
ብአካል ካብ ዝተሳተፉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እቲ ብወኪል ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ሳንድየጎ ዝተኣከበ ናይ ገንዘብ ምጉሕጓሕን፡ ግብሪ ምእካብን ካብ 12-13 ሚያዝያ 2025 ዝተዳለወአ መደብ፡ ገለ ገምጋምና ከነካፍል ከለና ብዙሕ ሓበን እናተሰመዓና እዩ። እዚ ኣኼባ’ዚ፡ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ኲናት ንምግጣም ዝግበር ወፍሪታት ናይ ገንዘብ ደገፍ ንምእካብ ዝዓለመ እዩ ነይሩ። ካብቲ ኣብዝሓለፈ ዓመታት ዝተኻየደ ዋዕላታት ኣዝዩ ዝተፈልየ ዝገብሮ ግን እዚ መደብ ኣብ ክንዲ እቶም ብልምዲ ኣሽሓት ህንጡያትን ደገፍትን መጣቓዕትን ዝስነ ዝነበረ ውራያት፡ ካብ ሰለሰተ ኣውራጃታት ደቡባዊ ምዕራብ ኣሜሪካ-ካሊፎርንያን፡ ኣሪዞናን፣ ኔቫዳን ዝመጹ ኣስታት 75 ንያቶም ዝደኸመ፣ ኣዝዮም ተስፋ ዝቖረጹን፣ ሕልንኦም ዘዕረቡን ደገፍቲ ጥራዮም ተሳቲፎም። ተኣከብቲ ውሑዳት እኳ እንተነበሩ ግን፡ እቶም ዝርካቦም ኣብ ዕቱብን ንቑሕን ምይይጥ ተጸሚዶም ነቲ ወኪል ካብ ምውጣር ፈጺሞም ደው ኣይበሉን። እቲ ወኪል ብተደጋጋሚ ምስ ዞባዊ ሓይልታት ዝግበር ዘሎ ዝምድናታት፣ ኣካታዕን ተራጻምን ምሕዝነታት ብዝምልከት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክደናገጹን ደገፍቱ ከጣቕዕሉን ዝተጸብዮ ግብረመልሲ ዘይኮነስ ተኣፋፊ ሕቶታት ብምሕታት ከም ዝዋጠርዩ ኮይኑ። ኣብ ሓደ እዋን ተሳተፍቲ “ክንደይ ባንዴራታት ናይ ደገፍ ኢና ከነንበልብል ትደልዩና? ሓንሳብ ባንዴራ ኢትዮጵያ፡ ሕጂ ድማ ባንዴራ ናይ ትግራይ?” ክብሉ ብስምዒት ይሓቱ ምንባሮም‘ዩ። ኣብዚ ንጹር ኮይኑ ወጽዩ ዘሎ ተርእዮ ከኣ እቲ ድምጸኣልቦ ዝኾነ ኣብዝሓ ህዝቢ ብምሉእ ዘይርድኦን ወይ ዘይሰማምዑሉን ናይቲ መንግስቲ ዕላማታት ክድግፍ ሰልችይዎ ምህላዉ እዩ። እዚ ናይ ዕርበተ ሕልና ስምዒታት ዝወረሶ ኣኼባ’ዚ፡ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ሒዝዎ ዘሎ መርገጺታት ዘመላኽት ናይ ብጫ ማልያን፣ ቀይሕ ኣርማታትን ብዘጌጸ መድረኽ ተሰንዩ ድማ‘ዩ እቲ ኣኼባ ተኻይዱ። ነቲ ኣኼባ ንኸይካየድን፡ እቲ ዑደት እውን ንረብሓ ህዝቢ ስለ ዘይኮነ ንኽቋረጽን ብኤርትራውያን ንሰላምን ፍትሕን ኣብ ሳንዲያጎ ብዝተሰደ መልእኽትን ብዝተገብረ ጻዕርታትን ከኣ፡ ነቲ ተሳታፊ ኣዕሚቑ ክሓስብን፣ ካብ ምኻድ እውን ክቑጠብን ኣኽኢልዎ እዩ። ኩሉ ሰብ ተሳትፎኡ ኣብዚ ኣኼባ‘ዚ ኣብ ህይወቱ ከስዕበሉ ዝኽእል