ኣንፈት ንመንግስቲ ኤርትራ ንኣዋጅ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣፍልጦን ምላሽን ክህብ ብድሆታት የቕርብ

ኣንፈት ንመንግስቲ ኤርትራ ንኣዋጅ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብወግዒ ኣፍልጦ ሂቡ ኣባላቱን ደገፍቱን ብምውዳብ ነቲ ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝምልከት ጥርዓን ንምፍራም ምላሽ ክህብ ብድሆ የቕርብ።እቲ ጥርዓን ናጽነትን ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ንምክልኻል ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ሊንክ https://chng.it/THNzjLX7fj ተመዝጊቡ ይርከብ።

ስለምንታይ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ጥርዓን ሸለል ክብሎ ዘይክእል

ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ንህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን (ህግዲፍ) ከም እንኮ ፖለቲካዊ ሰልፊ ምስ ኣወጀ፡-ብጸቕጥን ስልትን- ንብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ዝርከብዎም ልዕሊ 600,000 ኣባላት ክምዝግብ ክኢሉ’። እቲ ሰልፊ ን”ዲሞክራስን ፍትሕን” ደው ክምዝብል ክእውጅ ከሎ፡ ክብርታቱ፡ ብተፈጥሮኡ ምስ ምክልኻል ናጽነትን ልኡላውነትን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ክኸዱ ምተገብአ ነይሩ!

ሎሚ ግን ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ናይ ኤርትራ ናጽነትን ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ዝምክልኻል ኣዋጅ ምስ ኣውጽኡ መንግስቲ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ስቕታ መሪጹ’ሎ። እዚ ስቕታ’ዚ ከኣ ዘጨንቑ ሕቶታት ከልዕል ክኢሉ’ሎ።

• ተጋራጫዊ መትከላት፡- ህግዲፍ ናይ ብሓቂ ንዲሞክራስን ፍትሕን ደው ዝብል ኔሩ እንተዝኸውን፡ ስለምንታይ ነቲ መሰረት ናይ ሕጋውነት ኤርትራ ዝኾነ ናይ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዘተርንዕ ጥርዓን ክፍረም ዘይድግፍ?

• ፍርሒ ሓባራዊ ዋንነት፡- መንግስቲ ነቲ ጥርዓን ምድጋፍ ብምእባዩ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ከም ሓባራዊ ሃገራዊ ፕሮጀክት ዘይኮነስ፣ ከም ሓደ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ተገቢቱ ክነብር ዘሎ ጽላት ጌሩ ከም ዝርእዮ ዝሕብር ምልክታት‘ዩ።

• ጥርጣረ ተወፋይነት፡ መንግስቲ ንኣባላቱ ንናጽነት ዝጣበቕ ጥርዓን ክፍርሙ ከተባብዖም እንተዘይክኢሉ፡ ነቲ ናጽነት ብተግባር ክሕልዎ ክሳብ ክንደይ ክትተኣማመነሉ ትኽእል?

• ምህዳም ተሓታትነት፦ መንግስቲ ነቲ ጥርዓን ምፍራሙ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራን ማሕበረሰብ ዓለምን ዝተወሰነ ሓላፍነት ክወስድ ተገዲዱ ከምዝዘሎ መመስከረ ነይሩ። ኣብዚ ዕማምዚ ሸለልትነት ምርእዩ ግን፣ ኣብ ተሓታትነት ፍርሒ ከምዘለዎ’ዩ ዝሕብር።

• ዶብ ዘይምሕንጻጽ፡- ብዓቢኡ መንግስቲ ነቲ ናይ መወዳእታን ቀያድን ምሕንጻጽ ዶብ ምስ ኢትዮጵያ ቀዳምነት ክህቦ ኣይከኣለን። ህጹጽ ስጉምቲ እንተዘይወሲድሉ ከኣ እዚ ሰላሕታዊ ወራር ኢትዮጵያዊ ኣብ ባይታ ንቡር እናተወስደ ዝኸይድ ጭብጢ ክኸውን ሓደጋ ኣለዎ። እቲ ጥርዓን መትከላዊ ጉዳይ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ነቲ ብዓለም ደረጃ ተፈላጥነት ዘለዎ ዶባት ኤርትራ ንምክልኻል እውን ግብራዊ ውሕስነት እዩ።

• ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ስቕታ፡ ኣብ መበል 80 ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ፡ ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ ንምውራር እትገብሮ ዘላ ወፍሪ ንልኡላውነት ባሕሪ ኤርትራ ቀጥታዊ ስግኣት ምዃኑ ክጠቅስ ኣይከኣለን- ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንመሬታዊ ሓድነት ኤርትራ ክከላኸል ወይ ንወራር ኢትዮጵያ ክኹንን እውን ክጽውዕ ኣይከኣለን። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ድማ፡ ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ከይሃበ ነቲ ጉዳይ ረጊጊጽዎ ምሕላፉ እዩ። እዚ ድማ ምስ ዓለምለኻዊ ቃልስታት መሰል ርእሰ-ውሳነ ምሕዝነት ዝገልጽ ምሳልያዊ ተግባር ዘይምርኣዩ። እዚ ስሕታን እዚ ድማ ካልእ ዝዓሞቐ ሕቶ ዘልዕል ቦኾራ እዩ። ስለዚ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ብሓቂ ንልኡላዊ መሰላት ኤርትራ ቀዳምነት ይህቦ ድዩ፡ ወይስ ንምክልኻል ዘድሊ ዲፕሎማስያዊ መሳርሒታት ገዲፉዎ’ዩ ኣብ ዝብል ጥርጠረራታት የእቱ’ዩ።

ንሕጋውነት ዕድል ዘስእን ተረኽቦ

እቲ ጥርዓንዚ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ኣይኮነንእንታይ ደኣ ንልዑላውነት ሃገረ ኤርትራ ዘደልድል ስጉምቲ’ዩ። ህግደፍ እንተዝቕበሎ ነይሩ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ብዓለም ደረጃ ንሕጋውነት ዝገብሮ ጎስጓስ ሓያል ድርኺት ኮይኑ ክቐርብ ምኸኣለ ነይሩ። እቲ መንግስቲ ዘርእዮ ዘሎ ነግፈረግ ግን፣ እምበርዶ እዚ መንግስቲ’ዝስ ብሓቂ ልዕሊ ንናጽነት ኤርትራ ካብ ክልእ ጉዳያት ንላዕሊ ቀዳምነት ይህብ‘ዩ ዝብል ጥርጣረ ክፈጥር ይኽእል‘ዩ

ኣብ ምሕንጻጽ ዶብ ወሳኒ ስጉምቲ ዘይምውሳዱን፣ -ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ኣብ ልዕሊ ሓደገኛ ህርፋን ቀይሕ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ስቕታ- መንግስቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ተኣማኒ-ነት የጥፍእ ኣሎ። ልኡላውነት ብዘረባ ጥራይ ክሕሎ ኣይክኣልን እዩ። እንታይ ደኣ፣ ኣብ ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ዘለዎም ዶባት መልሕቕ ዘለዎ፣ ብሕጋዊ መንገዲ ክሕንጸጽን ክትግበርን ኣለዎ።

ታሪኻዊ መጠንቀቕታ

ኣብ ሓጋይ ክፍለዓመት 2000፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ቢምቢና ኣትዩ ናይቲ ኲናት ዳይናሚክስ ኣብ ዝቕየረሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ጸሓፍ ታሪኽ ኤርሊኽ ሓጋይ – ኣብ ሳንዲያጎ ስተይት ዩኒቨርሲቲ ከም በጻሒ ፕሮፌሰር ኣብ ዝሃቦ ኣስተምህሮ- ብዛዕባ ሓደ ዝዓሞቐ ሓደጋ ኣጠንቂቑ ክዛረብ ከሎ፣ እዚጉዳይ‘ዚ ንሓደ ክፍለ ዘመን ዝጸንሐ ክኸውን ዝኽእል ውዲት-ሓደ መዓልቲ ድማ ኤርትራ ብኢትዮጵያ ዳግማይ ናጽነታ ክትስእን ከምእትኽእል ኣጠንቂቑ ነይሩ። እዚ መጠንቀቕታ እዚ ከኣ ዕሽሽ ኢልካ ክሕለፍ ዝኽእል ነገር ኣይኮነን። እዋጅ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ድማ ንኸም‘ዚ ዝበለ መጻኢ ሓደጋታት መከላኸሊ ኮይኑ ዘገልግል ናይ ዋልታዩ። ምሕንጻጽ ዶብ ኣብ ግንባራዊ-ሕንጻጽ ዝስራዕ ጸረ ሰላሕታዊ ዳግመ-ጎበጣ ኢትዮጵያ እዩ።

ጻውዒት ናብ ማሕበረሰብ ዓለም

ማሕበረሰብ ዓለም ተግዳስ ኣልቦ ኮይኑ ክቕጽል ኣይክእልን እዩ። ናጽነት ኤርትራ ብገዚፍ መስዋእቲ ዝተረጋገጸን ብኣህጉራዊ ስምምዓት ኣፍልጦ ዝረኸበን ኮይኑ፡ ስምምዕ ኣልጀርስን ከኣ፣ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን (EEBC) ሓዊሱ እዩ።

• ሓዲግ ተሪፉ ዘሎ ምሕንጻጽ ዶብ፡- መንግስቲ ምሕንጻጽ ዶብ ክዛዘም ዘይምኽኣሉ፡ ንኤርትራ ንቀጻሊ ወራር ክትቃላዕ ይገብራ። እዚ ሃገራዊ ጉዳይ ጥራይ ኣይኮነን-ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስን ንዞባዊ ምርግጋእ ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ጉዳይውን እዩ።

