
ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን፡ ብ18 ጥቅምቲ 2025 ዓውደ መጽናዕቲ ብምጽዋዕ፡ ንፖለቲካውን ሲቪላውን ማሕበራት ኤርትራ ኣብ ሓደ ብምእካብ፡ ነቲ ብስርዓት ኢትዮጵያ ተእዊጁ ዘሎ ኣንይ ውግእ ስግኣት ንምግጣም ዝነኣድ ስጉምቲ ወሲዱ ምህላዉ ኣገናዕ ንብሎ። እዚ ተበግሶ’ዚ ኣርሒቕካ ምጥማትን ሓላፍነትን ዘንጸባርቕ ኮይኑ፡ ሓይልታት ዲያስፖራ ኤርትራ ብሓባር ክሰርሑን ክወሃሃዱን ምቹእ ዕድል ዝፈጥር ዕድመ’ውን እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት፡ ሓያሎ ውድባት ንባዕሉ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን፡ ምንቅስቓስ ይኣክልን፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ‘ዚ መግለጺታት ኣውጺአን እየን። ። ነፍሲ ወከፍ እዞም መግለጺታት ከኣ ንቕሓት ኣብ ምዕባይን፣ ንሰዓብቲ ምርጫታትና ኣብ ምውዳብ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ካብዚኦም መግለጺታት እዚኣቶም ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኤርትራ ክብደት እቲ ኩነታት ኣብ ምጉላሕን፣ መትከላት ሓድነት ኣብ ምግላጽን፣ ንጹር ጻውዒት ስጉምቲ ኣብ ምሕንጻጽ እቲ ዝያዳ ኩለመዳያውን ኣድማዕን ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ኣንፈት ሜድያ ድማ ከም ናይ ቃልሲ ሚድያ መድረኽ፡ መግለጺ ፖሓኤ ንምንጻሩንን ንምሕያሉን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሰፊሕ ጎስጓስ ንምህናጽ ዝበለጸ መሰረት ከተእናግድ መታን እውን ብሰፊሕ ክትዝርግሖ መሪጻ’ያ። ኣብ ናይ ኣዋጅ መግለጺ ፖሓኤ ዝተመስረተ ጥርዓን/ፐትሽን እውን ድሮ ኣብ Change.org ተጀሚሩ ከምዘሎን ንኢትዮጵያውያን ሓዊሱ ንገለ ደገፍቲ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ከይተረፈ እውን ኩሎም ክፈርሙ ዝደልዩ ክፉት ምዃኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብሪሁ እዩ። እዚ ድማ እቲ ኣዋጅ ፖሓኤ መትከላዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ሰፊሕን ብዙሕነት ዘለዎን ተዓዛቢ ናይ ምውዳብ ዓቕሚ ዘለዎ ምዃኑ ዘረድእ እዩ።
ኣብዚ ወሳኒ እዋን’ዚ ምብትታን፡ ምድግጋም ወይ ዝጋጮ መልእኽትታት ንምክልኻል፡ ሓባራዊ መግለጺ ምቕባል ኣገዳሲ ምዃኑ ንኣምን። ስለዚ፡ ውሓኤ ሓደ ካብቶም ዝጸንሑ መግለጺታት፡ እንተተኻኢሉ፡ መግለጺ ፖሓኤ፡ ከም ናይ ሓባር መድረኽ ናይዚ ሕጂ ክምስረት ትጠልብዎ ዘለኹም ሓይሊ ዕማም ጌርካ ምቕባል ክትሓስበሉ ብኣኽብሮት የማኽር። ከምኡ ምግባር ድማ፤
• ኩለን ትካላት ብሓደ ድምጺ ክዛረባ ብምግባር ሓድነት መልእኽቲ የጠናኽር።
