
ርእሰ-ዓንቀጽ ኣንፈት 18 ሰነ 1015
ኣብዚ ፈታኒ ግዜ ዘለናዮ፡ ኣብ ከባቢና እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላዋትን፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ስግኣት ኲናትን፡ መሰረት ብምግባር፡ መጻኢ ዕድል ሃገርና ኣብ ከቢድ ሓደጋ ተንጠልጢሉ ምህላው ርዱእ ይመስል። ስለዚ ነዚ እዋን’ዚ ዝምጥን፡ ንጹር ራእይን፡ ናይ ሓባራዊ ሓድነት ዝፈጥርን፡ ናይ ፍታሕ ሓሳብ ምቕራብ ግዴታና እዩ። ንነዊሕ እዋን፡ ዲስኩርናን ተግባራትናን ኣብ ውሽጢ ደረት ውልቃዊ ውዳበታትና ተሓጺሩ ጸኒሑ እዩ። ሕጂ ግን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ሓደ ሓይሊ ክንመጽእ መድረኽ ይሓተና።
ካብ ዝሓለፉ ናይ ተስፋ መብራህቲ ዝነበሩ፡
እስከ ካብቲ ዝሓለፈ ብቕዕ ዓቕምታትና ንማሃር። ኣብ 1980ታት ቦሎኛ ጣልያን ዝተኻየዱ ህያው ኤርትራዊ ፈስቲቫል፡ ናይ ናጽነት መዝገብና፡ ኣብቲ ዘይርጉጽ መጻኢ ሃለዋት ህዝብና ዝነበረ፡ ናይ ነጻነት ቃልሲ እዋን፡ ኣብ ሓባራዊ ቃልሲ፡ ንሓርነት ኣወሃሂዱ፡ ንዲያስፖራ ህዝብና መብራህቲ ተስፋ ኮይኑ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። ብተመሳሳሊ’ውን ኣብ ካሰል ጀርመን፡ ድሕሪ ሓርነት ዝነበሩ ደገፍቲ ዲሞክራሲ ዝኾኑ ምንቅስቓሳት፡ ነቲ መንፈስ ጽምብል ናብ ሓያል ጻውዒት ተሃድሶን ውክልናዊ ምሕደራን ቀይሮሞ ኔሮም። እዚኦም ታሪኻዊ ምትእኽኻባትን ተዘክሮታትን ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ኣብዚ ንኣትዎ ዘለና ሓጋይ እውን፡ ንሓድነትና ዘሐድስን፡ ተወፋይነትና ንኽነኻዕብትን፡ ዝግባእ ኣብነትን መሰረትን ኮይኖም ከገልግሉ ነተሓሳስብ።
ናይ ሎሚ መሰጋገሪ ባህሊ:
እቲ ኣብ ሓደ እዋን ዓመታዊ ፈስቲቫል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ፡ ናብ ሓደ ዝሰፍሐ ናይ ሽርክነት ሰሚናር ክቕየር ኣለዎ፡፡ ኣብ መንጎ ኩሎም፡ ንህሉው ቅልውላውና ዝፈታተኑ ወሰንቲ ሓይልታት፡ ዓቢ ሓድነት ክግበር ንጽውዕ። “መገዲ ምድህሳስን፡ ንምምስራት ዝሰፍሐ ዓቢ ጽላል ግዜ ምውሓስን” ዝብል ቴማና ካብ ስያመ ኣርእስቲ ንላዕሊ እዩ። ሓባራዊ ተስፋን ስትራተጂካዊ ውሳኔን ጥምረትና ዘንጸባርቕ እዩ።
ናብ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ቻርተር ዝግበር ጉዕዞና፡ ዋላ’ኳ ጥንቃቐን ጻዕርን ዝሓትት እንተኾነ፡ ከምኡ’ውን ዝሕታለ ዝመልኦ እንተነበረ፡ ኣብ ዘተባብዕ መድረኽ በጺሑ ምህላው ግን ክነስምረሉ ንደሊ። ሕጂ ክልተ ሰለስተ ፍልልያት ጥራይ ተሪፉናስ፡ ንሓባራዊ ባህግታትና ዝዛረብ ቻርተር ንምውዳእ፡ ኣብ ኣፍደገ ደው ኢልና ንርከብ። ነፍሲ ወከፍና ትሑት ተበግሶ ምስ እነበርክት፡ ብተፈራረም ድጋፍ ዝተዓሸገ ወግዓዊ መደምደምታ፡ ፖለቲካዊ ዘተና፡ ነዚ ታሪኻዊ ዓወት ብተሪር ምጥባቕ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ተሓድሶን ምትእምማንን ናይ ህዝብናን ክመልስ ኣለዎ።
