ርእሰ-ዓንቀጽ ሕዳር 6, 2025
_____________________________________________________________
1. ኢትዮጵያ ዝቕየር መዐቀኒ ልኡላውነት
ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ኢትዮጵያዊ ዩቱበር ኣንዳፍታ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ወሃቢ ርእይቶ ፖለቲካ ዶክተር ዳኛቸው ኣሰፋ፡ ሕጋውነት ናይቲ ኣብ 1993 ዝተኻየደ ረፈረንደም ኤርትራን፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ስልጣን ኣህጉራዊ ሕጊ፡ እንተላይ ናይ ሕቡራት ሃገራትን፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ነጺግዎ። እንተኾነ ኣብ ተመሳሳሊ ቃለ መሕትት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንልኡላውነት ኤርትራ ሓሊፉ ብቐጥታ ምስ ዜጋታት ዓፋር ዳንካልያ ክዘራረብ ከምዘለዎ ኣተባቢዑን ኣድኒቑን።
እዚ ተጋራጫውነት’ዚ ሓደገኛ ስነ-መጐት’ዩ ዘቃልዕ፡ ኢትዮጵያ ናጽነት ኤርትራ ክትክሕድ’ከላ ሕጋዊ ቅርጻታት ትነጽግ፡ ንዕላማታት ምስፍሕፋሕ ከገልግል እንከሎ ግን ብሄራዊ ዘተ ትጽውዕ።
2. ታሪኻዊ መቓልሕን ስትራተጂካዊ ምዝመዛን።
እዚ ሃጸያዊ ስነ-መጐት ሓድሽ ኣይኮነን። ኣብ መጀመርያ ሰብዓታት ኣብ መንጎ ራእሲ ኣስራት ካሳን ናይ ሽዑ ገዛኢ ኤርትራን፣ ራእሲ መንገሻ ስዩም ናይ ትግራይን ብዛዕባ ዞባ ባድመ ዝተፈጠረ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ተጋዲዱ ነበረ። እቲ ጉዳይ ተኻሲሶም ጉዳዮም ናብ ሃፀይ ሃይለስላሴ ምስ በጽሐ ብይኖም፤ “መሬት ትግራር ይኹን መሬት ኤርትራ ናይ ኢትዮጵያ እዩ።” ክብሉዮም ፈሪዶም። እዚ ስነ-መጐት እዚ ሎሚ እውን ነቲ ክትዕ ዓብሊልዎ ኣሎ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተበራበረ ኣጀንዳ ወልቃይት ብዛዕባ ታሪኻዊ ፍትሒ ዘይኮነስ፡ ልክዕ ከምቲ ትረኻ ዓፋር ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ቀይሕ ባሕሪ ንምፍታሽ ዝጥቀመሉ፡ ንትግራይ ናብ ሱዳን ንምእታው መላግቦ ዝኽልክል ስትራተጂካዊ ምትላል’ዩ።
ጌታቸው ረዳ ኣብ ዘተ ወልቃይት ምእታዉ ዝግበር ፈተነ ከኣ ናብ ዕርቂ ዘምርሕ ስጉምቲ ዘይኮነስ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ውሽጣዊ ፍልልያት ብግልጺ ንምግዳድ እዩ። ዕላምኡ ድማ ጌታቸው ከም ከዳዕ ሓድነት ተጋሩ ጌሩ ምቕራብ፣ ተኣማንነቱ ንምድኻም፣ ኣብ መጻኢ ንዝኾነ ይኹን መደባት ርእሰ-ምሕደራ ይኹን ዞባዊ ዲፕሎማሲ ስሙ ንምርኻስ እዩ። እዚ ሜላታት’ዚ ነቲ ኢትዮጵያ ዘለዋ ሰፊሕ ስትራተጂ ዘንጸባርቕ ኮይኑ፡ ውሽጣዊ ምንቅስቓሳት ምብትታን፡ መሪሕነቶም ሕጋውነት ዘይብሉ ምግባር፡ ዞባዊ ግርጭታት ከም ሄራዊ ድርድር ጌርካ ዳግማይ ንምቕራጽ እዩ።
