ምሕዝነታዊ መግለጺ ኣንፈት ኣብ መንግስትነት ሃገረ ፍልስጤም

ርእሰ ዓንቀጽ ኣንፈት

ዕለት፡ መስከረም 23, 2025

 

ኣንፈት ኣብ ፍትሓዊ ቃልሲ ንመንግስትነትን፣ ክብርን፣ ርእሰ ውሳነን ህዝቢ ፍልስጤም ዘለዎ ዘይንቕነቕ ምሕዝነቱ ይገልጽ። ከም ኤርትራውያን ታሪኽና ምስ ውጹዓት ብጽንዓት ደው ክንብል ይግደደና እዩ። ኤርትራ ብ1941 ብሓይልታት ኪዳን ካብ መግዛእቲ ጥልያን ሓራ ወጺኣ ንዓሰርተ ዓመት ከኣ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር እንግሊዝ ጸኒሓ’ያ። ኣብ 1940ታት ምስ ኣፍልጦ ሃገረ እስራኤል፡ ክልቲኦም ህዝብታት ባህጊ ናጽነትን ሓርነት ስለ ዝነበሮም ከኣ’ዩ ቃልስታት ህዝቢ ኤርትራን ፍልስጤምን ክተኣሳሰር ክኢሉ።

ኣብ 1960ታት ኤርትራውያን ንናጽነት ዕጥቃዊ ቃልሶም ኣብ ዘካይዱሉ ዝነበሩ እዋን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፈደራላዊ ስርዓት ኣልዩ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ምስ ሓወሳ፣ እስራኤል ምስ ናይ ሃጸይ ሃይለስላሴ ኢትዮጵያ ወጊና፡ ወተሃደራዊ ኣማኸርቲ ንሃገርና ብምልኣኽ ኤርትራውያን ወተሃደራት ደቂ ሃገር ኣሰልጢና ኣንጻር ክልቲኡ ግንባራት፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ሰፍ ዘይብል ክሳራታት ኣስዒቦም እዮም። ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት ግን ኤርትራዊ ሃገራውነት ገንፊሉ ተዓዊቱ ስለ ዝነበረ፡ ብዙሓት ካብዞም ሓይልታት ናብ ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ተጸንበሩ። ከም ግብረ መልሲ ናይዚ ከኣ ሃጸይ ሃይለስላሴ ነዞም ወተሃደራት እዚኣቶም ካብ ናብ ጎንደርን፣ ወልቃይትን፣ ኦጋዴንን፣ ሃረርንን ካልኦት ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓሳት ዓብሊሎመን ዝነበሩ ቦታታት ኢትዮጵያ ንምዕፋን ናብ ውሽጢ ጠቅላይ ግዝኣታት ኢትዮጵያ ዳግማይ ኣዋፊሩ ኣብ ዕስክርና ኣሰለፎም።

እዚ ሓባራዊ ናይ ቃልሲ ታሪኽ እናሃለወና ከሎ ግን፡ እዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ስለምንታይ ካብ ጉዳይ ፍልስጤም ከም ዝረሓቐ ዝኾነ ይኹን ምኽንያት የቕርብ የለን። ውድብ ሓርነት ፍልስጤም (PLO) ንሓርነታዊ ምንቅስቓሳት ኤርትራ ዝገበሮ ምድግጋፍ ልሉይ እናነበረ ከሎ፣ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓት ግን ኣብ ደገፍ መንግስትነት ፍልስጤም ጥልመት መሪጹ’ሎ። ኣብ መበል 80 ዓመት ሓፈሻዊ ኣኼባ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኤርትራን ካሜሩንን ጥራይ ንበይነን ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ኣብ ምሃብ ኣብያ/እምቢታ ኣርእየን ኣለዋ። እዚ ድማ ሰውራዊ መትከላት ዝጠሓሰ ጥልመትን፣ ነቲ ኤርትራውያን ዝተቓለሱሉ ክብርታት ምኽሓድን እዩ። ኣንፈት ነዚ መርገጺ ብትሪ ትነጽጎ። በዚ መልእኽት‘ዚ ኣቢልና ከኣ ዝበዝሕ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ፡ ንመሰል መንግስትነት ፍልስጤም ኣፍልጦ ከም ዝህቦን ከም ዝድግፎን ነረጋግጽ። ምትሕግጋዝና ኣብ ናይ ሓባር ታሪኽ፡ ኣብ ዓለማዊ ቃልሲ ኣንጻር ወጽዓ፡ ከምኡ’ውን ምስቶም ናጽነት ዝተነፍጎም ህዝቢ ደው ኣብ ክንብል ኣብ ሞራላዊ ግዴታ ዕላማና ዝተመስረተ እዩ።

ማሕበረሰብ ዓለም ከኣ ኣህጉራዊ ሕጊ ንምትግባርን፣ ነቲ ጎበጣ ንምውጋድን፣ ንህዝቢ ፍልስጤም ዝግብኦ ፍትሕን ልኡላውነትን ንምርግጋጽን ዝገብሮ ጻዕርታት ከሐይል ኣጥቢቕና ንጽውዕ።

 

ምስ ፍልስጤም፡-ምስ ውጹዓት ኩሎም ደው ንብል!

 

  • Related Posts

    رسالة عامٍ جديد تتحدث بصوتٍ عالٍ — لكنها تترك أصعب الأسئلة بلا جواب

      افتتاحية ANFET — 2 يناير 2026 وصلت رسالة السفير أندبرهان ولدجورجيس للعام الجديد 2026 بنبرة وثقة رجل دولة مخضرم. كانت رسالة بليغة، وطنية، وغنية بالمفردات المألوفة للتجديد الديمقراطي —…

    ብዓውታ ዝተፈነወ— ነቲ ዝኸበደ ሕቶ ግን ከይመለሰ ዝሰገረ መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት 2026

    ብዓውታ ዝተፈነወ— ነቲ ዝኸበደ ሕቶ ግን ከይመለሰ ዝሰገረ መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት 2026 ርእሰ ዓንቀጽ ኣንፈት – 2 ጥሪ 2026 መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት 2026 ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ብናይ ሓደ ምኩር መንግስታዊ…

    Leave a Reply

    Your email address will not be published. Required fields are marked *