
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህያው ናይ ተውህቦ ሞዘይክ፡ ሓቀኛ ሓይሊ ካብ ውዕዉዕ ውሳኔ ዝብገስ ጥራይ ዘይኮነስ: ካብ ብጥንቃቐ ዝተኣከበ ውዳበ እውን ይውለድ‘ዩ። ነዚ ሓድሽ ናይ 8 ሰነ ብርጌድ ን’ሓመዱ፣ ኣብዚ ዕግርግር ዝመልኦ እዋን ናይ ምትእኽኻ ኣውያት-ነቲ ናይ መኣረምታ ናይ ምግባር ጻውዒት ህጹጽን ኣዝዩ ኣድላይን ይገብሮ። እዚ ውድባዊ ግዴታ ጥራይ ዘይኮነስ ፤ ነቲ ኣንጻር ኩሉ መሰናኽላት ሰጊሩ፣ ነቲ ምንቅስቓስ ዳግማይ ንምትንሳእን ንምድልዳልን ዝግበር ጻውዒት እዩ።
ኣብታ ኣብ መንጎ እናበረኸ ዝኸይድ ዝነበረ ተስፋን ጭንቀትን ዝመልኦ ትጽቢትን፡ ናይታ ዕጫዊት መዓልቲ 8 ሰነ፡ ሓደ ሓድሽ ኣዋጅ ተቐልቀለ። ሰለስተ ህቡባት- ናይ ፈጠራ መንፈሱ ንጭቆና ዝጻረርን ዝገልጽን ስነ-ጥበባዊ፡ ዝሓለፈ ምዕራፋት ኣጽኒዑ ታሪኽ ዝብድህ ነቓፊ፡ ከምኡ’ውን ንፉዕ ክኢላ ዝምድናታት ወጻኢ ጉዳይ- ድምጾም ኣጣሚሮም፡ ዳግማይ ትንሳኤ ብርጌድ ን’ሓመዱ ኣበሰሩ። ድሌቶም ድማ ኣብ ዓውደ ውግእ ይኹን ኣብ ሰፊሕ መድረኽ ፖለቲካዊ ምሕዝነት ንዝፍጠሩ ሓደጋታት ንምግጣም ዝኽእል ህንጻ ብምስራሕ፡ ንኹሉ መንእሰያት ዝሓቖፈ ሃገራዊ መድረኽ ምጽዋዕ እዩ ነይሩ። እዚ ድማ መብጽዓ ሓድነት ኣማእኪሎም ንትጽቢት ናብ ናይ ናዕቢ ባና/መብራህቲ ንምቕያር ብዘንጸባርቑ መንገዲ ነበረ።
ይኹን እምበር መቓልሕ ታሪኽ ኣዝዩ ርሑቕ ኣይጸንሐን። ንልዕሊ ሰብዓ ዓመታት፡ ዘመናዊ ፖለቲካ ኤርትራ ብዓወትን ትራጀዲን ዝተኣልመ ዓለባ ኢዩ። እቲ ዕግርግር ዝመልኦ ናይ 1940ታት ዘርኢ ኑፋቄኣዊ ዘይምስምማዕ ክዝራእ ከሎ፡ ስዒቡ፡ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓረካ) ካብ 1955–1958 ኣብ ዝገብሮ ኣዝዩ ምስጡር ምንቃስቓስ ሃገራዊ ዋዕላኡ፡ ፈጺሙ፣ መጻኢ ሑሽኽታ ሓድነት ኣበሲሩ ኣብ ቃልሲ እንመረሸ እንከሎ ግን፣ ኣብ 1961 ከኣ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ሜዳ ጀመረ። እዚ ድማ ውሽጣዊ ምውህሃድ ሰንከልከል ኣቢሉ፡ ኣብ 1963 ህላዌ ሓረካ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ገለፈ። ኣብ 1971 ዓ.ም ተሓኤ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤኣ ኣብ ዝገበረትሉ ከኣ፣ ዳሕራይ ናብ ህዝባዊ ግንባር ዝተቐየረ ህዝባዊ ሓይልታት ዝተብህለ ውድብ ካልኣይ ውድብ ኮይኑ ተቐልቀለ። እቲ ዑደት ናዕቢ እናቀጸለ እንከሎ፣ብህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ምስ ህዝባዊ ወያኒ ሓርነት ትግራይ ኣብ ዝተገብረ ዘይቅርዑይ ጽምዶ ከኣ ተሓኤ ካብ ሜዳ ኤርትራ ጠቕሊላ ተገለፈት። ኣብ 1991 ህዝባዊ ግንባር ንኩሉ ሰውራውን ፖለቲካውን ሓይልታት ኣዳኺሙ ኣብ መድረኽ ሃገራዊ ነጻነት ከም እንኮ ምልካዊ ሓይሊ ኮይኑ ስልጣን ሃገር ንበይኑ በሓተ። ኣብ 2001 ዓ.