3. ሕቶ ዓፋርን ልኡላውነት ኤርትራን።
ዳንካልያ ኣካል ናይ’ቲ ብዓለም ደረጃ ተፈላጥነት ዘለዎ ዶባት ኤርትራ’ያ። ነበርታ ዓፋር ደቀባት ስለዝኾኑ፡ መሰላቶም ኣብ ውሽጢ ልኡላውነት ኤርትራ ክኽበር ኣለዎ። ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዳንካልያ ኣብ ብሄራዊ ጂኦግራፊ ዝተመርኮሰ ዘተ ዝከኣል’ዩ ዝብል ኣበሃህላ ብሕጊ ዘይቅኑዕን መግዛእታዊ ስነ-መጐት ዝደግምን እዩ።
ይኹን እምበር ኣረኣእያ ዓፋር ዝዓሞቐ ሓቂ እዩ ዝገልጽ፡ ልኡላውነት ንኹሉ ዝሓቁፍ ክኸውን ኣለዎ። ኤርትራዊ ዲሞክራሲ ኣብ ክብሪ ዓፋር፡ ትግርኛ፡ ትግረ፡ ሳሆን፡ ካልኦትን ክህነጽ ኣለዎ እምበር ብ ግዳማዊ ኢድ ምትእትታው ክኸውን የብሉን።
4. ኦጋደንን ደረጃታት ኣድልዎን
ኣብይ ኣሕመድ ደረጃ ዳንካልያ ምስ ዓፋር ዘተ ከምዘድሊ እንተኣሚኑ፡ ሶማላውያን እውን ንነዊሕ እዋን ርእሰ-ምሕደራ ዝጠልቡላ ኦጋዴን ንምንታይ’ዩ ተመሳሳሊ ስነ-መጐት ዘይትግብር? ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ዶባታ እናጨቈነት ንኤርትራ ርግኣታ ንምዝራግ ኢላ ግን መትከል ብሄራዊ ርእሰ-ውሳነ ክትጽውዕ ኣይትኽእልን እያ።
5. ፍሹል ቅድመ ኩነት ስምምዕ ወደብ ሶማሊላንድ፡
ኣብ ጥሪ 2024 ኣብይ ምስ ሶማሊላንድ ንባሕሪ ንምብጻሕ ስምምዕ ፈሪሙ። እቲ ስምምዕ ግን ፈሪሱ፤
– ሶማልያ ነቲ ስምምዕ ምግሃስ ልኡላውነተይ እዩ ብምባል ነጺጋቶ።
– ሽምግልና ቱርኪየ’ውን ፈሺሉ።
– ኢትዮጵያ ብዘይ ኣፍልጦ ይኹን ጭቡጥ ተበፃሕነት ንድሕሪት ተመሊሳ።
እዚ ውድቀት’ዚ፡ ዞባዊ ምልውዋጥ ኣብይ ሕጋውን ዲፕሎማስያውን መሰረት ከምዘይብሉ ዘርኢ’ዩ። ናብ ሶማሊላንድ ምእታው ከውሕስ እንተዘይክኢሉ ከመይ ኢሉ፣ ውግእን፣ ኣህጉራዊ ውግዘትን ከም ዘስዕበሉ ይስሕቶ?
6. ዋንነት መሬትን ዶክትሪን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን።
ኤርትራ ናጽነት ካብ እትረክብ ኣትሒዙ፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ንዅሉ መሬት ንብረት መንግስቲ ምዃኑ ብምእዋጅ፡ ነቲ ባህላዊ መሰል ዋንነት መሬት ብውጽኢታዊ መገዲ ኣጥፊኡዎ’ሎ- ኣብ ሓማሴን፡ ሰራየ፡ ሳሕል’ውን ከይተረፈ። እዚ ፖሊሲ እዚ ምልካዊ እኳ እንተኾነ፡ ግዝኣታዊ ምሉእነት ብብሄራዊ ወይ ዞባዊ መሰረት ዘተ ከምዘይከኣል’ዩ የጉልሕ። ኣብይ ዳንካልያ ካብ ቀንዲ ኣውራጃታት ኤርትራ ክትፍለ ዝብል እማመ ነዚ ክውንነት’ዚ ሸለል ብምባል ናይ ወጻኢ ምትእትታው ሕጋውነት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ’ዩ።
