ዓሰርተ ሓቅታት ብዛዕባ ኤርትራ፡ ብሕጋውን ፖለቲካውን ኣረኣእያ

ናይ መዓልቲ ነጻነት ፍሉይ ሕታም ኣንፈት-ምያዝያ 21, 20225

 

ኣብ መዓልቲ ናጽነት፡ እቲ እንኮ ብሓቂ ክንጽንበሎ ዝግበኦ #1 ሓቂ’ዩ- እቲ ብኽቱር ጻዕሪ ዝተረኽበ ልኡላውነት ሃገረ ኤርትራ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነቱ ተቓሊሱ፡ እቲ ዓወት ድማ ንድሕሪት ዘይምለስ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ይኹን እምበር፡ እታ ሃገር ብጭቆናን ዓመጽን ትካላዊ ውድቀትን ሰኽሚ ተዳዕኒና ከላ ግን ሓቀኛ ነጻነታት ክረጋገጹ ኣይተኻእለን። እዞም ዓሰርተ ሓቅታት እዚኣቶም ንህሉው ክውንነት ኤርትራ ዝገልጹ ኮይኖም፡ ኣድላይጹጽ ለውጢ ንምምጻእ ከም ቀጻሊ መዘኻኸሪ ነጥብታት ኮይኖም ከገልግሉ ኣለዎም። እቶም ዓሰርተ ሓቅታት ከኣ፡-

  1. ኤርትራ ድሕሪ ኣብ 1993 . ረፈረንደም ዘይጽግዕተኛን/ነጻን ልኡላዊትን ሃገር እያ፣
  2. ኤርትራ ኣብ እቲ ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ውዕላት ሰብኣዊ መሰላት ሰፊሩ ዘሎ ዓንቀጻት ብምጥሓስ፡ ን ናይ ምዝራብ፡ ፕረስ፡ ምእካብ/ምግባእ ምንቅስቓስን እምነት/ሃይማኖትን ሓዊሱ መሰረታዊ ናጽነታት ዝግህስ ምልካዊ ስርዓት ዘለዋ ሃገርያ።
  3. ኤርትራውያን ኣብ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት (UDHR) ተዘርዚሩ ዘሎ ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ዘለዎ ዓንቀጻት ዝጻረር፡ ኢደወነናዊ ማእሰርቲ፡ ሰብ ብዝኸዶ ምጥፋእ፡ ቅጥቀጣ፣ ብዘይ ክስን ፍርድን ዝግበር ቅትለታት ዝሕሉ ክትትል ኣዝዩ ዝቦኾረላ ሃገርያ።
  4. ኤርትራ ናጻ ፍርዳዊ መስርሕ፡ ናይ ሕጊ ግቡእ መስርሕ፡ ከምኡ’ውን ንውልቃዊ መሰላት ካብ መንግስታዊ ወጽዓ ዝሕሉ ኣገባባት ስለዘይብላ፡ ሲቪላዊ ናጽነት ብሕጊ ኣይውሕስን ወይ ኣይሕሎን።
  5. ኤርትራ ብዘይ ቅዋማዊ ስርዓት እትመሓደር፣ ነቲ ብ1997 ዝጸደቐ ቅዋም ከተተግብር ብዘይምትግባራ፡ ከኣ ኣቃውማ ምሕደራኣ ካብ ዲሞክራስያዊ ሕጋውነትን፡ ልዕልና ሕጊን፡ ናይትካላዊ ቁጽጻርን ሚዛንን ዝጎደሎ ኾይኑሎ።
  6. ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ፍርሕን ዓፈናን ዝነብር፣ ጃምላዊ ምክትታል፣ ገደብ ኣልቦ ማእሰርቲ፣ ግዱድ ስወራ ከም መሳርሒ ደሃይ ተቓውሞ ንምድፋንን ​​ንህዝቢ ንምቁጽጻርን ይጥቀመሉ።
  7. ኤርትራ በቲ ምርግጋእ ኣናዊጹ፣ ናይ ውግእን ጸጥታ-ኣልቦነት ሃዋህው ዝፈጠረ፣ ቀጻሊ ውጥረት መሬታዊ ክርክር ኣብ ዘይውዳእ ኩነት ናይ ግርጭትን ዕስክርናን ትነብር።
  8. ኤርትራ ንዘይተወሰነን ግዴታውን ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ብምትግባር፡ ንወለዶታት መንእሰያት ካብ ትምህርታዊ፡ ቁጠባዊ፡ ውልቃዊ ናጽነት ሓሪማ፡ ብመንግስቲ ዝግደድ ግህሰት ጉልበትን ሰብኣዊ መሰላትን እተብጽህ ሃገርያ።።
  9. ኣብ ኤርትራ ጭቆናን ግዱድ ዕስክርናን፣ ጃምላዊ ስደትን፣ ልምዳዊ ምትእስስራት እናተዘርገ፣ መርዓን ደርዓን እናተረፈ፣ ኮማዊ ውህደት ኣብ ዝጠፍኣሉ ዘሎ እዋን ማሕበራውን ስድራቤታውን ቅርጻታት እናተባላሽወ ይኸይድ ኣሎ።
  10. መንግስታዊ ፖሊሲታት ቁጠባዊ ደውታ፣ ግዱድ ስደት፣ ምውዳቕ ዲሞግራፊ፣ ከምኡ’ውን ትካላዊ ውድቀት ዘዕብዩ-ሃገራዊ ቀጻልነትን ህላወን ዘዳኽም ብምዃኑ፣ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ኢሉ ካብ ዕብየትን ምዕባለን ተዓጊቱ ይርከብ።