ም. ድማ እቲ ስርዓት ንተቓወምቲ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ወነንቲ ነጻ መራኸቢ ብዙሃንን ጥራይ ዘይኰነስ፣ ንዝኾነ ናይቲ ስርዓት ተቓዋሚ እውን ኣብ ስቕታ ከም ዝኣቱ ገበሮ። ኣብ 2011 ክሳብ 2021ን ኣብ ዝነበረ ዲሞክራስያዊ ናህሪ’ውን እንተኾነ-ብከም ሃገራዊ ጉባኤ ኣዋሳን፣ ሲቪካዊ ምንቅስቓስ ይኣከልን ዝኣመሰሉ ምንቅስቓሳት ንሓባራዊ ሃገራዊ መድረኽ ዘውሕስ ሃገራዊ ዘተ ከዐውት ስለዘይከኣለ፡ ክሳብ’ዚ ሕጂ ዘለናዮ መድረኽ 2025 ኣብ ደውታ ኣትዩ ይርከብ።
ኣብዚ ነዊሕ ዝተመቓቐለ ናይ ቃልሲ ሕድሪ/ሌጋሲ ፡ እቲ ኣብ 2023 ዝተኻየደ ሃንደበታዊ ናዕቢ ብርጌድ ን’ሓመዱ፡ ተስፋ ዝህብ ድሙቕ ተረኽቦ ኮይኑ ተጋህደ። እቲ ምንቅስቓስ ውዕዉዓት ህቡባት ስነ-ጥበባውያን -ብፍላይ ከኣ ኪሮስ ኣስፍሃ ብዝነበሮ ተራ- ዝተደፋፍአ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ መላእ ዲያስፖራ ኣሰሊፉ፡ ኣንጻር ምልካዊ ምሕደራ ርሱን ወኒ ኣለዓዓለ። ይኹን እምበር፡ ምስቲ ዅሉ ማግኔታዊ ስሕበትን ናይ መሰረታት ህዝቢ ደገፍን፡ እቲ ምንቅስቓስ ብሰንኪ እቲ ናይ ባዕሉ ሃንደበታዊ መደብ ኣልቦ ኣካይዳ ተዓንቂፉ ናህሪ ምንቅስቓሱ ክዝሕል ተራእየ። ብንጹር ዝተቐመጠ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ብዘይምህላዉ ከኣ እቲ ሓባራዊ ህርፋን ተበታቲኑ፡ ናብቲ ኣብ ሓደ እዋን ዝተሓልመ ውሁድ ሓይሊ ክጥርነፉ ዘይክእሉ ኣንቆራታት ውድባት ተወሲኑ ተረፈ።
ሎሚ፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ሓደ ዘስካሕክሕ ምርጫ ደው ኢሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን-ብግዳማዊ መልኣከ-ሞት ናይቲ ኢትዮጵያ ስትራቴጂካዊ ወደብ ዓሰብ ብሓይሊ ክትሕዝ ክትገብሮ ጻዕሪ ተገዲዱ፡ ኣብ መንጎ ሰልፍታት ተቓውሞ ብዘሎ ውሽጣዊ ምፍልላይ እናተሃደደ ኣብ ዘለወሉ ግዜ፣ ህጹጽነት ሓድነት ሓይልታቱ ካብዚ ንላዕሊ ንጹር ኮይኑ ኣይፈልጥን። ኣብ ውሽጢ ብርጌድ ን’ሓመዱ ካልእ ውድብ ምውላዱ፡ ንፍልቀት ስትራተጂ ዘይኮነስ፡ ሓደገኛ ምድግጋም ናይቲ ኣብ ታሪኽ ዝነበረ ከፋፋሊ ቅዲ’ዩ ዝሕብር እዩ። ዕጡቕ ክንፊ ናይ ቃልሲ መንፈሱ ቅንዕና ብዘየገድስ ውሽጣዊ ፍልልያቱ ብግቡእ ዘየመሓደረ እንተኾይኑ፣ ናብቲ ሰፊሕ ጥምረት ተቓውሞ ኤርትራ ኣባልነት ክህልዎ ውሕስነት ዝህብ ኣይኮነን። እምበኣር፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ቅልውላው፡ ማለት ክልተ፡ ወይ ሰለስተ፡ ተወዳደርቲ ኣካላት ብርጌድ ንሓመዱ ምህላዎም፡ ኣዝዩ ኣሰካፊ ስለ ዝኾነ፣ ፍልልያቶም ፈቲሕካ ኣብ ሓደ ምምጽኦም፣ ሓደ ተባዕን ውሁድን ውሳነ ይሓትት እዩ ዝብል ልቦናዊ ኣረኣእያ ኣሎ። ብዛዕባ ዘይብቕዓት ነባራት ፖለቲካዊ ውዳበታት ኣልዒልካ ዝግበር መልቀስ ግን፣ ነቲ ናይ ትማሊ ጌጋታት ንምዕራይ ዘይኮነስ ንምቅላሕ ጥራይ እዩ ዘገልግል። ወሳኒ ምጥርናፋት ምግባር እምበእር እቲ እንኮ ንቕድሚት ዝኣንፈተ ኣማራጺ መንገዲ እዩ።
ኣብዚ ወሳኒ መስቀላዊ መንገዲ’ዚ፡ መራሕቲ ብርጌድ ን’ሓመዱ ካብ ተራ ምምሕዳራዊ ምትዕርራይ ዝሰግር በዳሂ ምርጫታት ገጢምዎም ኣሎ። ሕጂ ዝወሰድዎ ውሳነ፡ መጻኢ ናይ ሓደ ምንቅስቓስ ጥራይ ዘይኮነስ፡ መጻኢ ዕጫ ናይቲ ኣብ ዑደት መብጽዓን ልቢ-ሰበር ዝኾነ ተርኽቦታታን ተሸኺሉ ዘሎ ህዝቢ እውን ክቐርጽ እዩ። ኣብዚ ግዳማዊ ስግኣታትን ውሽጣዊ ባእስን ተደባሊቑሉ ዘሎ ህሞት፡ ጻውዒት ሓድነት ከም ስትራተጂካዊ ግዴታ ይኹን ሞራላዊ ባናን ኮይኑ ደው ኢሉ ኣሎ። እዚ ከዘኻኽረና ዝኽእል ነገር ተልዩ ከኣ ንነጻነት ዝግበር ቀጻልነት ቃልሲ፣ ኣብ ተነጽሎ ዘይኮነስ፡ ኣብ ሕቑፊ ሓባራዊ ዕላማን፡ ራእይን ዘይፈርስ ምሕዝነትን ከም ዝፍጠር እዩ።
ክቡራት ተቓለስቲ ንስለቲ ኣዝዩ ብሱል መርገጺኹምን መስመርኩምን ናይ ተቓለሳይ ምስጋና ክሕልፍ ዝተሰምዓኒ ተስፋ ክገልጾ ኣይክእልን።እዚ ግዜ ህዝባውያን ተቓለስቲ ዘድልዮ እዋን እዩ።ብስምዒትን ብታህዋኽን ዝግበር ዝኾነ ይኹን ዝምድናን ደገፍን ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ሓደገኛ ጥራሕ ዘይኮነ ፡ኣብ ህዝብና ክህልወና ዝግብኦ ተቐባልነት ሃደሽፈሽ ዘብል እዩ።እዚ ኣብ እንግድዓ ኣቢ ተወጢሑ ገለ ክፋል ኤርትራ ንደመኛ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ክምጡ፡ዝጋየ ዘሎ ሓይሊ ብዙሕ ዝጉዓዝ ኣይኮነን።ታሪኽ ኣይምሕርንዩ ከምዝብልዎ ናይ ታሪኽ ተመራመርቲ ካብ 50ታት ጀሚሮም ብዙሓት ከምዚኣቶም ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ተራእዮምን ክርኣዩን እዮም ።እቲ በዓል ሓቀኛ ፖሎቲካዊ መስመርን ስትራትጅን ቃልሲ ግን ግዜ ይወስድ እምበር ኣብ ውሽጣዊ ዓቕሙን ህዝቡን ኣሚኑ ካብ ዓወት ደው ዘብሎ የሎን