ዝተረሰዐት ኤርትራ: ህዝቢ ካብ 21 ሰለስተ ደቓይቕ ጥራይ ዝረኸበሉ መደረ

ርእሰ ዓንቀጽ ኣንፈት፡ ኣብ መበል 34 መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ- ግንቦት 24, 2025

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንሃገረ ኤርትራ ኣብ መዓልቲ ነጻነት ዝሃቦ መደረ፡ ክምዘን እንከሎ ካብ ዝተኣወጁ ዘይተነግሩ ከም ዝበዝሑ ዘቃልዐ ህሞት‘ዩ ነይሩ። እቲ ን21 ደቓይቕ ዝወሰደ መደረ፡ ንውሽጣዊ ጉዳያት ኤርትራ ሰለስተ ደቓይቕ ጥራይ ዝውፈየ ኮይኑ፡ ንኣሜሪካ፡ ቻይና፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ሓዊሱ ንዓለማውን ዞባውን ኣርእስታት ግን ምሉእ 18 ደቓይቕ ዝመደበ ነይሩ። እዚ ድማ ኣብ ኣመቓቕላ ትኹረቱ ሓደ ኣገዳሲ ሕቶ ዘልዕል ኮይኑ፡ ኤርትራ ኣብ ቀዳምነታት መራሒኣ ኣበይ እይ ትስራዕ ዝብልዩ?

ዓለማዊ ቃልሲ ስልጣን ማእከል መድረኽ ይሕዝ

ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንሸሞንተ ካብቲ ናይ 18 ደቓይቕ ኣህጉራዊ ክፋሉ፡ ኣብ ምንቁልቋል ኣመሪካን ምልዓል ቻይናን ኣተኲሩ። ንቁጠባን ወተሃደራዊ ሓይልን ኣመሪካ ከም ዝሃስስ ገይሩ ቀቢእዎ፡ ምስቲ ቻይና ከም ሓድሽ ዓለማዊ መራሒት ምድያባ ኣተሓሒዝዎ። ኤርትራውያን ምስ ደውታን ቁጠባዊ ውድቀትን ክቃለሱ እንከለዉ፡ መራሒኦም ኣብ ውሽጣዊ ቃልስታት ኣመሪካን ናይ ወጻኢ ጂኦፖለቲካዊ ምቅይያራትን ኣተኲሩ ነበረ።

ክልተ ደቒቕ ኣብ ልዕሊ ሱዳን፤ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ባዕሉ ኣብ ስግረ-ዶባዊ ወተሃደራዊ ምትእትታው እኳ እንተተዋፈረ፡ ተግባራቱ ምትእትታው ዝገብር ምዃኑ ግን ኣፍልጦ ክህብ ኣይደለየን። ኣብቲ ብዛዕባ ሱዳን ዝሃቦ ናይ ክልተ ደቓይቕ ሓተታ፡ ንሰውራን ወተሃደራዊ ተሳትፎን እታ ሃገር መወከሲ ብምግባር፡ ኣብ’ቲ ዝግንፍል ዘሎ ቅልውላው ግን ንጹር መርገጺ ካብ ምውሳድ ተቖጢቡ። ኣብ ክንድኡስ፡ ዜጋታት ሱዳን ብዘይ ናይ ወጻኢ ምትእትታው ሰውራኦም ክመልሱ ከም ዘለዎም ብዘይንጹር ሓሳብ ኣቕሪቡ- እዚ ድማ ናይ ገዛእ ርእሱ ታሪኽ ዞባዊ ወተሃደራዊ ጽምዶታት ኣብ ግምት ብምእታው ዘስሕቕ መርገጺ እዩ። እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ዕግርግር ሱዳን ምስ ስትራተጂካዊ ረብሓታት ዓለምለኻውን ዞባውን ሓይልታት ብዕምቆት ተሓዋዊሱ ይርከብ።

ኢትዮጵያ ካብቲ መደርኡ ኣርባዕተ ደቓይቕ ዝረኸበት ኮይና፡ ዘይምርግጋእ ከምዘጋጥም ዘስካሕክሕ ትምቢት ድሕሪ ምቕማጥ፣ ኣፈወርቂ ኢትዮጵያ ንኹሉ ተስፋ ተሃድሶ ኣድኪማ ኣብ ኣፍደገ ኲናት ደው ኢላ ብምባል፣ ነቲ ዕግርግር ንናይ ግዳም ሓይልታት ብምውቃስ ገለጾ። ብፍላይ ከኣ ኤርትራ ይኹን ህዝባ ምስ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ምትሕብባር ጌጋ ከምዘይኮነ ንኤርትራውያን ከደዓኦዕስ፣ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዞባዊ ወጥሪ ኣፍልጦ ከይሃበ ሕሉፍ ውሳኔታቱ ምኽኑይ ክገብር ሃቂኑ።

ኤርትራ፡ ዝተዘንገዐት?

