
ፍሉይ ሕታም ኣንፈት–ግንቦት 14, 2025
ቀርኒ ኣፍሪቃ ምንቅጥቃጥ ዝመልኦ ፖለቲካዊ ለውጢ ይገብር ኣሎ፣ ናይ ወጻኢ ምትእትታዋት፣ ዝቀያየር ምሕዝነታትን ውሽጣዊ ናይ ስልጣን ቃልስን ንምርግጋእ’ቲ ዞባ ዳግማይ ንክቕረጽ ስግኣት ኣለዎ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ኢራንን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ናይ ጸጥታ ስምምዕ፡ ምስ ደገፍ ኢማራት ንኢትዮጵያን ንህዝባዊ ምክልኻል ሕመቲን ተደሚሩ፡ ብፍላይ ንኤርትራን ሱዳንን ጂኦፖለቲካዊ ወጥሪ ክዓሙቕ ጌሩ ኣሎ።
ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ንህወሓት ካብ ሕጋውነት ሰሪዙ፥ ሓድሽ ፖለቲካዊ ዳግመ ኣሰላልፋ
ኣብ ሓደ ዓቢ ፖለቲካዊ ነውጺ፡ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ንኣፍልጦ ዘለዎ ፖለቲካዊ ሰልፊ ህወሓት (ምንጪ -ቦርከና.ኮም) ብወግዒ ሰሪዙዎ። ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ውሽጢ ገዛኢ ጥምረት ኢህወዴግ ዓብላሊ ሓይሊ ዝነበረ ህወሓት ሕጋውነቱ ምስራዝ ካብ ፌደራላዊ ፖለቲካዊ መሓውር ኢትዮጵያ ዝያዳ ክንጸልን፣ ናብ ሓድሽ ምሕዝነት ክደፍኦን ይኽእል እዩ።
እዚ ውሳነ ንህወሕእት ምስ ሱዳንን ኤርትራን ክስለፍ ክድርኾ ይኽእል እዩ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዘይተነጸረ ፖለቲካዊ ሃዋሁ ክፈጥር ይኽእል እዩ። ህወሓት ናይ ግዳም ሽርክነት እንተደልያ፡ ንዞባዊ ዳይናሚካዊ ሓይልታት ዳግመ ስርርዕ ክቐርጽን፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ግጭት ዝያዳ ክተሓላለኽን ክገብሮ እዩ።
ናይ ትግራይ ዝበለጸ ኣማራጺ-ቀዋሚ ገለልተኛነት
ፖለቲካዊ መልክዕ ኢትዮጵያ ናብ ዘይተነጸረ ኩነታት ኣብ ዝኣትወሉ ዘሎ እዋን፡ ንትግራይ እቲ እንኮ ስትራተጂካዊ መንገዲ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ቀዋሚ ገለልትነት ፖሊሲ ምሓዝ ክኸውን እዩ ዝሓይሽ። ገለልተኛ ብምጽናሕ ትግራይ:
- ኣብ ዞባዊ ግርጭታት ኢድካ ምሕዋስ ምውጋድ፡ ውሽጣዊ ምርግጋእ ምዕቃብን ነዊሕ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ጽልዋታቱ ክዕቅብ ምግባር።
- ኣብ መጻኢ ካብ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክመጽእ ዝኽእል ሕነ ምፍዳይ ምክልኻልን፣ ኣብ መጻኢ ምሕደራ ኢትዮጵያ ውሑስ ፖለቲካዊ ህላወ ምርግጋጽ።
- ፖለቲካዊ መሪሕነት ትግራይ ምስ ረብሓታቱ ክሃስዩ ዝኽእሉ ውድባት ከይተሰለፈ ከም ሓያል ክልላዊ ተዋሳኢ ኮይኑ ክወጽእን፡ መንጎኛ ኣታዓራቒ መርገጽ ክሕዝ ይህልዎ።
ገለልተኛ ትግራይ ንሰፊሕ ፖለቲካዊ ቁመና ኢትዮጵያ ሓዱሽ ስትራተጂካዊ ተኽእሎታት ዝፈጥርን ንርእሰ-ምሕደራ ክልሎም እውን ውሕስነት ዝህብ እዩ።
ተራ ሱዳን፡ መከላኸሊ ወይ ዓውደ ውግእ
ሱዳን ምስ ኤርትራን ኢራንን ዘለዋ ድርብ ምሕዝነት ኣብ ዘይተረጋገጸ ዲፕሎማስያዊ ኩነታት የእትዋ። ቡርሃን ምስ ኤርትራ ዘለዎ ምትእስሳር ዞባዊ ጸጥታ ከሐይል ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ ሱዳን ምስ ኢራን ዘለዋ ታሪኻዊ ርክብ ግን ካልእ ጽፍሒ ምትሕልላኽ እዩ ዝውስኽ። ሱዳን ዝምድናታታ ብስትራተጂካዊ ኣገባብ እንተተጠቒማትሉ፡ ኣንጻር ምስፍሕፋሕ ኢትዮጵያ ከም መከላኸሊ ዞባ (Buffer Zone) ኮይና ከተገልግል ትኽእል እያ። እንተኾነ ሱዳን ሚዛናዊ ምሕዝነት ክትገብር እንተዘይክኢላ፡ ናይ ተወዳደርቲ ሓይልታት ዓወደ – ኲናት ክትከውን ሓደጋ ኣለዋ።
ሳዕቤን ምትእትታው ወጻኢ
ኢማራት ንኢትዮጵያን ሕመቲ’ን RSFን ብምድጋፍ፡ ኢራን ድማ ምስ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘለዋ ርክብ ብምጥንኻር፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ኣፍደገ ዓቢ ጂኦፖለቲካዊ ለውጢ እያ ዘላ። እዞም ምሕዝነታት እዚኣቶም ንወተሃደራዊ ህርፋን ከጓሃህሩ እንተድኣ ኮይኖም፡ እቲ ዞባ ናብ ነዊሕ ዝጸንሕ ዘይምርግጋእ ክወርድ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ንንግድን፡ ስደትን ከምኡውን ንዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ክዘርግ ይኽእል እዩ።
ጻውዒት ንተግባር፡ ምክልኻል ዞባዊ ዘይምርግጋእ
ቀርኒ ኣፍሪቃ ንስለ ናይ ወጻኢ ረብሓታት ናይ ውክልና ዓውደ-ኲናት ክኸውን የብሉን። ዓለምለኻውያን መራሕቲ ሕጂ ክዋስኡ ዘለዎም፥-
- ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ግዝኣታዊ ህርፋናት ምኹናን።
- ኣብ ክንዲ ወተሃደራዊ ናህሪ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ምትብባዕ።
- ነቲ ዞባ ዝያዳ ኣብ ዘይምርግጋእ ከእትዎ ዝኽእል ናይ ደገ ምትእትታው ምክልኻል።
መጻኢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ወሳኒ ስጉምቲ እዩ ዝምርኮስ። ናብ ግጉይ ኣንፈት ዝመርሕ ምግእትታው ነቲ ቅልውላው ከዕምቖ ጥራይ እዩ ዝኽእል። ዞባዊ ተዋሳእቲ ካብ ግጭት ንላዕሊ ንምርግጋእ ቀዳምነት ክህቡሉ ግዜኡ እዩ።