ናይ ሕጋዊ መንብሮ ሓደጋታት ብጥንቃቐ ክሓስበሉ ጌርዎ’ዩ። እዚ ብፍላይ ነቶም ናይ ጣዕሳ ቅጥዒ (Regret Form) ብምፍራም ናብ ኤርትራ ክምለሱ ክደናደኑ ዝጸንሑ ሓተትቲ ዑቕባ ኣዝዩ ኣገዳሲ መተሓሳሰቢ’ዩ እዩ ነይሩ። ነዚ ቅጥዕ’ዚ ምምላእ፣ እቲ ንመንግስተይ ብኣሉታ ኣጸሊመ ኣብ ኣሜሪካ ምምጻአይ ዝወሰድክዎ ውሳነ ከምዝተጣዓስኩን ንመንግስቲ ኤርትራ ምንቃፍ ከኣ ጌጋ ከምዝነበረን ዘመልክት ናይ ክሕደት ሰነድ እዩ።
መልእኽትና እቲ ኣኼባዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝቢ፡ ብዛዕባ’ቲ ንነዊሕ ዓመታት ክገዝእ ዝጸንሐ ምልካዊ ስርዓት፡ ንዝሓለፉ 33 ዓመታት ብዘይ ፍቓድ ህዝቢ ነታ ሃገር ዘመሓድር ዘሎ ምዃኑን፡ ተግባራቱውን ኣዝዩ ከም ዘሻቐሎን ኮይኑ ክርድኦ ዝገበረ ጻውዒት‘ዩ ነይሩ። ሕጂ እቶም ድምጺ ኣልቦ ኣብዝሓ ህዝቢ ዘይዕግበቶም ከስምዑን ለውጢ ክጠልቡን ጀሚሮም ኣለዉ። እዚ ድማ ኣብ ኤርትራ ፍትሕን ሰላምን ንምስፋን ዘለዎም ጽንዓትን ቆራጽነትን ምስክር እዩ። ቁጽሪ ደገፍቲ መንግስቲ እናነከየ ብምምጽኡን፣ መንእሰይ ወለዶ ናብ ተቓዋሚ ሓይልታት እናወገነ ኣብ ዝከደሉ ዘሎ ግዜ ድማ እቲ ናይ ለውጢ ግዜ ኣዝማምያን ኣዝዩ ቀሪቡ ከምዘሎ ጌርና ኢና እንርኢ።
መልእኽትና ናይ ክልቲኡ ወገናት፣ ነቲ ዝዓበየ ዕላማ ናይ ህዝብና ሓራ ምውጻእ ዕላማ ንምዕዋት ብሓባር ክንሰርሕ ከምዘድሊ ዘመልኽት እዩ ነይሩ። ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውሽጡ ተዳኺሙ ስለ ዘሎ፡ እቶም ኣብ ዲያስፖራ ዘለዉ ደገፍቲ ድሕሪ ደጊም ብመንግስቲ ዝተወደበ ኣኼባታት ብሓጎስ እንተዘይተሳቲፎም ወይ እውን ፍጹም ምክፋል እንተኣብዮም፡ ኣብ ውሽጢ ዘለዉ ህዝብና ክለዓሉ እዮም።ኤርትራውያን ንዓዶም ንኽኣትዉ ናይ ጣዕሳፎርም ክመልኡን፡ መእተዊ ቪዛን ከሳልጡን፡ ጉቦን ክኸፍሉን፡ ካብ ስለያ ክፈርሑን፡ 2% ቀረጽን ክኸፍሉን ኣይከድልዮምን እዩ። እቲ ገዛኢ ስርዓት-ናይ ኢሳያስን 10 ዝኾኑ ዕሱባቱን ተኣልዮም፡ ብሕገ-መንግስቲ ዝምእዘዝ፡ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ፣ ህዝቢ ካብ ህዝብን፣ ብህዝብን፣ ንህዝብን፣ እንተተመሓዲሩ፡ ብሰላም ክምለስ ደኾን እኸውን ብዝብል ፍርሕን፣ ወይ ካልእ ዝኾነ ይኹን ዕንቅፋታትን ምትንዃላትን ከጓንፉና ኣይክእሉን እዮም። ነጻን ደሞክራስያዊትን ኤርትራ ንምምስራት ናይ ሓባር ጻዕርን፡ ንቕሓትን፣ ሓድነትን ዘድልዮ ናይ ኩልና ቀሊል ዘይኮነ ከኣ ኣድላዪ ዕማም እዩ። ኤርትራውያን ንሰላምን ፍትሕን ኣብ ኤርትራ
ሚያዝያ 14, 2025 ዓ.ም