መጠለሊ፥

  1. ኤርትራ ዘይጽግዕተኛን/Independent ልዑላዊነትን ሃገር እያ።
  2. ኤርትራ ነጻነታት/Freedoms ናይ ምዝራብን፣ ምጽሓፍን፣ ምእካብን፣ ምውዳብን፡ ምንቅስቓስን፡ እምነትን፣ ዘይብላ ሃገር እያ።
  3. ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ዘይክበረላ ሃገር እያ
  4. ኤርትራ ሲቪላዊ ሓርነታት ብሕጊ ዘይሕለወላ ሃገር እያ
  5. ኤርትራ ቅዋማዊ ስርዓትን ዲሞክራስን ፍትሕን ዘይብላ ሃገርያ
  6. ኤርትራ ህዝባ ኣብ ፍርሕን ራዕድን፣ ሓድሕድ ምንቛትን ቤትማእሰርትን ትነብር ሃገራያ
  7. ኤርትራ ኣብ ውግእን ወረ ውግእን እትነብር ሰላምን ቅሳነትን ዘይብላ ሃገርያ
  8. ኤርትራ መንእስያታ ኣብ ግዱድ ደረትኣልቦ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝነብሩላ ሃገርያ
  9. ኤርትራን ሰላምን ፍቕርን ስኒትን መርዓን ደርዓን መንእሰያታ ዘይብላ ሃገራያ
  10. ኤርትራ ህዝባ ክውሕድን፣ ክጥፍሽን፣ ክክላበትን፡ ክስደድን፡ ክጸንትን ደውላኣ ክወድቅን ብመደብ ዝተፈርደት ሃገርያ

* ኤርትራ ዘይጽግዕተኛን ልኡላዊትን ሃገር እያ፣ እትብል ናይ ጉግል ብእንግሊዝኛን ዓረብኛን ክትጎም ከሎ ልክዕ ከምዚ ይብል Eritrea is an independent and sovereign state, إريتريا دولة مستقلة وذات سيادة،

Dependent“ ንዝብል ናይ እንግሊዝኛ ቃል “ጽግዕተኛ” ኢልና እንተወሲድና፣ “ዘይጽግዕተኛ” ከኣ ንIndependent” ዝብል ናይ እንግሊዝኛ ቃል ዝቐረበ ኾይኑ ረኺብናዮ። ካብኡ ዝሓሸ ናይ ትግርኛ ወይ ግእዝ እንተልይኩም ከኣ ክንቅበል ድሉዋት ኢና። ናጻነት ዝብል ግን ዝያዳ ን“Freedom” ዝብል ኣዝዩ ስለ ዘገልግል ምድንጋራት ይፈጥር ኣሎ

  • Related Posts

    ኢትዮጵያ ካርታ ኤርትራ ምቕያራን ንዳንካልያን ምጽንባራን ክህሉዎ ዝኽእል ዕላማታት

    ርእሰ-ዓንቀጽ እንፈት መስከረም 12, 2025 መእተዊ ኣብዚ ቀረባ እዋን ደቡባዊ ጫፍ ኤርትራ ዝኾነ ዞባ ዳንካልያ፣ ካብ መሬት ኤርትራ ተቖሪጹ ምስ ኢትዮጵያ ከም ዝተኣሳሰር ዝገልጽ ስልታት ተዘጊሑሎ። በዚ ጠንቃም ካርታታት እዚ…

    توضيح مهمة واستقلالية شبكة أنفيت الإعلامية

    تأسست شبكة أنفيت الإعلامية لتكون منصة مستقلة وغير حزبية تخدم جميع الإريتريين في كل مكان — فضاء يمكن فيه للأصوات المتنوعة أن تُسمع وتُحترم وتتواصل دون حواجز أو وصاية سياسية.…

    Leave a Reply

    Your email address will not be published. Required fields are marked *