንቅስቓሳት ስሒቱ ከም ዘሎ ይምጉቱ። እዞም ኣረኣእያታት እዚኣቶም ካኣ ቅኑዓት እኳ እንተኾኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ነቶም ጉጅለታት ዝህብዎ ፍሉይ ኣበርክቶታት ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን፡ ንኣብነት ከም ምብጻሕ ኣህጉራዊ መድረኻትን ጸጋታት ምጉስጓስን ዝኣመሰሉ ልክዕ ኣቓልቦ ኣይረኸቡን።

 

ብርግጽ ኩሉም ነቐፌታታት ሃናጺ ኣይኮኑን። ገለ ነቐፌታታት ናይ ኣባላት ምትሕግጋዝ ቅኑዓት ክኾኑ እንከለዉ፡ ገለ ድማ ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ሓፈሻዊ ወይ ካብ ሱር ዝሰደደ ወገናውነትን፡ ብዛዕባ ዕላማታቶም ካብ ዘለዎም ግጉይ ኣረዳዳኣን ዝመንጨውን እዩ። ንኣብነት ገለ ናይ ደገ መሓዙት፡ ብሰንኪ ምስ ከባብያዊ ኵነታት ዘይምልላይ ወይ ዘይቃዶ ጽምዶ ናይ ምኻን፡ ናይ ተኣማንነት ሕቶታት ከጋጥሞም ይኽእል እዩ። ይኹን’ምበር ንኹሎም ግዳማዊ መሓዙት ካብ ስርሖም ምእላይ፡ ነቲ ክቡር ኣበርክቶ ናይቶም ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ናይ ቃልሲ ተወፋይነትን ትርጉም ዘለዎ ደገፍን፡ ንጉዳይ ቃልሲ ኤርትራ ዘርኣዩዎ ውልቀሰባት ዘዳኽም እዩ። ነዚ ሚዛን ምሕላውን፡ ምትሕብባር ምዕባይን፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ኣበርከቲ ቃልሲ፡ ምትእምማን ምዕቃብን ኣገዳሲ እዩ።

 

ስለዚ ነዚ ወጥሪ’ዚ ንምፍታሕ፡ ንኣበርክቶ ኣባላት ምትሕግጋዝ ዋጋ ምሃብን፡ ቅኑዕ ስክፍታታት ንምፍታሕ ሃናጺ ዘተ ምዕባይን ኣገዳሲ ነገር እዩ። ሓድሕዳዊ ምርድዳእን ምክብባርን ብምስፋሕ፡ ነቶም መዳርግቲ ኣካላት ብፍትሓዊ ድልድል ምፍላይን፡ ብምትሕብባርን፡ ናብቲ ናይ ሓባር ዕላማ ምውዳቕ ምልካውነትን ምህናጽ ቅዋማዊ ደሞክራስያዊ ስርዓትን፡ ኣብ ኤርትራ ክሰርሑ ይግባእ። እዚ ንኹሉ ብዝሓቁፍ ኣገባብን፡ ንሃገር ፍትሓውን ገስጋስን ፖለቲካውን ማሕበራውን መጻኢ ኣብ ምቕራጽ፡ ሓድነትን ቀጻሊ ትኹረትን ዘረጋግጽ መንገዲ እዩ።

  • Related Posts

    توضيح مهمة واستقلالية شبكة أنفيت الإعلامية

    تأسست شبكة أنفيت الإعلامية لتكون منصة مستقلة وغير حزبية تخدم جميع الإريتريين في كل مكان — فضاء يمكن فيه للأصوات المتنوعة أن تُسمع وتُحترم وتتواصل دون حواجز أو وصاية سياسية.…

    Clarifying ANFET Media Network’s Mission and Independence

    ANFET-Editorial-September 3, 2025 ANFET Media Network was founded to serve as an independent, non-partisan platform for Eritreans everywhere — a space where diverse voices can be heard, respected, and connected…

    Leave a Reply

    Your email address will not be published. Required fields are marked *