ካብ ባድመ ክሳብ ካርቱም፡ ኤርትራ ኣብ መስቀላዊ መንገዲ ህርፋን ኢትዮጵያን ኲናት ሱዳንን።

ብመሰጋገሪ ኣዳላዊ ቦርድ – ኣንፈት – ጥቅምቲ 28, 2025

ክንደይ ሕሉፍ ዓውደውግእን ሓደስቲ ክስታትን ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ተሃዋሲ ሚዛን ዳግማይ ይቐርጽዎ ኣለዉ። ጀነራላት ኢትዮጵያን፡ ሓይልታት ፈጣን ደገፍ ሱዳንን፡ ምሕዝነት ወሽመጥ ዓረብን ኩሎም ኣብቲ ናይ መግስቲ ኣስመራ ኣካታዒ ተራ ይተኣኻኸቡ ኣለዉ። ታሪኻዊ ሕነ ምፍዳይን፡ ዞባዊ ግርጭታትን፡ ዝለዓዓል ዘሎ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓድሽ ቅልውላን።

መእተዊ

ቀርኒ ኣፍሪቃ ዳግማይ ብዘይተዛዘመ ውግኣትን ሓድሽ ንሕንሕን እናተናወጸ’ዩ። ኤርትራ፡ ካብ ተጻብኦን ናጽነትን ዝተወልደት ሃገር፡ ሕጂ ኣብ ማእከል ተጋራጫዊ ህቦብላታት ትርከብ ኣላ። ሕነ ክፈድዩ ዝደልዩ ጀነራላት ኢትዮጵያን፡ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ሱዳንን ንኣስመራ ኢድ ኣእትያ ኢሎም እናኸሰሱ እንከለዉ፡ ሓይልታት ወሽመጥ ዓረብ ድማ ካብ ርሑቕ ዓውደ ውግእ ዳግማይ እናኣካወሱ እዮም። እቲ ብ1998 ኣብ ባድመ ዝጀመረ፡ ሕጂ ካብ 2023 ናብ ካርቱም ተዘርጊሑ፡ ንኤርትራ ኣብ መንጎ ህርፋንን፡ ክሲን ህላወን መስቀላዊ መንገዲ ኣእትዩዋ ይርከብ ኣሎ።

ዝኣረገ ቁስልን፡ ሓድሽ ግንባራትን።

በሰላ ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ተዘክሮ ወተሃደራዊ ልሂቅ ኢትዮጵያ ገና ኣይሓወየን። ከም በዓል ብርሃኑ ጁላን ባጫ ደበሌን ዝኣመሰሉ ምሩኻት ኲናት ዝነበሩ ጀነራላት ክሳብ ሕጂ ብሓይልን ብረፈረንደምን ዝተሳዕሩ ናይ ምኹኖም ትዝታ ኣይወጸሎምን ።

• ጀነራል ባጫ ደበሌ ኣብ ናይ 1998 ኲናት ባድመ፡ ወሳኒ ተራ ክጻወት ከም ዝደለየ ጸብጻባት ይሕብሩ። እንተኾነ ግን ናይ ሽዑ ሓላፊ ስታፍ ጀነራል ጻድቃን ንደቡብ ኢትዮጵያ ናብ ሃረር ሰደዶ።

• እዚ ንዓሰርተታት ዓመታት ፈኸም ክብል ዝጸንሐ ብስጭታትዚ ከኣ ድሕሪ ኲናት ትግራይ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ኤርትራ ሓድሽ ወፍሪ ክሓስቡ ምስ ጀመሩ፡ ስምዒታት እንደገና ተቐላቐለ።

ሎሚ እዞም ጀነራላት እዚኣቶም ኣብነታዊ ክብደት ንምውሳኽ፡ ካብ ዘመነ ደርጊ ጀሚሮም ዝነበሩ መኮንናትን ናይ ሃይለስላሴ፡ ዝነበሩ ኣዘዝቲ ሓይሊ ባሕሪ ሓዊሱ ብምጽዋዕ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ቅሉዕ ናይ ውግእ ወፍሪ የካይዱ ኣለዉ። መልእኽቶም ንጹር እዩ፡ ኤርትራ “ዘይተወድአ ዋኒን” ኮይና ትቕጽል ኣላ።

ሄመድቲን ክስታት ግንባር ሱዳንን።

ኩናት ሓድሕድ ሱዳን ናይ ኤርትራ ምቅላዕ ኣስፊሕዎ። ኣዛዚ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሄመድቲ)፡ ኤርትራ ንሓላፊ ሰራዊት ሱዳን ሌተናል ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ትድግፎ ኣላ ክብል ኣትሪሩ ከሲሱ።

• ብመሰረት ጸብጻብ ኣናሊቲካ ቱደይ፡ ሄመድቲ ብኢማራት ዓረብን ምውህሃድ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ተሰሊፉ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ድምጹ “ብትሪ” እናልዓለ እዩ።