• ኣብ ምንዳፍ ሓደሽቲ ፅሑፋት ነዊሕ ምይይጥ ብምውጋድ ምቛም ሓይሊ ዕማም ብሓጺር ግዜ የሳልጥ
• ኤርትራዊ ውዳበታት ምንጩ ብዘየገድስ ኣብ ዙርያ እቲ ኣዝዩ ሓያል ሓሳባት ክእከባ ዓቕሚ ከም ዘለወን ብምርኣይ ትሕትናን ብስለትን የርኢ።
• ኤርትራዊ ዲያስፖራ ኣንጻር ዓመጽ ስሙር መርገጽ ብምቕራብ ኣህጉራዊ ተኣማንነት ናብ ዝለዓለ ደረጃ የበርኽ።
• ነቲ ድሮ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ዝዝርጋሕን ደገፍ ዝረክብን ዘሎ ጥርዓን/ፐትሽን ብምጽንባር ድማ ነቲ ዝጸንሐ ናህሪ ርእሰማል ምጥቃም ነቲ ሓይሊ ዕማም የሕንን።
ብተወሳኺ፡ ምስቲ ድሮ ኣብዝሓ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ዲያስፖራ ውድባት ብንጥፈት ብሓባር ዝሰርሑ ዘጠቓለለ ናይ ዲፕሎማሲ ሽማግለ/ክላስተር ሓባራዊ ውጥን ክትሓስበሉ ድማ ብትሕትና ንመክር። ምስዚ ጉጅለ’ዚ ምሕዝነት ምግባር፡ ተበግሶኹም ናብ ዝለኦኣለ ደረጃ ከዕቢ፡ ኣብቲ ወፍሪ ሓድሽ ጸዓት ክውስኽ፡ ኣብ ኩሉ ግንባራት ቃልሲ ድማ ዝተዋደደን ዓብላሊ ዲፕሎማስያዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ከረጋግጽ ይኽእል እዩ።
እዚ እማመ እዚ ንሓደ ትካል ኣብ ትሕቲ ካልእ ትካል ምግዛእ ዘይኮነስ፡ ኣንጻር ግዳማዊ ስግኣታት ሓባራዊ ዋልታ ምህናጽ ምዃኑ ነስምረሉ። ንመግለጺ ፖሓኤ ከም ናይ ሓባር መወከሲ ሰነድ ብምቕባልን ምስ ናይ ዲፕሎማሲ ሽማግለ ብሓባር ብምስራሕን፡ ውሓኤ ብዝበለጸ ሃናጺ መንገዲ፡ ማለት ነቲ ሕብረተሰብ ናብ ምርድዳእን ዝተዋደደ ስጉምትን ብምምራሕ፡ ናይ መሪሕነት ተራኡ ክፍጽም ይኽእል እዩ። እቲ ናይ 18 ጥቅምቲ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ከኣ ከም መበገሲ ሰነድ ኮይኑ ከገልግል ይኽእል እዩ። ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ምቛም፡ ከምዚ ዝስዕብ ስረሓት፤
• ኣንጻር ስግኣት ኲናት ዝተዋደደ ወፍሪ ምምዕባል።
• ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ማሕበረሰባት ምውዳብ።
• ምስ ዓለም ሓቆፍ መሻርኽትን መራኸቢ ብዙሃንን ብውሁድ መልእኽቲ ምዝርራብ።
• ሰላምን ልኡላውነትን ፍትሕን ዝጽውዕ ኤርትራዊ ድምጽታት ብንጹርን ብቐጻልነትን ክስማዕ ምርግጋጽ።
ኣብዚ መንጽር’ዚ፡ ኣንፈት ንተበግሶ ውሓኤ ምሉእ ደገፍ ከም ዘለዎን፡ ነቲ ሓይሊ ዕማም ኣብ ምምስራት፡ መልእኽቱ ኣብ ምዕባይን፡ ከምኡ’ውን ሓድነት ኤርትራ ዝእወጅ ጥራይ ዘይኮነስ ብተግባር ከም ዝተሰነየ ንምርግጋጽ ንምትሕብባር ድልውነቱ ይእውጅ።
ታሪኽ ብብዝሒ እነውጽኦ መግለጺታት ዘይኮነስ በቲ ኣብ ህሞት ሓደጋ እነርእዮ ሓድነትን ቆራጽነትን እዩ ዝፈርደና። ነዚ ዕድል ተጠቒምና ብሓባር፡ ብንጹርነትን ብትሕትናን ብቆራጽነትን ንስራሕ።
ምስ ብዙሕ ኣኽብሮትን ትሕትናን፣
ኣንፈት ሚድያ ኔትወርክ
14 ጥቅምቲ 2025