ኣብ መንጎ ናጽነትን ሓርነትን ዘሎ ፍልልይ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ንምሕላው

ርእሰ-ዓንቀጽ ኣንፈት፡- ግንቦት 18, 2025

ኣብ መንጎ ናጽነትን ሓርነትን ዘሎ ፍልልይ ምርዳእ ፖለቲካዊ ክውንነት ኤርትራ ኣብ ምቕራጽ ወሳኒ’ዩ። ናጽነት ብቓልስን መስዋእትን እትረኽቦ መሰረት ልኡላውነት፡ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓርነት-ሓቀኛ ሲቪላዊ ሓርነት ንምጉንጻፍ ግን ኣብ ቀጻሊ ቃልሲ ንርከብ ኣሎና። ኣብ መንጎ ክልቲኡ ናጽነትን ሓርነትን ግን ፍልልይ ከም ዘሎ ክእመነሉ ይግባእ። ኣብ መዓልቲ ናጽነት ምጽንባል ማለት ከኣ ነዚ ሕጂ ዘሎ ስእነተ-ሓርነት  ተቐቢልካ ትኸይድ ኣለኻ ማለት ኣይኮነን። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ፡ ንሓርነትካ ምሕታትን ምጥላብን ከኣ  ንልዑላውንት ሃገርካ ኣብ ሕቶ ምልክት ምእታው ማለት ኣይኮነን።

ናጽነት ኤርትራ                                                                          

ኤርትራ ኣብ ዓለም መበል 182 ናጻ ዝኾነት ሃገር ብቋንቋ ዓረብኛ (ኡማ ሙስጣቕላ (أمة مستقلة) ማለት ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ሃጸያዊ ግዝኣት፡ ወይ ንግስነት ዝተቖርነት ሃገር ኣይኮነትን ማለት‘ዩ። ብታሪኽ ኤርትራ ብሃጸይነት ሮማ ይኹን፣ ብግዝኣት ኦቶማን ቱርኪ ይኹን፣ ብናይ ኢትዮጵያ ንግስነት ኣብ ትሕቲ ሃይለስላሴ፣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ባዕዳውያን እያ ነይራ። ኤርትራውያን ንናጽነት ክቃለሱ ከለዉ፡ ልክዕ ከምቲ ኣመሪካውያን ን4 ሓምለ ካብ ብሪጣንያ ናጽነቶም ዝተጓናጸፍሉ መዓልቲ ቆጺሮም ዘብዕልዋ፡ ኤርትራውያን እውን መሬቶም ካብ ግዳማዊ ዕብለላ ነጻ ንምውጻእ እዮም ተቓሊሶም።

ሰማእታትና ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር ንኽትከውን ኩሉ መስዋእቲ ገይሮም፡ ነቲ ዘመዝገብናዮ ዓወት ንምኽባር ድማ መዓልቲ ናጻነት ብግቡእ ከነብዕሎ ይግባእ። ናጽነት ኤርትራ መሰል ርእሰ-ምሕደራ ዘመላኽትን፣ ድሕሪ ናጻነት ከኣ ዝኾነ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ጎቢጡ ብምሓዝ ንመሬታ ዘመሓድር፣ ወይ መጻኢኣ ዝቆጻጸር ሓይሊ ከም ዘየለ ንምርግጋጽ’ዩ።

ኤርትራ ሲቪላዊ ሓርነት ዘይምህላዋ

እንተኾነ ናጽነት ጥራይ ንበይኑ ሓርነት እንተላይ ማለት ኣይኮነን። ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር እንከላ፡ ህዝባ ግን ገና ሲቪላዊ ሓርነት-ታሕሪር (التحرير/التحرر) ብዓረብኛ ኣይረኸበን። ሓርነት ማለት ነጻ ዄይንካ ናይ ምውዳብ፡ ምጽሓፍ፡ ምቅዋም፡ ሓሳባትካ ናይ ምግላጽ ክእለት ማለት እዩ። ኤርትራውያን እዚ ሓርነታት እዚ ተሓሪሙና ይቕጽል ኣሎ፣ ስለ ዝኾነ ድማ ንሓቀኛ ሓርነት ኣብ ቀጻሊ ቃልሲ ንርከብ።