• እዚ ትረኻ’ዚ ከኣ ንኤርትራ ከም ጎረቤት ሃገር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ኲናት ሱዳን ከም ንጡፍ ናይ ምብልሻው ተራ ኣትጻወት ዘላ ሃገር ኮይና ብምግላጽ፡ ንኣስመራ ናብ መስመሩ ክትቆጻጸሮ ዘይትኽእል ግጭት ኣናጎተታ ይርከብ።

ሄመድቲ ንኤርትራ ኣብ ዲስኩሩ ብምውህሃድ፡ ነቲ ኣንጻር ቡርሃን ዝገበሮ ቃልሲ ከም ኣካል ሰፊሕ ዞባዊ ውዲት ብምቕራብ፡ ንውግኡ ኣህጉራዊ ክገብሮ ይጽዕር።

መላግቦ ወሽመጥ ዓረብ

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብዚ ውራይዚ ዓባይ ተራ ዘለዋ ትመስል። ምስ ክልቲኡ ውድባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘለዋ ምትእስሳር ከኣ ነቲ ስእሊ ኣዝዩ የተሓላልኾ። ኤርትራ፡ ምስ ገማግም ቀይሕ ባሕራ መሰረት ጽልዋ፡ ሎጂስቲክስን ትንበያ ሓይልን ክትከውን ስትራተጂካዊ ብልጫ ኣለዋ።

ንኣስመራ እዚ ማለት ኣብ መንጎ ህርፋን ኢትዮጵያን፣ ክሲ ሱዳንን፡ ተብላጽ ወሽመጥ ዓረብን ከም እትርቀር ይገብራ ኣሎሎ።

ሓድነት ዲያስፖራ ብመንጽር ግሕምጥና መንግስቲ ኤርትራ

ኤርትራ ብዘይካ’ቲ ዞባዊ ጸቕጥታት፡ ውሽጣዊ ተጋራጫውነት ኣጋጢምዋ ኣሎ። ኤርትራውያን ማሕበረሰባት ዲያስፖራ፡ ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪላዊ ማሕበራትን-ዋላ’ኳ ንነዊሕ እዋን ኣብ ልዕሊ ምልካዊ ምሕደራ ነቐፌታ እንተሃለዎም- ሕጂ ኤርትራ ከም ኣባል ሃገር ሕቡራት ሃገራት ንልኡላውነትን፡ ግዝኣታዊ ቅንዕናን፡ ከምኡ’ውን ኣህጉራዊ ሕጋውነት ኤርትራ ንምክልኻል ይንቀሳቐሱ ኣለዉ። መንግስቲ ነዚ ሓድነት’ዚ ከም ርእሰማል ክጥቀመሉ ወግዓዊ ቻነላት ኣብ ክንዲ ዝምስርት ግን፡ ዕላውያን ብዘይኮኑ ልኡኻቱ ኣቢሉ ንመራሕቲ ተቓወምትን ሚድያታትን ፈጠርቲ ትሕዝቶታት ዩቱብን ንምጥቃዕ መሪጹ ኣሎ። እዚ ስጉምቲ’ዚ ምስቲ ባዕሎም ተቓወምቲ ውድባት ዝገብርዎ ጥበብን ስነ-ስርዓትን ክነጻጸር ከሎ ኣዙ ሕሱር ዝኾነ ስጉምቲ’ዩ።

እዚ ንነቐፍቱ ሓዊሱ ንህዝቢ ከንቀሳቕስ ዘይምኽኣል፡ ኣብዚ ዝለዓለ ሓድነት ዝጠልበሉ ህሞት ንውሽጣዊ ምትእስሳር ኤርትራ ንምድኻም ዘስግእ እዩ። እቲ ኩነት ግርምቢጥ እዩ። ተቓወምቲ ንመንግስቲ ክነቕፉ እንከለዉ፡ ኣንጻር እቲ ኩናትን ምኽልካል መሰል ርእሰ-ውሳነ ኤርትራን ምስ ህዝቢ ደው ኢሎም ኣለዉ። መንግስቲ ብወገኑ፡ ምትሕግጋዝ ዲያስፖራ ናብ ሃገራዊ ሓይሊ ንምቕያር ዕድል የባኽን ኣሎ።

ኤርትራ ኣብ ዝተሓላለኸ መስቀላዊ መንገዲ

ምትእኽኻብ ናይዞም ዝስዕቡ ኣካላት ተባራዒ ዝኾነ ሃዋህው ይፈጥር፤

• ጀነራላት ኢትዮጵያ ንሕሉፍ ስዕረት ሕነ ክፈድዩ ይደልዩ።

• ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ሱዳን፡ ንኤርትራ ነቲ ሚዛን ሓይሊ ካርቱም ዘልዕል ግልበጣ ቴጌሩ ኢሉ ይወቅስ።

