ወግዓዊ ምላሽ ኣንፈት ንናይ ሓድሽ ዓመት 2026 መራሒ ሃገረ ኤርትራ ዝሃቦ ቃለ መሓትት፡ኤርትራ 37 ደቓይቕ፣ ዓለም ግን ክልተ ሰዓታት ረኺባ፡ ህዝቢ ግን ተወዲእዎ’ዩ!

ወግዓዊ ምላሽ ኣንፈት ንናይ ሓድሽ ዓመት 2026 መራሒ ሃገረ ኤርትራ ዝሃቦ ቃለ መሓትት

ኤርትራ 37 ደቓይቕ፣ ዓለም ግን ክልተ ሰዓታት ረኺባ፡ ህዝቢ ግን ተወዲእዎ’ዩ!

ርእሰ-ዓንቀጽ ኣንፈት-ፍሉይ ሕታም 14 ጥሪ 2016

ኣብዚ ሓድሽ ዓመት፡ ኣስመራ ሃገራዊ መደረ ኣይረኸበትን። እንተኾነ ግን ናይ ክልተ ሰዓትን ዕስራን ክልተን ደቓይቕ ጂኦፖለቲካዊ ሞኖሎግ/ጽውጽዋይ ክትሰምዕ ሓዲራ። እዛ ዕጫኣ ኣብ ውሳኔታቱ እትምርኮስ ሃገር-ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመታት እዝዩ ዝመሳሰል ዝተደጋገመ ጭርሖታት ናይ 37 ደቓይቕ ጥራይ ክትረክብ እንከላ፣ ዝተረፈ ፈነወ ሃለውለው ግን፡ ብዛዕባ ዓበይቲ ሓይልታት፡ ፖለቲካ ኣመሪካ፡ ዞባዊ ግርጭታትን፡ ከምኡ’ውን ውሽጣዊ ጉዳያት ካብ ዶባት ኤርትራ ርሒቐን ዝርከባ ሃገራትን ብዝምልከት ሓፈሻዊ ሓተታ ዝተዓብለል ኣቕርቦት ነበረ። ኣብ ውሽጢ ሃገሩ እናዓሞቐ ዝኸይድ ዘሎ ውድቀት ካብ ምግጣም ንላዕሊ ንዓለም ንምትንታን ዝያዳ ዝግደስ መራሒ ከምዘለዋ ዘቃልዐ ትርኢት ከኣ እዩ ነይሩ።

