
እዚ ኣብ ሳንዲየጎ እንነብር ኤርትራውያን ኣሜሪካውያን ተቓውሞ ዲክታቶርያዊ መንግስቲ ኤርትራ ተጠርኒፍና እንጽሕፎ ዘለና መልእኽቲ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገርና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ጭቆናን፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ብዝወልዖም ውግኣት ዘስዓቦ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን፡ ቁጠባዊ ሓደጋን፡ ማሕበራዊ ምብትታንን ኣዝዩ ዘሻቕለና ተረኽቦታት እዩ። ኤርትራ ቅዋም ዘይብላ፣ ነጻ መራኸቢ ብዙሓን ዝተነፍጋ፣ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ መንግስትን ባይቶን ዘይብላ ሃገር ኮይና ትቕጽል ኣላ። እቲ ኣዚና እንብህጎ ሲቪላዊ ሓርነታት– ከም ናጻ ምዝራብ መሰል፡ ናይ ጽሑፍን/ፕረስ፡ ናይ ምትእኽኻብ፡ ዋላ’ውን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ናጻ ምንቅስቓስ ሓዊስካ ብፍጹም የለን። ኣብዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ ዓመታት ጥራሕ መንግስቲ ኤርትራ፣ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ውዲት ብምፍጻም፣ ናይ ጎረባብቲ ሃገራት ሓይልታትን፣ ከምኡ’ውን ዶባት ቀይሕ ባሕሪ ሰጊሩ ብምሽራኽ ኣብ ትግራይ ኲናትን፣ ከቢድ ናይ ሰብኣዊ መሰላትን ግህሰታትን ገበናት ፈጺሙ’ዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ወኪል ኢምባሲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣመሪካ ንዝርከቡ ማሕበረሰባት ኤርትራውያን ሰሚናራት ብምክያድ ገንዘብ ኣኪቡ ድማ ኣብ ኲናት ንምምዋል መደብ ኣውጺኡ ኣሎ። ንዝሓለፉ 25 ዓመታት ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ማሕበረሰባትና ዝተመቓቐሉ እዮም-ክልተ ማሕበረሰባት፡ ክልተ ኦርቶዶክሳውያን ኑፋቄታት፡ ከምኡ’ውን ርክባቶም ዝተቛረጸ ናይ ክርስትያንን ኣስላምን ማሕበረሰባት እዮም። ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ከተማታትና ሰሚናራት ካብ ምክያድ ክርሕቕ ንላቦ። ምብጻሕካ ቅቡል ኣይኮነን፤ ዝያዳ ክፈላልየናን ሓድሽ ግርጭታት ከበግሰልናን ስለዝኾነ። ኣብ ሳንዲያጎ ከም ሕብረተሰብ ክንሓዊ ጀሚርና ኣለና፣ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት “ማሕበር ደበስ ኤርትራ” ብምቛም ንዝሞቱና ብሓባር ክንሓዝንን ክንድብስን ክኢልና ኣሎና። ንነዊሕ እዋን ተበታቲኑ ዝጸንሐ ሕብረተሰብና ዳግማይ ንምህናጽ ከኣ ክንቅጽል ንደሊ ኢና።
እቲ ዝገርም ንኣብይ ኣሕመድን ናብ ኢሰያስ ዝኣምኑ ኢትዮጵያንን፣ ሽታ ቀይሕ ባሕርን፡ ተዄረ ወደብ ዓሰብን ስሒብዎም ክደናገሩን፣ ኣብ ዘየለ ክሓልሙን ዝገበሮም ባዕሉ ኢሳያስ ኣፎወርቂ ምዃኑ ክዝንጋዕን ክርሳዕን ዘይብሉ ሓቕ’ዩ። እዚ ሕጂ ምስ ኣብይ ኣሕመድ ኲናት ንምኽፋት ዝግበር ዘሎ ሃንደበታዊ ስጉምቲ፣ ነቲ ንትግራይ ወሪርካ ምድምሳስ፣ ተኸቲሉ፣ ሕጂ’ውን ምስ ሓይልታት ትግራይ ምሕዝነት ሃኒጽካ እንደገና ንውግእ ምብጋስ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ተግባራት‘ዩ። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣስመራ ዝተፈጸመ ህልቂት 1975 ንምዝካር ዝተገብረ ጎስጓስ ኮነ ኢልካ ነቲ ተቐማጢ ከተም ኣስመራ ተዘክሮ ፈጢርካ ስምዒታቱ ንምብርባር ምዃኑ ርዱእ እዩ። ብዛዕባ ናይ 1975 ናይ ኣስመራ ክለዓል ተኾይኑውን፣ ብዛዕባ ታሪኻዊ ኵነታት ካልኦት ህልቂታት፡ ከም እኒ ናይ መስጊድ ዖናን ባሳዲራን ህልቂት ኣብ 1973፡ ኣብ ቤተክርስትያን ወኪዱባን፣ ከተማ ኣቑርደትን ኣብ 1975 ዝተኻየ ህልቂት፡ ኣብ ኣከለጉዛይ ዓድታት ሳሆ ዕላማ ዝገበረ ህልቂት ኣብ 1968፡ ኣብ 1988 ኣብ ሽዕብን ከባቢእ ዓድታትን ዝተፈጸመ ህልቂታት እንተላይ ብምጥቃስዶ ክኸውንዶ ኣይምተገብኦን። እቲ ዕላማ ግን ስምዒታት ተናኺፍካ ህዝባዊ ደገፍ ኣብ ዋና ከተማ ኣስመራ ኣበራቢርካ፡ ንኣብይ ንምውዳቕ ዝዓለመ ምዃኑ ርዱእ’ዩ። ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር ስለዝኾነት ከምቲ ኣብ ኲናት ኣብ 1998 ውግእ ባድመ ብኮሚሽን ዶብ ዝተሓንጸጸ፡ ብሕጂ ንዝለዓል ዝኾነ ዘይሕጋዊ “ይግበኣኒ” ዝብል ሕቶታት እውን ዝፍተሓሉ ብሰላማውን ሕጋውን መገድታት ጥራዩ ክኸውን ዝግባእ። ኤርትራውያንን፡ ከምኡ’ውን ማሕበረሰብ ዓለም፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት “ልዑላውነት ኤርትራን ህርፋን ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያን” “Eritrean Sovereignty & Ethiopia’s Quest for Sea Access” ብዝብል ኣርእስቲ ብኤርትራውያን ምሁራት ዝተጻሕፈ ሰነድ ብጉጅለ ኤርትራውያን ምሁራት ብዛዕባ “መእተዊ እፍደገ ቀይሕ ባሕሪ” ኣብ https://eritrea-focus.org/eritrean-sovereignty-and-ethiopias-quest-for-sea-access/ ኣቲኹም ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዝቐርብ ዘሎ ዘይሕጋዊ ናይ ዋንነት ሕቶ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ንምምላስ ዝዓለመ ናይ ኣስተምህሮ ሰነድ ምንባብ ኣገዳሲ ጌርና ንርኢ።
ኣብዚ እዋንዚ ካልእ ንኹላትና ዝጸሉ ኣገዳስን ተኣፋፍን ጉዳይ ኣልዒልና እውን ክንገልጽ ንደሊ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዘሎ ህዝቢ ዝጭቁን ስርዓት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ናብ ማሕበረሰባት ዲያስፖራና ዝበጽሕ ስግረ-ሃገራዊ ጭቆና ዘስፍሕ ተግባራትውን ክዋፈር ጸኒሑ እዩ። ስርዓት ህግደፍ ንማሕበረሰባት ዲያስፖራ ኤርትራውያን ከም ራብዓይ ምምሕዳራዊ ዞባ ብምምዳብ፡ ንዓና ብማዕዶ ከመሓድር ከቢድ ሳዕቤን ዘለዎ ዶብ-ሰገር ምልኪ ዓመታት ዝጀመሮ ናይ ምዝመዛ መሳርሒኡ እዩ። ንማሕበረሰባትና ዕላማ ብምግባር ገንዘብ ምዝራፍን፡ ዘይሕጋዊ ግብሪ ምኽፋል፡ ከምኡ’ውን ንኣባላት ሕብረተሰብና ብቐጻሊ ምክትታልን ምስላይን ምግፋዕን ዘይበሊ ዕማም ናይቲ ስርዓት‘ዩ። እዚ መርበብ እዚ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ምፍልላይን ህውከትን ንምፍጣር ዝዓለመ ኮይኑ፡ ንቡር ኣገባብ ኣሰራርሓ ናይዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት እዩ። ብመንጽር እዚ ምዕባለታት እዚ ኩሉ ኤርትራዊ ብሓድነት ተጠርኒፉ ኣንጻር እዚ ጨቋኒ ተግባራት ስርዓት ብትሪ ደው ክንብል ንጽውዕ ኣለና። ብቐጻሊ ክፉት ዘተ ከነማዕብልን ነቲ ኣብ ኤርትራ ንዝቐርብ ጠለባት ለውጢ ሓቢርና ምላሽ ክንህብን ይግባእ። ሓድነትናን ሓይልናን፡ ብሓባር ጠሚርና፣ ነዚ ብድሆታት ሰጊርና ንኹሉ ኤርትራዊ ብሩህ መጻኢ ክህልዎ ክንሰርሕ ንኽእል ኢና። ኣብዚ ፈታኒ እዋን እዚ ኣብ ሓድሕድና ንቑሕ ምድግጋፍን ። ብናይ ሓባር ስጉምትታት ጭቆና ምምካትን፡ ኤርትራውያን ኣብ እንገብሮ ሓባራዊ ጻዕሪ ጽምዶ ምትሕግጋዝና ኣዝዩ ወሳኒ እዩ።