ኣብተን ናይ መወዳእታ ሰለስተ ደቓይቕ ኢዩ ኢስያስ ኣቓልቦኡ ናብ ኤርትራ ዝቐየረ። መግለጺታቱ፡ ኣብ ማይ፡ ጸዓት፡ ኢንዱስትርያ ማኑፋክቸሪንግን ዘተኮረ፡ ን34 ዓመታት ዝጸንሐ ቁጠባዊ ብድሆታት ዳግማይ ዝብሎ ደጊሙ ብምርኣይ ይጅምር። ብኣንጻር’ቲ ብተደጋጋሚ ዝነበሮ ተስፋታት፡ ኢንዱስትሪታት ኤርትራ ፈሪሰን፡ ከም በዓል ባጽዕን ዓሰብን ዝኣመሰላ ከተማታት ኣብ ምንቁልቋል ይርከባ፡ ሓፈሻዊ ቁጠባ ድማ ኣብ ትሕቲ ፍሹል ፖሊሲታ ይሰሓግ ኣሎ። ናይ ባዕሉ ናይ ቀረባ እዋን ትንታነ ምስቲ ተስፋ ዝህብ ቃና መደምደምታኡ ዝጋጮ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ስነ-ቓላትን ክውንነትን እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ክፍተት የቃልዕ።

መጻሕፍቲ ምሉእ ዝዛረብ መደረ

መደረ ኢሰያስ ዞባውን ዓለማውን ምዕባለታት ንውሽጣዊ ቅልውላዋት ኣንጸላልዩ ምህላዉ ዘርኢ፣ንኹነታት ኣእምሮኡ ዘቃልዕ መርኣያ ይህብ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ተንጠልጢ እንከሎ፡ መራሒኡ ግን ኪኖ ዶባቱ ዘተኮረ ግዳማዊ ጉዳያት ከተኩር እንኮሎ፣ ኣብ ጉዳይ ቀዳምነታት መሪሕነት ስክፍታታት ዘልዕል እዩ ዝኸውን።

መልስን ፍታሕን ንዝደልዩ ኤርትራውያን፡ እዘን 21 ደቓይቕ፡ ቃልስታት ነቲ ቃልስታት ናይ ሃገር ኣፍልጦ ዝህብ መዘኻኻሪ ክኸውን እምበር ነቲ ሽግራት ዘርዚሩ መፍትሒታት ዘቐምጥ ካልእ መዘኻኸሪ እዩ ነይሩ። ከም ናይ ፖለቲካዊ ተዓዘብቲ ነቲ ቃላት ናይ ኢስያስ ጠቢሖም ክዕዘቡ እንከለዉ ሓደ ዘይከሓድ ሓቂ ይቕልቀል እዩ ስሱ ድማ፡ ኤርትራ ልዕሊ ሰለስተ ደቓይቕ ይግብኣ ነይሩ ዝብልዩ!

  • Related Posts

    النوايا المحتملة وراء تغيير إثيوبيا لخريطتها الإريترية وضمّها لدنكاليا

     افتتاحية أنفيت – 12 سبتمبر 2025 مقدمة أثارت صورٌ حديثة تُظهر دنكاليا – الطرف الجنوبي لإريتريا – منفصلةً بصريًا عن الوطن ومرتبطةً بإثيوبيا قلقًا بالغًا بين الإريتريين في الداخل والخارج.…

    Possible Intentions Behind Ethiopia Changing Eritrean Map Annexing Dankalia to it

    ANFET Editorial-September 12, 2025 Introduction Recent imagery showing Dankalia — the southern tail of Eritrea — visually severed from the nation and attached to Ethiopia has stirred deep concern among…

    Leave a Reply

    Your email address will not be published. Required fields are marked *