
ዕድመ ንቤተሰብ ኣንፈት – ናይ ፈይስቡክ ገጽ –ግንቦት 19, 2025
ኣብ ሕመረት ኣንፈት ኤርትራ፡ እቲ ዘይንቕነቕ ተወፋይነት ንናጽነት- ናይ ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምንቅስቓስ፡ ፕረስ፡ ምዝራብ፡ ምውዳብ እምነታትን ነጻነትን እዩ። እዞም ኣዕኑድ እዚኣቶም ንኤርትራ ከም ሓራ ዝወጸት ሃገር ግቡእ ቦታኣ ክትሕዝን ህዝባ ፍትሕን ማዕርነትን ክብርን ንክሓትት ሓይሊ ዝህብ እዩ።
ህንጸት ሃገር ብሓድነት
ኤርትራ፡ ሕብረ- ብሄራትን ሕብረ-ሃይማኖትን ባህልን ዘለዋ ሃገር፡ ናብ ዘመናዊት ሃገር እናተቐየረት ኣብ እትኸደሉ እዋን፡ ሃብታም መንነታ ክትዕቅብ ኣለዋ። ህንጸት ሃገር ኣገዳሲ ጥራይ ዘይኮነስ ግቡእ እውን እዩ። ዕንቅፋት ምልካዊ ምሕደራ ምስ ተኣልየ፡ ስምርቲ ኤርትራ ንህዝባ ክብ ከተብል፡ ምሉእ ዓቕሚ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ተጠቒማ ዳግማይ ክትህነጽን ክትስስንን እያ።
መንገዲ ፍትሒ ምርካብ
ናጽነት ታሪኻዊ ምዕራፍ ጥራይ ኣይኮነን- ህያው መብጽዓ እዩ። ቃልሲ ኤርትራ ንርእሰ-ውሳነ እምበር ንጨቋኒ ፈጺሙ ኣይነበረን። መስዋእቲ ወለዶታት ብተግባር ከም ዝኽበር ንምርግጋጽ፡ ሓቀኛ ትርጉም ናጽነትን ልኡላውነትን ፍትሕን ንኽምለስ ናይ ኤርትራውያን ዕማም እዩ።
ምሕያል ኤርትራውያን ብጽምዶ
ለውጢ ተባዕ ተሳትፎ ይሓትት። ኣንፈት ኤርትራ ዘተ፣ ምትሕብባር፣ ስትራተጂካዊ ተበግሶታት ብምምዕባል ነቲ ዕማም ይመርሖ። ብሰሙናዊ ኣርእስታት፣ ሓባራዊ ቃለ መሕትት ምስ ኤሪፒኤም፣ ከምኡ’ውን ኣብ ኤርትራ ዘተኮረ ፈነወ ብመንገዲ ግሎባል ይኣክል መሳለጢ፣ ኤርትራውያን ንክሕበሩን ንክዋስኡን፥ ዋንነት ናይቲ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ክላበሱን ክጽዕር’ዩ።
ኤርትራ ናብ ዘመናዊነት ምቕያር
መጻኢ ኤርትራ ለውጢ እዩ- ኣብ ናጽነትን ሰላምን ሃገራዊ ስኒትን ዝተሰረተ ለውጢ። ፍትሓዊትን ደሞክራስያዊትን ኤርትራ ናይ ህዝባ ምዕባሌ ምርግጋጽ ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ጎረባብቲ ኣህዛብ ምሕዝነታዊ ናይ ምትሕብባር ዝምድናታት ንምምዕባል እውን እዩ።
ኣብዚ ምንቅስቓስ ተጸንበሩና!
ንኣንፈት ኤርትራ ኣብ ፌስቡክ፡ ኤክስ (X)፡ ከምኡ’ውን ኣብ ካልኦት ማሕበራዊ መራኸቢታት እናተኸታተልኩም፡ ርክብኩም ቀጽሉ። ቪድዮታትን ፍሉይ ትሕዝቶን ንምርካብ ኣብ anfet.net ተወከሱ። Share, subscribe, and comment— ብምግባር ዝቕጽል ምዕራፍ ኤርትራ ኣብ ምቕራጽ ድምጽኹም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
ብተወሳኺ፥ ኣብ ዝተፈላለየ ኣርእስታት – ንፖለቲካ፡ ቁጠባ፡ ታሪኽ፡ ስነ-ጥበብ፡ ከምኡ’ውን ምሕያል ደቂ-ኣንስትዮ ሓዊስካ – ንጉዳይ ኤርትራ ዘሓይልን ዘሰጉምን ሓሳባት ከቕርቡ ዝኽእሉ ኣዳለውትን ኣበርከትን ንዕድም።