ናይ መወዳእታ ዕላማና ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ኣልጊስና ንኤርትራ ብናይ ገዛእ ርእሳ ህዝቢ ዳግማይ ዋንነት ክንረክብ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ እነካይዶ ቃልሲ፡ እንገብሮ ግበረ መልስታትን ግን ኣዝዩ ጥንቁቕን ስትራተጂያውን ክኸውን ይግባእ። ንሃገርና ዝያዳ ክጎድእ ዝኽእል ስጉምቲ ብስዉር ዓይኒ ክንድግፍ ኣይንኽእልን። ኤርትራውያን ኣብዚ ዝህቀን ዘሎ ውግኣት ስክፍታታትና ከነመሓላልፍን ህሉው ኩነታት ንምምሕዳር ስሙር ኣገባብ ክንደሊን ወሳኒ እዩ። ህዝቢ ኤርትራን፡ ትግራይን፡ ወይ ውን ሱዳን ድሕሪ ደጊም መጻኢ ኲናት ክጾሩ ኣይክእሉን እዮም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ካብ ስምምዕ ሶማሊላንድ ትምህርቲ ክወስድ ይግባእ፡ ናብ ህንዳዊ ውቅያኖስ መእተዊ ረኺበ ክብል ጸኒሑ፣ ሕጂ ከኣ ተመሊሱ ዋንነት ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ንምርካብ ከበሮ ኲናት ምውቃዕ ደው ኣቢሉ፣ ናብ ብሰላማዊ መንገዲ ዝግበር ውዕል ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ ዝግበር ወለንታዊ ስምምዕ ክኣቱ ኣለዎ። ኣብ 2018 ብኢሳያስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብኢስያስ ዝተፈጸመ ናይ ኤርትራ ናብ ልዑላዊ ስልጣን ሃገርና ናብ ኣብይ ምስግጋር ዝተገብረ ሃገራዊ ክሕደት ዝኾን ይኹን ሰብ ከደናገር የብሉን።
ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ወኪል ኤምባሲ ኤርትራ ናብ ሳንዲያጎ መጺኡ ሰሚናር ከካይድ መደብ እንተሃልይዎ ግን፡ ንዑደቱ ብሕጋውን ብሰላማውን መንገዲ ክንብድሆ ድሉዋት ምዃን ንሕብር። ሰበ-ስልጣን ኣሜሪካን ህዝብን ድሮ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ መንግስቲ ዝግበር መዝማዚ ተግባራት ይፈልጥ ስለዘሎ፡ ሓባራዊ ተልእኾና ብኣድማዒ መንገዲ ንምትርጓም እዞም ዝስዕቡ ተወሳኺ ስጉምትታት ክንወስድ ድሉዋት ኢና።
1. ኩሎም ኤርትራውያን፡ ማሕበረሰብ ሳንድየጎ፡ እንተላይ መራሕቲ ሃይማኖት ሓቢርኩም፡ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ናብ ከተማና ዝገብርዎ ዘለዉ መቓቓሊ ምብጻሕ ደው ክብሉ ንጽውዕ።
2. ግሉጽነትን ተሓታትነትን ንምርግጋጽ፡ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዑቕባ ኣብ እሜሪካ ዝሓትት ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ምስ ዝተሳተፈ ጸብጻብና ናብ ዝምልከቶ ኣካል መንግስቲ ኣሜሪካ ክንህብ ምኹና ነፍልጥ።
3. ዝኾነ ይኹን ናይ ምትላል ንጥፈታት ንምቅላዕ ብዛዕባ ግብሪ ይኹን ንውግእ ዝውዕል ውጽኢታት ምእካብ መደቡ ንሰበስልጣን ግምጃቤት ኣመሪካ ክንሕብር ኢና።
4. ትካላት ንግዲ፣ ምምሕዳር ከተማን፣ ኣውራጃን፣ ፌደራል መንግስታትን፣ ኣኽበርቲ ሕግን፣ ኣብ ከተማና ዘይሕጋዊ ምብጻሕ ይግበር ከምዘሎ ክፈልጡ ድማ ክንገብር ኢና።
ድሕሪ ደጊም ተጠራኒፍና ንህግደፍ ከም ኤርትራውያን ብሓባር ክንገጥሞ ኢና።
ኤርትራውያን ንሰላምን ፍትሕን
ሳንዲያጎ ካሊፎርንያ
5 መጋቢት 2025 ዓ.ም