7. ናፍቖት ምትሕግጋዝ ኣይኮነን።
ኢትዮጵያውያን ናፍቖት ዓሰብ፡ ባጽዕን፡ መደበር ቃኘውን ካብ ድሌት ፍትሒ ንህዝቢ ዓፈር ዘይኮነስ፡ ካብ ህርፋን ሃጸያዊ ሓለፋ ዝምንጩ እዩ። እቲ ሓዘን ብድኽነት ዓፋር ዘይኮነስ፡ ጽልዋ ምጥፋእ እዩ።
8. ሓቢርካ ምቅላስ መላግቦ ምድላይ እምበር ምብትታን ኣይኮነን።
ኩሎም ብሂውራት ኤርትራ፡ ዓፈር ትግርኛ፡ ሳሆ- ብሓባር ተቓሊሶም። ተጋደልቲ ኣብ ዳንካልያ ወዲቖም ዝቖሰሉ ዝደኸሙን ከኣ ባሕሪ ተሳጊሮም ናብ ግዝኣት የመን ኣትዮም ምስ ጎበጣ ተፋጢጦም። ምብትታን መልሲ ኣይኮነን። ረብሓኦም ምስ ሓርነት ዓፋር ተሰሊፉ ዘይፈልጥ ርሑቕ ውድባት ዝግበር ምሕዝነት ንዝያዳ ምግላል የቃልዕ።
9. ተቓውሞ ኤርትራ ዘድልዮ ቦታ እምበር ኣፍልጦ ኣይኮነን።
ተቓውሞ ኤርትራ ስርሒታዊ ቦታ እምበር ወግዓዊ ኣፍልጦ ኣየድልዮን’ዩ። ሱዳን ዓይና ዓፊና ኣብ መሬታ ክንቃለስ ፈቒዳትና’ምበር ብፌርማ ኣይኮነትን – እዚ ናይ ስቕታ ግበረመልሲ ድማ እቲ ተቓውሞ ክዓቢ ኣኽኢልዎ። ኢትዮጵያ እውን ንቓውሞና ከምኡ ክትገብር ኣለዋ።
10. ውሽጣዊ መሰል-ውሳነ መሰል እዩ።
ዓፋር ብመሬቶምን ሃብቶምን ክነብሩ ክፍቀደሎም ኣለዎ። ውሽጣዊ ርእሰ ውሳነ ስግኣት ዝፈጥር ኣይኮነን- መሰረት ልኡላውነት ኤርትራ እዩ። ኩሎም ሕብረተሰብ ብጭቆና ስርዓት ህግደፍ ተሳቒዮም እኳ እንተኾኑ፡ ተመኩሮ ዓፋር ዝኸፍኤ ምዃኑ ግን ኣፍልጦ ክወሃቦን ክልለን ኣለዎ።
11. መርገጺ ኣንፈት፡ ልኡላውነት ብመገዲ ምትእትታው
– ልኡላውነት ኤርትራ ካብ ኩሉ ዓይነት ዳግመ-መግዛእቲ ክከላኸል ኣለዎ።
– ውሽጣዊ ብዙሕነት ብዲሞክራስያዊ መሓውራት ክኽበር ኣለዎ።
– ዞባዊ ሰላም መትከላዊ ዲፕሎማሲ ዝሓትት ኣምበር ተበላጺ ጥቕሚ ዘናዲ ኣይኮነን።
መደምደምታ
ኣብይ ምስ ህዝቢ ዓፈር/ደንካልያ ክዛረብ መሰል ኣለዎ ዝብል ስነ-ሞጎት ብባህሪኡ ጌጋ ኣይኮነን-ግን ዳግማይ ክቕረጽ ኣለዎ። ንኹሉ ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሕጋዊ፣ ንኹሉ ዝሓቁፍን ልኡላዊን ማዕቀፋት ክዛረብ ኣለዎ። ግዝኣታዊ ሓድነት ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ስለ ስለዘይኮነ፡ ብሕጊ፡ ብፖለቲካን ብሞራልን ልክዕ ከምቲ ውዕል ወደብ ሶማሊላንድ ዝገበሮ ንምክፍፋል ዝግበር ዝኾነ ይኹን ፈተነ ሕጂውን ፍሹዩ።-____________________________________________________________ ምንጭታት
• ኣልጀዚራ – ስምምዕ ወደብ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን።
• እቲ ሪፖርተር – ተዋስኦ መዘክረ-ተረድኦ ተዛዚሙ
• ካኣሲማዳ – ዘተ ኢትዮጵያን ሶማልያን ንምንታይ ፈሪሱ
• ዓንዳፍታ ቃለ መሕትት ምስ ዶክተር ዳግናቸው ኣሰፋ






