ኣንፈት 26 ለካቲት 2026
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብዙሕ ግዜ ፖለቲካዊ ምሕዝነት ኣብ እዋን ቅልውላው ይፍጠር እሞ፣ ኣብ ምትእምማን ዝጠፍኣሉ ኣዋን ከኣ እቶም ስምምዓት ይፈርሱ። እዚ ከኣ ከም ኣብነት ኣብ መንጎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን (ህወሓትን)፡ ህዝባዊ ግንባር ኤርትራ ንዲሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍን)፡ ምንቅስቓስ ፋኖ ኣምሓራን፡ ሓይልታት ሓርነት ኦሮሞ ዝረአ ዘሎ ሓድሽ ምቅርራብ ከም ፍሉይ ምዕባለ ጐሊሑ ይረአ ኣሎ። እዞም ነዊሕ ታሪኽ ጎንጽን፣ ስነ–ሓሳባዊ ቅርሕንታትን፣ ሓድሕዳዊ ቅሬታን ዘለዎም ውድባት ሎሚ ኣዝዮም ምቅርራቦም ከኣ መርኣያ ፖለቲካዊ ሓድነት ዘይኮነስ፡ ነቲ ንኢትዮጵያን ንመላእ ዞባን ዝሓቖፈ ዓሚቝ ዕግርግር ዘንጸባርቕ መልሲዩ እዩ ክበሃል ይከኣል።
ነዞም ዝተፈላለዩ ውድባት ዝጥርንፍ ዕላማ ከኣ ናይ ሓባር ራእይ ዘይኮነስ፣ ፖለቲካዊ ኣሰራርሓ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ነቲ ዞባ ናብ ሓደገኛ ጸድፊ ገጹ ዝደፍእ ተግባር ዘስዓቦ ኣድህቦ/ኣፍልጦን ብምሃብ ዝፈጠሮ ናይ ሓባር ስክፍታ እዩ። እዚ ኣሰላልፋ እዚ፡ ምጡን ኪዳን ስጉምትን ምልክት ናይቲ ዝያዳ ዝዓሞቐ ዘሎ ቅልውላውን እዩ። እዚ ናይ ፖለቲካዊ ድኻምን፣ ዞባዊ ጭንቀትን፣ ህዝብታት ናይቲ ዞባ ድማ መሰሎም ንመላኺ ጭቆናታት ኢዶም ክህቡ ናይ ዘይምድላይን ዘስዓቦም ምልክታት እዮም።
ካብ ግጉይ ግምገማ ዝተወልደ ምቅርራብ፦
ኣብ ሓደ እዋን መሪሕ ተሓድሶን ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላምን ተባሂሉ ዝንኣድ ዝነበረ ኣብይ ኣሕመድ፡ ካብ 2018 ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር ግን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ተነጺሉ ይርከብ። መንግስቱ ብወተሃደራዊ መንገዲ ተኸቢቡ፡ ብኣውራጃውንት ጸቢቡ፡ ብስትራተጂካዊ መዳይ ከኣ ተቓሊዑ እዩ። እዚ ተነጽሎ እዚ ውጽኢት ናይ ዝተዋደደ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ዘይኮነስ ውጽኢት ናይ፤
• ኩናት ትግራይ ዘስዓቦ ዕንወትን፣
• ኣብ መንጎ ዓበይቲ ብሄራት ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ዘይምትእምማንን፣
• ኣብ ደውታ ኣትዩ ዘሎ ትግባረ ስምምዕ ፕሪቶርያን፡
• ሚዛን ሓይሊ ዳግማይ ቀሪጹ፣ ኣብቲ ዞባ ዘይምርግጋእ ፈጢሩ ዘሎ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ምትእትታው ኢድ ሕቡራት ዒማራት ዓረብን እዩ።
እዞም ረቛሒታት እዚኣቶም ንኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ ዘረጋግኡ ውሽጣዊ ምፍልላይ ኣዕሚቖም ትካላዊ መሰረታት ዘይብሎም ህርፋናት ኣዕብዮም ይርከቡ። ውጽኢቱ ድማ ዝኾነ ሰብ ዘይተጸበዮ–ወይ ክኸውን እዩ ኢሉ ዘይሓሰቦ ምሕዝነታት ፈጢሩ ኣሎ።
ናይ ኤርትር ምዱብ መኸተ፦
ኣብዚ እዋን’ዚ ተራ ኤርትራ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ’ዩ። ንልዑላውነቱ ብጽንዓቱን ተወፋይነቱን ዝፍለጥ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምዕባለታት ዞብኡ ብሓውሲ ጥንቃቐን ጭንቀትን ይዕዘብ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ ምስቶም ንኣብይ ኣሕመድ ዝቃወሙ ሓይልታት ግዝያዊ ምቅርራብ ምግባሩ፡ ኣብ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) እምነት ምሕዳስ ዘመላኽት ኣይኮነን። ኤርትራውያን ነዚ ጉዳይዚ ተዓጢቖምሉ ዘለዉ፡-
• ሕገ መንግስታዊ ምሕደራ ዘይምህላው፣
• ስልጣን ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀ ሰብ ተገቢቱ ምህላዉ፣ .