ጻውዒት ናብ ኩሎም ሓይልታት:
ኣንፈት ሚድያ፡ ኣብ ቁኑዕ ሓይልን፡ ውሁድ ተግባርን ንኣምን። እዚ ናይ ዓቢ ሓድነት ጻውዒት፡ ናብተን
ዝተመስረታ ውዳበታትናን፡ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጥን፡ ንኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታትን፡ ከምኡ’ውን ንኤርትራዊ ጥምረት ንደሞክራስያዊ ለውጥን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ብብርጌድ ን’ሓመዱ ዝግለጽ መንፈሳዊ ድምጺ መንእሰያትና’ውን ዝጽውዕ እዩ። ኣብዚ መድረኽ’ዚ ተሳትፎ ነፍሲ ወከፍ ትካልን፡ ኩሉ ወለዶን ወሳኒ እዩ። ናይ ሓጋይ ምትእኽኻብና፡ እዞም ዝተፈላለዩ፡ ግን ከኣ ተመላላእቲ ሓይልታት ተዋሃሂዶምን፡ ተጻዋዊሮምን፡ ንኹሉ ዝሓቁፍ ከም ዓረ ዝተረረ መዕቆቢ ዝህነጸሉን ዝቐርጸሉ ጹኑዕ ሳንዱቕ ክኸውን ቃል ይኣቱ።
ህጹጽነት ህሞትና:
ፍልልያትና ንጎኒ ገዲፍና፡ ኣብቲ ሓባራዊ ጉዳያትና ብወሳኒ ንዋሳኣሉ ግዜ ሕጂ እዩ። እቲ ዕዳ ብቑልጡፍ ክኽፈል ዘሎዎ ጉዳይ ኮይኑ፡ ካብዚ ንላዕሊ በሪኹ ኣይፈልጥን። ኣብ ሓደ ብምምጻእ፡ ዝርርብና ብወግዒ ብምዝዛም፡ ኣብቲ ናይ ሓባር ቻርተርና ብምፍራም፡ ሓባራዊ ድምጽና ኣገዳሲ ምዃኑን፡ ሓድነት ሓይልና ምዃኑን፡ ተስፋ ህዝብና ከይጸልመተ ከሎ፡ ንኽንረዳዳእ መዳርግቲ ዘይብሉ ዕድል ኣሎና። እዚ ናይ ለውጢ ህሞትና ይኹን።
ህዝባዊ ጻውዒት ንኣመራርሓ:
እዚ ደብዳቤ’ዚ ካብ ህዝቢ ንኣመራርሓ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ብፍላይ ናብቶም ውድባትና ዝመርሑ መራሕቲ ዘቶኮረ እዩ። እዚ ካኣ ማንታ ዕላማ ዘሎዎ፡ መጸዋዕታ ኣዋጅን፡ ናይ ተግባር ጻውዒትን እዩ። ነቲ ህሞት ጨቢጡ ኣብ ኣገልግሎት ዝሓሸት ኤርትራ፡ ዘይብተኽ ምትእስሳር ዝፈጠረ ወለዶ ኩላትና፡ ተመላሊእና ብሓባር ዘይዕጸፍ ቅልጽም ክንከውን ኣለና። ኣንፈት ሚድያ፡ ነዚ ዘተ ንምጥዕዓምን፡ ተሳትፎ ኩሎም ንጡፋት ተቓለስትን፡ ኣክቲቪስትን፡ መንእስያዊ ድምጽን፡ ኩሉ ደላይ ፍትሕን፡ ቀልቢ ብዝስሕብ፡ ብቕዲ ብሉጽን ዓብይን ኣገዳስን መሳጥን ዋዕላ ክተዋሃህድ ድልውቲ እያ። እቲ ክንዋሳኣሉ ዝግበኣና ግዜ ሕጂ’ዩ፡ ታሪኽ ድማ መጻኢ ህዝብና ንምምላስ፡ ኩሉ ወሎዶታትና ንምስማር፡ ንታሪኽ ዝተርፍ፡ ብዙሕነትን ዘዕግብ፡ ሓድነት ክንገብር መድረኽ ይጠልበና።