• ዞባዊ ጸጥታ፡ ወራራት ኢትዮጵያ ምቁጽጻር እንተዘይተገይሩሎም፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዳግማይ ግጭት ከለዓዕል ዝዓግቶ የለን።

• ኣህጉራዊ ሓላፍነት፡- ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ከምኡ’ውን ዋሕስ ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ንውሳነ ኮሚሽን ዶብ ብዘይ ወዓል ሕደር ከኽብራን ከተግብርን ጸቕጢ ክገብሩ ኣለዎም።

• ናይ ልኡላውነት ተኣማኒ-ነት፦ ኤርትራ ከም ልኡላዊት ሃገር ተኣማንነታ/ ኣብ ምኽባርን ምጽናዕን ዶባታ እዩ ዝምርኮስ። ስቕታ፣ መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት- ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ዘለዎ ክብሪ የትሕቶ።

ስለዚ ዓለምለኻውያን ተዋሳእቲ፤

1. መንግስቲ ኤርትራ ምሕንጻጽ ዶብ ከም ጉዳይ ሃገራዊ ህላወ ቀዳምነት ክህቦ ምምሕጻን።

2. ካብ ውሳነ ኮምሽን ዶብ ወጻኢ ንዝኾነ ይኹን ወራር ኢትዮጵያ ተሓታቲ ምግባር።

3. ንጥርዓን ኣዋጅ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ሕጋዊ መግለጺ ኤርትራዊ ዜግነታዊ ድሌት ምዃኑ ኣፍልጦ ምሃብ።

ጻውዒት ንስራሕ

ፕሮቶኮላት ምፍራም ጥርዓን ኣብ ሲቪካዊ ባህልና ሓድሽ ክኸውን ይኽእል እዩ። ክሳብ ሕጂ ቁጽሪ ፈረምቲ ትሑት ምዃኑ ድማ ዘገርም ኣይኮነን። እብ ስራሕ፣ እቲ ውልቃዊ ግብራዊ ተበግሶ እንኮሎ ጽቡቕ ህሞት ዝፈጥር፣ ብኣምሳይኡ ግን ስጉምቲ ንምውሳድ ነቲ ኣብዝሓ ህዝቢ ክትጽበ ምንባር፣ ነጸብራቕ ናይ ባህላዊ ድኽመትና እዩ።

ሸለልትነት ክንጻወሮ ኣይግባእን። ብፍላይ ድማ ውዲታት ናይ ዳግመ መግዛእቲ እናንጸለለወ እንከሎ፣ ስቕታ ወይ ምድንጓይ ከጋድዶ ወይ ከጠናኽሮ እምበር፣ ነቲ ጉዳይ ከቃልሎ ኣይክእልን።

• ኩሉ ኤርትራዊ ድምጺ ኣገዳሲ’ዩ።

• ኩሉ ፌርማ ንልኡላውነት ዝሕግዝ መርገጺ እዩ።

• ኩሉ ጠለብ ምሕንጻጽ ዶብ፣ ዋልታ ኣንጻር ወራር እዩ።

ንዋሳእ- ድሒርና ዘይኮነስ፡ ብእኩብ ቅድመ ኩነት ዘይኮነስ ሕጂ።

 

 

  • Related Posts

    مقترح موجَّه إلى قيادة منظمة وحدة إرتريا (OEU) حول العمل المنسق لمواجهة خطر الحرب العدوانية لقد اتخذت منظمة وحدة إرتريا (OEU)

    خطوة جديرة بالتقدير بدعوتها إلى عقد ندوة في 18 أكتوبر 2025، تجمع المنظمات السياسية والمدنية الإرترية من أجل مواجهة خطر الحرب العدوانية الذي يهدد به النظام الإثيوبي. إن هذه المبادرة…

    እንፈት ንወራር ኢትዮጵያ ብዝተዋደደ ስጉምቲ ንምግጣም ብመሪሕነት ውድብ ሓድነት ኤርትራ (ውሓኤ) ዝቐረበ ናይ ምውኽኻስ ዕድመ ይድግፍ

    ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን፡ ብ18 ጥቅምቲ 2025 ዓውደ መጽናዕቲ ብምጽዋዕ፡ ንፖለቲካውን ሲቪላውን ማሕበራት ኤርትራ ኣብ ሓደ ብምእካብ፡ ነቲ ብስርዓት ኢትዮጵያ ተእዊጁ ዘሎ ኣንይ ውግእ ስግኣት ንምግጣም ዝነኣድ ስጉምቲ ወሲዱ ምህላዉ ኣገናዕ…

    Leave a Reply

    Your email address will not be published. Required fields are marked *