ኤርትራውያን ቅልውላው ሃገሮም ናብ ንእሽቶ ቀጽሪ እግረ-ጽሑፍ ክወርድ ተዓዚቦም። ንሃገር ሓኒቑ ሒዙ ዘሎ ቁጠባዊ መሸንቆቓ ኣፍልጦ ዝሃበ መግለጺ ኣይነበረን፣ ብዛዕባ እቲ ንመንእሰያት፡ ዝፍልስ ዘሎ ህዝቢ፣ ጃምላዊ ስደት ዝጠቐሰ እውን ኣይነበረን። ብዛዕባ እቲ ንወለዶታት ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ ዝጸንሐ ስርዓት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝሃቦ መብርሂ የለን። ንፖለቲካዊ ምስግጋር፡ ትካላዊ ጽገና፡ ወይ ሃገራዊ ስኒት ዝኸውን ፍኖተ ካርታ የለን። የግዳስ ህዝቢ ዝመነዎ ፍሉጥ ጽውጽዋያት – ዘይብሩህ ክልሰ-ሓሳባት፡ ውዲታዊ ትረኻታት፡ ከምኡ’ውን ዕጫ ኤርትራ ኣብ ኢድ ዜጋታታ ዘይኮነስ ኣብ ኢድ ባዕዳውያን ሓይልታት ዘቐምጥ ኣረኣእያ ዓለም ክንስነሰሉ ኣምሰየ። ሕመረት ናይቲ ቃለ መሕትት ዘቃልዐት ሓንቲ ኣገዳሲት ህሞት ግን ኣብ መወዳእታ ናይቲ ቃለመጠይቕ’ያ መጺኣ። ንሳ ድማ፣ “ሕቶታትትና ኣብዚ ደምዲምና ኣሎና እሞ ንህዝቢ ኤርትራ ክትብሎ ትደሊ ናይ መወዳእታ መልእኽቲ ኣለካ’ዶ ተባሂሉ ምስ ተሓ’ተ፡ ንሃገር ኣይተዛረበን፣ ንመንእሰያት: ንስድራቤታት: ንሰራሕተኛታት: ነቶም ስደተኛታት: ወይ ንወተሃደራት ኣይተዛረበን። የግዳስ ነቶም ጋዜጠኛታት “ብዛዕባ ሶማልያን የመንን ከይሓተቱ ረሲዖምዎ ሓሊፎም” ከም ዝነበሩ’ዩ ኣዘኻኺሩ። እዚኣ ንእንታይነቱ ዘቃልዐት ህሞት’ያ ነይራ። ሓደ መራሒ እታ ዘመሓድራ ሃገር ኣብ ዝዓመቘ ቅልውላው እናጠሓለት ከላ፣ ንሱ ግን፣ ንነብሱ ከም ዞባዊ ስትራተጂስት ክመስል፣ ከም ልኡኽ ናይ ሕቡራት ሃገራት ወይ ከም ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ዘመሳስሎ ዘረባ ክዛረብ ከሎ: ኤርትራ ኣብ ኣፍደገ ፍሹል መንግስታዊነትን-ብሸለልትነት ይኹን ብፍላጥ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ጎረባብታ ወይ ኣህጉራውያን ኣካላት ክትመሓደር ዝብይን ኣስጋኢ መራሒ ምዃኑ እዩ ዘብርህ። ኤርትራውያን ድሕሪ ሕጂ በዚ ትያትር’ዚ ኣይዕሸዉን እዮም። ሓንቲ መንግስቲ ብዓመታዊ ሞኖሎግ/ተዋስኦን ጂኦፖለቲካዊ ፈንጠዝያን ከምዘይትመሓደር ይፈልጡ እዮም። መሪሕነት ዝዕቀን ስቓይ ህዝቢ ብምፍታሕ እምበር፣ ፖለቲካ ዓለም ብምትንታን ከምዘይኮነ ይፈልጡ እዮም። ከምኡ’ውን 37 ደቓይቕ ናይ ዝተደገጋመ/ሪሳይክልድ ጽውጽዋይ ቃላት፣ ኣሽካዕላል እምበር፣ ምሕደራ ከምዘይኮነ ይፈልጡ እዮም።

ነዚ ናይ መሪሕነት ባዶነት ንምምላስ፡ ኣንፈት ንጹርን ህዝቢ ማእከሉ ዝገበረን ንህጹጽ ድሌታት ኤርትራውያን ኣብ ኩሉ ቦታታት ዘንጸባርቑ ሃገራዊ ኣጀንዳ ዓሰርተው ክልተ ቀዳምነታት የቕርብ-