• ተዋሳእቲ ወሽመጥ ዓረብ ኣብ ስትራተጂ ቀይሕ ባሕሪ ንኤርትራ ከም ዕስብቲ መጋበርያ ጌሮም ይርእይዋ።

• ማሕበረሰባት ዲያስፖራ ንልኡላውነት ንምክልኻል ይንቀሳቐሱ፣ መንግስቲ ድማ ንጻዕርታቶም የነኣእስ።

ኤርትራ ብሓንሳብ ከም ታሪኻዊት ጸላኢ ኢትዮጵያን፡ ዕንቅፋት ኣብ ህልው ኩነታት ሱዳንን ከምኡ’ውን ብውሽጣ ከኣ ዝተመቓቐለት ገዛ ኮይና ናይ ክትስኣል ሓደጋ ኣለዋ። ኣብ ሓደ እዋን ምልክት ጽንዓት ዝነበረ ብጻዕሪ ዝረኸበቶ ናጽነታ፡ ሕጂ ንዞባዊ ግጭታት በርቂ ኮይኑ ኣሎ።

መደምደምታ

ካብ ባድመ ክሳብ ካርቱም፡ ታሪኽ ኤርትራ ድሕሪ ሕጂ ናይ ምድሓን ጉዳይ ጥራይ ኣይኮነን። ኣረጊት/ሕሉፋት ውግኣት ክሳብ ክንደይ ከም ሓደስቲ ጎስጓሳት ኮይኖም ዳግማይ ክቕረጹ፡ ታሪኻዊ ቅሬታታት ኣብ ናይ ሕጂ ግጭታት ብኸመይ ከም ዝምዝመዝ፡ ከምኡ’ውን ንኣሽቱ መንግስታት ኣብ ንሕንሕ ዓበይቲ ሓይልታት ማእከላይ ቦታ ከም ዝሕዛ ዝኾና ዝገልጽ ዛንታ እዩ።

ግን ከኣ ኤርትራ ንውሽጣዊ ግርጭታታ ክትሰግሮ ትኽእልዶ ዝብል ሕቶውን ኣሎ። ማሕበረሰባት ዲያስፖራን ሲቪካዊ ትካላትን ድሮ ኣብ ምክልኻል ልኡላውነት ይንቀሳቐሱ ኣለዉ። እቲ ሕቶ፡ መንግስቲ ነዚ ሓድነት ከም ሃገራዊ ጸጋ ኣፍልጦ ክህቦ ድዩ- ወይስ ብምፍልላይን ምኽሓድን እናእባኸኖ ክቕጽልዩ?

እቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ተነቃፊ ሚዛን መሊሱ ይዘናበል ኣሎ- ኤርትራ ድማ ብፍቶት ይኹን ብግዲ ኣብ ማእከል ናይቲ ጉዳይ ደው ኢላ ኣላ።

መወከሲታት

1. ምንጪ ካብ ዩቱብ፡ “ወፍሪ ጀነራላት ኢትዮጵያ ኣንጻር ኤርትራ”

2. ኣናሊቲካ ቱደይ፡ “ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ሄመድቲ ንግብጽን ኤርትራን ዒላማ ገይራ” (ኣናሊቲካ ቱደይ፡ 2023)

 

  • Related Posts

    ስሙር ድምጽታት ናይ፡-ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን፡ ኣንፈትን፡ ከምኡ’ውን ሓይሊዕማም ምክልኻል ልኡላውነት ኤርትራ ብሓብር ይሰርሕ

    ርእሰ-ዓንቀጽ ኣንፈት-13 ሕዳር 1025 መእተዊ ናጽነት ኤርትራ ብመስዋእቲ፡ ብጽንዓት፡ ብሓድነት እዩ ተረኺቡ። ሎሚ እዚ ልኡላውነት እዚ፡ ምስ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያውን ምስ መራኸቢ ብዙሃንን ዝተሓሓዝ፡ ዝተሓደሰ ብድሆታት የጋጥሞ ኣሎ። ከም ግብረመልሲ ድማ…

    ኣንፈት መዘከርታ ኣዳላዊ፡ በረኸት መንግስትኣብ (1938–2025) ድምጺ ፍቕርን ሃገራውነትን ባህልን

    ርእሰ-ዓንቀጽ ኣንፈት 12, 2025 ኣንፈት ምስ ሓዘንተኛ ህዝቢ ብሓባር ተጸንቢራ ነቲ ብ12 ሕዳር 2025 ኣብ መበል 89 ዓመቱ ኣብ ኣስመራ ዝዓረፈ ዶር. በረኸት መንግስትኣብ ዕዙዝ ክብሪ ይህብ። ብህይወት ምሕላፉ ኣብ…

    Leave a Reply

    Your email address will not be published. Required fields are marked *