• ትካላዊ ምቁጽጻርን ሚዛንን ዘይምህላው፣ .
• ብዘጠራጥር ዘይብሩህ ዞባዊ ምትሕንፋጽ ሃገራዊ ክብሮም ጎዲሉ ምህላዉ
ኣጸቢቖም ኣረጋጊጾም እናፈለጡ እዮም።
መርገጺ ወይ ውሳኔ ኤርትራውያን ብስግኣታት ህላዌ ሃገሮም: ብናይ ዶብ ስግኣት: ናይ ኢትዮጵያ ባሕራዊ ጠለባት: ከምኡ’ውን ነቲ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለሉ ልኡላውነት ከይስእኖ ብዝፈጠረሉ ፍርሒ እዩ ዝምራሕ። እዚ ሕጂ ዘሎ ህሞት ምስ ሓለፈ ግን እቲ ጠለብ ሱር በተኻዊ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምክያድ ብዝዓበየ ሓይሊ ክምለስ እዩ። እዚ ናይ ዕረፍቲ ህሞት እዩ– ናይ ይቕረ ይኹንኩም ህሞት ግን ብፍጹም ኣይኮነን።
ዝተበታተነ ኢትዮጵያዊ ተቓውሞ
ኣብዚ ኣሰላልፋ ዝተሳተፉ ውድባት ኢትዮጵያ ንባዕሎም ውሽጣዊ ምፍንጫላት የጋጥሞም ኣሎ፤
• ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብኲናትን ውሽጣዊ ምፍልላይን ተዳኺሙ ኣሎ።
• ምንቅስቓስ ፋኖ ብስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተገደበ፣ ኣብ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ብሄራዊ ወጥሪ ጥሒሉ ይርከብ።
• ሓይልታት ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ሞንጎ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ክንፊ ተኸፋፊሉ፣ ስሙር ሃገራዊ ኣጀንዳ ናይ ምሕንጻጽ ዓቕሙ ድሩት እዩ።
እዚ ኣብ ስነ–ሓሳባዊ ስኒት ዝተመስረተ ምሕዝነት ዘይኮነስ፡ ነፍሲ ወከፍ ውድብ ውልቃዊ ኣማራጺታቱ ኣድኪሙ፡ ናይ ዝተገደዱ ጥምረት እዩ ፈጢሩ ዘሎ።
ምፍራስ ሱዳን ከም ዞባዊ መጠንቀቕታ
ናይ ሱዳን ናብ ከምዚ ዓይነት ሕንፍሽፍሽ ምውራዳ ኣስጋኢ መጠንቀቕታ’ዩ። ምዕናው ካርቱም ወተሃደራዊ ስትራተጂ ዘይኮነስ፣ መስርሕ ምፍራስ መንግስቲ እዩ ነይሩ። ዝኾነ ሕጋዊ ወተሃደራዊ ውጥን ብርእሰ ከተማ ምዕናው ክጅምር ተሰሚዑውን ኣይፈልጥን። በላዕቲ ኣራዊት ጥራይ እዮም ብኸብዲ በትቢቶም ዝጅምሩ።
ሱዳናውያን ነዚ ስለ ዝተረድኡ፡ ብድሕሪ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ኣንጻር መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሄመድቲ) ደው ኢሎም ኣለዉ። እዚ ግን ንመንግስቲ ዓብደላ ሓምዶክ ንምውዳቕ ሓዊሱ ንመዝገብ ክልቲኦም ሰባት ምድጋፍ ዘይኮነስ፡ ንመንግስቲ ንምዕቃብ ዝተገብረ ዓቕለጽበታዊ ፈተነ’ዩ። ትራጀዲ ሱዳን እቲ ዞባ ሸለል ክብሎ ዘይክእል ሓቂ እዩ ዘቃልዕ፤ ትካላት ክፈርሳ ከለዋ፡ መንግስታት ክንብርከኻ ጥራይ ዘይኮነስ ናብ ዲግ ዝበለ ዓዘቕቲ ጥፍእት እየን ዝወድቃ።
ኣክሲስ ቀይሕ ባሕርን ክብደት ጂኦግራፊን።
ብዓይኒ ቀይሕ ባሕሪ፣ ግብጽን ስዑዲ ዓረብን ምስተን ኣብ ሱዳን ዘለዋ ሕጋዊ ትካላት ምትእስሳረን ናይ ስነ–ሓሳባዊ ረብሓ ዘይኮነስ ስትራተጂካዊ እዩ። ቀይሕ ባሕሪ ናይ ኩሎም ከባቢ ሃገራት ሓባራዊ መስኖ ንግድን ጸጥታን እዩ። ዝኾነ ዘይምርግጋእ፣ ብፍላይከኣ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ባሕራዊ ክሲ ወይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝገብሮ ደፋር ሃቀን– ንመላእ ዞባ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ። ዞባዊ ዳግመ–ኣሰላልፋ ኣብ ዝለዓዓለሉ ግዜ ግን ነዞም ዝስዕቡ ዓለምለኻዊ ስምምዓት ከኣ ኣብ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ይግባኣ፤
• ስምምዕ ፕሪቶርያ፡
• ስምምዕ ኣልጀርስ
• ከምኡ’ውን ስምምዓት ተፋሰስ ፈለግ ኒል። እዞም ሰነዳት ኣዚእቶም ንምርጫ ጥራይ ዝቐርቡ ዘይኮኑስ፡ ንዞባዊ ምርግጋእ ዝሕግዙ ሕጋዊ ቅርጺ እዮም።
መራሕቲ ብጌጋ ክትርጉሙዎ ዘይግባእ ህሞት።
ሎሚ እቲ ዝዓበየ ሓደጋ፡ መራሕቲ ኣብ ኣስመራ፡ መቐለ፡ ባህርዳር፡ ከምኡ’ውን ኣብ ፖለቲካዊ ዓውዲ ኦሮሞ፣ እዛ ህሞት እዚኣ ዝተሓደሰ ሕጋውነት ከም ዝህቦም ጌሮም ቖጽርዎ የብሎምን። እንታይ ደኣ
እዛ ህሞት እዚኣ ናይ ህዝቢ እያ፤
• ኤርትራውያን ልኡላውነቶም ዝከላኸሉላ፣
• ተጋሩ ካብ ጽንተት ዝወጹላ፣
• ኣምሓራ ካብ ምግላል ዝድሕኑላ፣
• ኦሮሞ ፍትሒ ዝሓቱላ፣
• ከምኡ’ውን ሱዳናውያን ንህላወ መንግስቲ/ደውላ ክህልዎም ዝቃለሱላ ዘለዎ ህሞት ምዃና
ኩሎም መራሕቲ ክስቆሮም ኣለዎ። እዞም ህዝብታት እዚኦም ከእ እዮም መሰሎም ንምዕቃብ ብእምቢታ ዝቃለሱ ዘለዉ። እዞም ህዝብታት ናዚኣቶም’ዮም፣ ነቲ ምልካዊ ስልጣን ዝተቓወሙ። እዚኦም እዮም ከኣ ተኽእሎ ናይ መጻኢ ዲሞክራሲ ዓቂቦም ዘለዉ፣ እምበር እቶም ብውሳኔ ጸሚዶም ዘለዉ ኣይኮኑን።
እዚ ናይ ሕጂ ግጥምያ ምስተወድአ ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ስርዓት–ኤርትራዊ፡ ኢትዮጵያዊ፡ ትግራዋይ፡ ኣምሓራ፡ ኦሮሞ– ሓንቲ ሕቶ ክገጥማ ኢዩ፤ ንሱ ድማ፡- ዲሞክራስያዊ ጠለባት ህዝብኻ ንምምላእ ድሉው ዲኻ? ዝብልዩ። ንኸምዚ ዝበለ ህሞት ዘባኽኑ መራሕቲ ከኣ ታሪኽ ይቕረ ክብሎም ኣይኮነን።