እቲ ጉዳይ ተደጋጊሙ ዝለዓል ኣብ ትግርኛ “ናጽነት” ዝብል ቃል ንኽልቲኡ ኣምር ሓርነትን፣ ናጻነትን እናቐያየርና ብዝተሓዋወሰ መንገዲ ስለ ንጥቀመሉ እዩ። ናጽነት ካብ ባዕዳዊ ዕብለላ ነጻ ምውጻእ ክገልጽ እንከሎ፡ ሓርነት ድማ ንውልቃውን ሲቪላውን ናጽነት የመልክት። ኤርትራውያን ብሓባር ንምጽንባል ኣብዚ ፍልልይ እዚ ክንሰማማዕ ኣለና። ኤርትራ ናጻ እያ፡ ህዝባ ግን ክሳብ ሕጂ ንሓርነት ይቃለስ ኣሎ።

 

ንመሰል እናተቓለስካ ልኡላውነት ምድጋፍ

ኤርትራውያን ኣብ መንጎ ናጽነትን ሲቪላዊ ሓርነትን ንጹር ፍልልይ ከምዘሎ ክፈልጡ ኣለዎም። ቃልሲ ንፍትሒ፡ ዲሞክራሲ፡ ሰብኣዊ መሰላት፡ ከም መመኽነይታ ናይ ግዳማዊ ምትእትታው ፈጺሙ ክውዕል የብሉን። ልኡላውነት ኤርትራ ንምሕላው፡ ኤርትራውያን ኣብ መርገጺኦም ብጽንዓት ክምክቱ ኣለዎም፤

  • ናጽነት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣቱ ሕቶ ኣይኮነን ብደምን መስዋእትን ዝተረኸበ ብዓለም-ለኸ ሕጊ ኣፍልጦ ዝረኸበ ክቡር ነገር እዩ።
  • ሓርነት ናይ ውሽጣዊ ጉዳይ ቃልሲ እዩ። ኤርትራውያን ንልኡላውነት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከየእተዉ፡ ካብ ሓርነታት ህዝቦም ንምውሓስ ኣብ ውሽጦም ክሰርሑ ኣለዎም።
  • ናይ ደገ ምትእትታው ሓደገኛ እዩ። ናይ ደገ ሓይልታት-ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ- “ሓርነት” ብዝብል ጉልባብ ጣልቃ ክኣትዉ ምፍቃድ ንልኡላውነት ኤርትራ ቀጥታዊ ስግኣት ዝፈጥርን ኣብቲ ዞባ ዘይምርግጋእ ከምጽእን ይኽእል’ዩ።

መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ንምጽንባል ድሌት ዘይምህላው፡ ምስቲ ልኡላውነት ኤርትራ ንድሕሪት ክምለስ/ክግምጠል ይኽእልዩ ዝብል ሓደገኛ ኣተሓሳስባ ዝሰማማዕ ምዃኑ ዘይምብዓል ብጌጋ ክትርጎም ይኽእል’ዩ- እዚ ሓሳብ’ዚ ብገለ ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያ ዘስፋሕፍሕዎ ሓሳብ፡ እንተላይ ካብ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነበር ዲና ሙፍቲ ብ29 መጋቢት 2021 ዘቕረቦ ኣካታዒ መግለጺታት እዛሚድካ ክርአ ዝኽእል እዩ። (https://english.farajat.net/archives/11422 ኣብ ኢንተርነት ዜናን ትንተናን) ከምዚ ዝኣመሰለ ትረኻታት ነቲ ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝተመስረተ ናጽነት ኤርትራ ኣዝዩ ዝጻረር እዩ።

 

ኤርትራውያን ንፖለቲካውን ሲቪላውን ናጽነታት ዝግበር ቃልሲ እናቐጸሉ ናጽነቶም ኣብ ምኽባር ሓድነት ደው ክብሉ ኣለዎም። ልኡላውነትን ሓርነትን ክደናገር የብሉን፣ ናጽነት ኤርትራ ንምድኻም ዝግበር ዝኾነ ይኹን ፈተነ ምቅዋም ንሃገርን ዞባን ርጉእ መጻኢ ንምርግጋጽ ወሳኒ እዩ

  • Related Posts

    توضيح مهمة واستقلالية شبكة أنفيت الإعلامية

    تأسست شبكة أنفيت الإعلامية لتكون منصة مستقلة وغير حزبية تخدم جميع الإريتريين في كل مكان — فضاء يمكن فيه للأصوات المتنوعة أن تُسمع وتُحترم وتتواصل دون حواجز أو وصاية سياسية.…

    Clarifying ANFET Media Network’s Mission and Independence

    ANFET-Editorial-September 3, 2025 ANFET Media Network was founded to serve as an independent, non-partisan platform for Eritreans everywhere — a space where diverse voices can be heard, respected, and connected…

    Leave a Reply

    Your email address will not be published. Required fields are marked *