• ሕገ መንግስታዊ ምሕደራ

• ዘይተወሰነ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምቁራጽ

• ቁጠባዊ ምርግጋእን ሓቀኛ ምዕባለን

• ሰላማዊ ዞባዊ ዝምድናታት

• ምፍታሕ እሱራት ፖለቲካን ምምላስ ሲቪላዊ ናጽነትን

• ንቅልውላው ስደተኛታት ምፍታሕ

• ግሉጽነት ኣብ ዝርጋሐ ሃገራዊ ምንጭታት

• ሃገራዊ ዕርቅን ንኹሉ ዝሓቁፍ ዘተን።

• ዘመናዊ ትምህርቲ

• ውጽኢታዊ ስርዓተ ክንክን ጥዕና

• ተሓታትነት ዘለዎ ከባብያዊ ምሕደራ

• ፍትሓዊ ምሕደራ ሃብቲ ሃገር

እዚኦም ጭርሖታት ጥራይ ኣይኮኑን፣ እንታይደኣ፣ ጠለባት ናይ ሓደ ዝኣክል ተጻዊሩ ዝጸንሐን ዝተወድኦን ህዝቢ እዮም።

እዚ ህሞት እዚ ግን ንመንግስቲ ምሕታት ጥራይ ኣይኮነን። ንተቓወምቲ ሓይልታት እውን ፈተና እዩ። ኤርትራውያን ንኻልኦት ዓመታት ዝተበታተነ ተነጣፍነት/ኣክቲቪዝም፡ መእሰሪ ዘይብሎም ተበግሶታት፡ ግብረ መልሳዊ መግለጺታት ክቕበል ኣይኮነን። ህዝቢ ጥራሕ ሓተታ ዘይኮነስ ተኣማንነት ዘለዎ ኣማራጺ ይጠልብ ኣሎ። ኣንፈት ንኹሎም መራሕቲ ተቓውሞ፣ ተዋሳእቲ ሲቪል ማሕበራትን ፖለቲካዊ ውዳበታትን ቀጥታዊ ጻውዒት የቕርብ። ኣብ መወዳእታ 2026 ሓድነታዊ/ውሁድ ሃገራዊ መድረኽ/ባይቶ ምቛም እዩ። እዚ ዋዕላ ኣይኮነን፡ ምሳልያዊ ምሕዝነት እውን ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ናይ ብሓቂ መድረኽ–ዝተወደበን ስነ-ስርዓት ዘለዎን፡ ዝዕቀንን ተግባር’ዩ። ክሳብ ጥሪ 2027 ኤርትራውያን ካብ ተቓወምቲ መመኽነይታ ዘይኮነስ ሓቀኛ ዓወታት ክርእዩ ክኽእሉ ኣለዎም። ንቃለ መሕትት መልሲ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንሃገር ካብ ቅልውላው ከውጽእ ዝኽእል ፖለቲካዊ ሓይሊ ክርእዩ ኣለዎም። ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዝቐርብ ሕቶ፤ “ኣብ ቃለ መሕትቱ እንታይ ኢሉ?” ጥራይ ዘይኮነስ “ተቓወምቲ’ኸ እንታይ ሃኒጾም?” ክኸውን ኣለዎ። ዘመነ ምጽባይ ተወዲኡ’ዩ። ዘበነ ተሓታትነት ከኣ ተጀሚሩ ኣሎ።

ኤርትራ ኣብ መስቀላዊ መንገዲ ደው ኢላ ኣላ። ሓደ መንገዲ ናብ ዝያዳ ደውታን፣ ተነጽሎን፡ ሃገራዊ ውድቀትን ይመርሕ። እቲ ካልእ ድማ ናብ ምሕዳስ፣ ሓድነት፣ ብድሌት ህዝቢ ዝተፈጠረ መጻኢ ይመርሕ። ኣንፈት ምስ ህዝቢ ኤርትራ ብጽኑዕ ደው ብምባል፣ 2026 ዓመተ ሃገራዊ ምንቕቓሕ – ህዝቢ ድምጹን ክብሩን መጻኢኡን ዝመልሰላ ዓመት

ክትከውን ኣለዋ ኢላ ትእውጅ።

  • Related Posts

    ካብ ታሪኽ ክሳብ ኣዳራሽ መርዓ፡ ኤርትራውያን ንምንታይ ፖለቲካ ካብ መርዓ ከውጽእ ኣለዎ

    ርእሰ ዓንቀጽ ኣንፈት – 23 ጥሪ 2026 መርዓ ካብቶም ብፖለቲካ ክትንከፍ ካብ ዝይብሉ ናይ መወዳእታ ቦታታት ህይወት ኤርትራ እዩ። ሓጐስን ስድራን ባህልን ልዕሊ ክብደት ፖለቲካዊ ግርጭታት ቀዳምነት ዝረኽብሉ ውራይ እዩ።…

    النظام الذي يخاف الأحياء ويستغل الساقطين

    ANFET 21 يناير 2026 رابط الموقع:   هناك لحظات تضطر فيها الأمة إلى مواجهة الإفلاس الأخلاقي الكامل لأولئك الذين يدعون حكمها. الانتشار الأخير لمقاطع فيديو تم إنتاجها بواسطة الذكاء الاصطناعي…

    Leave a Reply

    Your email address will not be published. Required fields are marked *