ተቓውሞ ኤርትራን ሕቶ ቻርተርን፡ ጻውዒት መሪሕነትን ሓላፍነትን። ርእሰ ዓንቀጽ ኣንፈት – ግንቦት 11, 2025

ፖለቲካዊ መልክዕ ኤርትራ ዓሚቚ ነቓዓት ዘለዎ ምድረገጽ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ንሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት መንግስቲ ኤርትራ ካብ ቅዋማዊ ሓላፍነቱ ዕሸሽ ብምባል፣ ኤርትራውያን ኣብ ሕጋዊ መሰረት ተመርኲሶም ንመሰሎምን፣ ግዝኣተ ሕግን ከይምክቱ ነቲ ናይ 1997 ቅዋም ካብ ምትግባር ብኣድማዒ መንገዲ ዓጊትዎ ሓንጊዱ’ሎ። እዚ ኮነ ኢልካ ዝተገብረ ናይ ቅዋም ዘይምትግባር ስጉምቲ ድማ ሃገራዊ ብስጭት ኣጒዱ ፣ ዜጋታትን ተቓወምቲ ሓይልታትን ቅዋም ኣበይ ኣሎ?” ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ኣልዒሎም ዓው ኢሎም ክንድሩ ጌሩዎም ኣሎ።

ኮይኑ ግና መንግስቲ ኤርትራ ቅዋማዊ ምሕደራ ደርብዩ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ተቓወምቲ ኤርትራ እውን ንባዕሎም ስሙርን ተግባራዊ ኣማራጽን ኣብ ምቕራብ ዘሎዎም ግዴታ ፈሺሎም ኣሎዉ። ብዙሓት ተቓወምቲ ውድባት ብርክት ዝበሉ ቻርተራት ጽሒፎም ዘዳለዉ’ኳ  እንተኾኑ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደን፡ ውሁድን ራእይ ዘለዎ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ብዓወት ዝመስረተ ውድብ ግን የለን። ሎሚ ነቲ ሜዳ ፖለቲካዊ ክትዓት ኤርትራ ዓብሊሎም ዝርከቡ ሰለስተ ኣገደስቲ ሰነዳት ሰነዳት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡-

  1. ቻርተር ሃዋሳ – ብሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ) ኣብ ሃዋሳ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ታሪኻዊ ጉባኤ ዝተዳለወ እዚ ሰነድ እዚ ኣብ መሰረት ንምንጻፍ ደልዩ እኳ እንተነበረ ክሳብ ሕጂ ግን ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ኣይከኣለን።
  2. ቻርተር ስባደን – ብፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ዝተነድፈን ዝጸደቕን ኮይኑ፣ ግን ሓቀኛ ሃገራዊ መድረኽ ተቓውሞ ከበግስ ኣይከኣለን። ብመንጽሩ ግን ተግባራዊ ስጉምቲ ከይወስድ ክሳብ ኤሃባደለ ዝመጾ ኣንቃዕሪሩ ዝጽበ ናይ ዘይምርሓቕ ኩዳ ዝስጉም ውደባዊ ቅርጺ ሒዙ ክልተ ዓመታት ወዲኡስ ገና ዝቕጽል ዘሎ ውድባ’ዩ።
  3. ሳልሳይ ቻርተር ፖሓኤን/ኤደለን (ኣብ መስርሕ ዘተ ዝርከብ)

ሳልሳይ ቻርተር ንምንዳፍ ሓላፍነት ዝተሰከመ ናይ ዘተ ሽማግለ ኣበጊሱ፣ ሰላሳን ኣርባዕተን ነጥበ ፍልልያት ፈቲሑ፣ ዘይተሰማማዕለን ሰለስተ ወሰንቲ ጉዳያት ኣብ ዕጹው መድረኽ ኮይኖም መሪሕነታት ክዝትይሉ ኣመሓላሊፉ ውጽኢት ኣብ ምጽባይ ይርከብ።

  • ዘይሕጋዊ ዕዳል መሬት – ታሪኻዊ ዝኾነ ቅሬታታት ኣልዒልካ ፍትሓውን ሕጋውን ምክፍፋል መሬት ምርግጋጽን።
  • ዘይምእኩል ምሕደራ – ኣብ መንጎ ማእከላይ ስልጣንን ዞባዊ ርእሰ-ምሕደራን ሚዛን ምፍጣር።
  • መሰል ርእሰ-ውሳነ ብሄራት – ኣብ ውሽጢ ሓድነታዊት ኤርትራ ብሄራውን ሃገራውን መሰላት ምርግጋጽ። ኪኖ እቲ ቻርተር ባዕሉ፡ እታ ናይ ዘተ ሽማግለ ብሓባር ንኽትወጽእ ብዙሕ ቃልሲ ኣካይዳ እያ። ኣብ መወዳእታ እውን ኣብቲ ሕገ-ህንጻ ገለ ዓሰርተ ሓደ ዝኾኑ ፍልልያት ኣለልያ ድሕሪ ምምዝጋብ፣ ሰለስተ ካብኦም ድሕሪ ምዝታይን ምስምማዕን፣ ኣብ ኣቃውማ መሪሕነት ናይ ዝተመዝገበ ራብዓይ ናይ ዕድሎት ቦታታት ፍልልያት ፍትሓዊ መዋጽኦ ክግበረሉ ናብ ዝለዓለ መሪሕነታት ኣመሓላለፈት። እዚ ካብ እትገብር ልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ሓሊፉ ነቲ ጉዕዞ ናብ ደውታ ዘእተወ ምኽንያት ኮይኑ’ሎ።

ናይ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ሰለስተ ህጹጽ ብድሆታት

ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነታ ናይ ህላዌኣ ስግኣት ኣብ ኣጋጢሙሉ ዘሎ እዋን፡ ተቓወምቲ ናይ ምምታእን፣ ምብትታንን ምልክታት ከርእዩ ብፍጹም ኣይግባእን። ተቓወምቲ ሕጂ ብቕጽበት ክምክትዎም ዘለውዎም ሰለስተ ወሰንቲ ብድሆታት ከኣ እዞም ዝስዕቡ እዮም፤

  1. ሓድነትን ምጥርናፍ ብዘይ ስሙር ፖለቲካዊ ግንባር ዝኾነ ተቓውሞ ኣድማዒ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። መሪሕነት ውድባት ኣንቆራዊ ክርክራት ንጎኒ ገዲፉ፡ ነቲ ቻርተር ኣብ መወዳእትኡ ኣብጺሑ ክዛዝሞን፡ ንመጻኢት ሃገር ዘርብሕ ሓባራዊ ራእይ ድም ከቕርብ ኣለዎ።
  2. ምክልኻል ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ደው ምባል ኣብዚ እዋን’ዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ብዝምልከት ዘለዎ ሃርጋፍ ህርፋን ሸለል ኢልካ ክሕለፍ ኣይከኣልን። ሓይልታት ተቓውሞ ንሃገራዊ ምክልኻል ክዳሎን፣ ብቓላት ጥራይ ዘይኮነስ ብወሳኒ ተግባር እውን እንተኾነ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ኤርትራ ደው ንምባል ድልውነት ከምዘለዎ ዘመላኽት መልእኽታት ከሕልፍ ኣለዎ።
  3. ናብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ገለ ተጋሩ ሓይልታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ኣድላዪ መመልእኽታት ምትሕልላፍ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ፡ ነቲ ሃገርና ኤርትራ ብከቢድ መስዋእቲ ዘመዝገበቶ ነጻነትን ልዑላውነትን ንምክልኻል፡ ኩሉ ኣሎ ዝበሃል ዋጋ ክኸፍል ድሉው ምዃኑ ንጹርን ውሁድን መልእኽቲ ከመሓላልፉ ኣለዎም። ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣስፋሕፋሒ ጥርዓናት/ኣውያት፣ ብዘይ ሓደ ዝኾነ ይኹን ንዘይንጹርነት ናይ ቦታ ክፍተት ብዘየርኢ ቀጥታዊ ግጥምያ ክምከት ኣለዎ።

 

ድሕሪ ደጊም መመኽነይታታት የለንግዜ ተሓታትነት ኣኺሉ እዩ

ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቓውሞ ዘሎ ውድቀት መሪሕነት፡ ነቲ ክሰግርዎ ዝደልዩ ስንፍና ዘንጸርባቕ መስትያት እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ብቦኾራ ቅዋም ሕቶታት ክገጥሞ እንከሎ፡ መሪሕነት ተቓወምቲ ውድባት ከኣ ኣበይ ኣሎ’ቲ ቻርተር?” ተባሂሎም ክሕተቱ ግዜኡ ሕጂ እዩ።ውሁድ፡ ተግባራዊ ዝኾነ ቻርተር ምቛም ምርጫ ዘይኮነስ ኣድላይነት እዩ። ብዘይክኡ ተቓውሞ ተበታቲኑ፡ ኣድማዕን ውጽኢታውን ሓቀኛ ለውጢ ከምጽእ ዘይክእልን ኮይኑ ክተርፍ እዩ። ኤርትራ ኣብ መንግስቲ ይኹን ኣብ ተቓውሞ ብድኹም መሪሕነት ክትመሓደር እትዕድጎ ምርጫ ኣይከውንን። ናይ ምጥርጣር ግዜ ተወዲኡ እዩ። ተቓወምቲ ኤርትራ ሓላፍነት ወሲዶም፡ ነቲ ቻርተር ክዛዝሙ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ተሓተትቲ ኮይኖም ክቐርቡ ድሉዋት ክኾኑ ኣለዎም።

እዚ ፖለቲካዊ ቃልሲ ጥራይ ኣይኮነንንመጻኢ ኤርትራ ዝግበር ውግእዩ። ምሕደራ ዘይብሉ ልኡላውነት ነባሪ ኣይኮነን፣ ሓድነት ዘይብሉ ተቓውሞ ድማ ክፈሽል ዝተፈርዶ እዩ ዝኸውን

  • Related Posts

    توضيح مهمة واستقلالية شبكة أنفيت الإعلامية

    تأسست شبكة أنفيت الإعلامية لتكون منصة مستقلة وغير حزبية تخدم جميع الإريتريين في كل مكان — فضاء يمكن فيه للأصوات المتنوعة أن تُسمع وتُحترم وتتواصل دون حواجز أو وصاية سياسية.…

    Clarifying ANFET Media Network’s Mission and Independence

    ANFET-Editorial-September 3, 2025 ANFET Media Network was founded to serve as an independent, non-partisan platform for Eritreans everywhere — a space where diverse voices can be heard, respected, and connected…

    Leave a Reply

    Your email address will not be published. Required fields are marked *