ርእሰዓንቀጽ ኣንፊት – ታሕሳስ 18, 2026
ኤርትራውያን ንሰላሳ ዓመታት ኣብ ፖለቲካዊ ሕልሚ ቀትሪ እዮም ተዓጽዮም ጸኒሖም፡ ካብኡ ዝገደደ ድማ እቲ ስርዓት ንዲያስፖራ ስቕ ንምባል ኣየድለዮን። ዲያስፖራ ንርእሱ ባዕሉ ነፍሱ ስቕ ስለዘበለ። ስርዓት ህግደፍ “ኣብ ፖለቲካዊ ውድባት ኣይትጽንበሩ” ኢሉ ሕሹኽ ይብል እሞ፡ ዲያስፖራ ድማ ነዚ ሕሹኽታ ካብቲ ስርዓት ክሓስቦ ዝኽእል ንላዕሊ ዓው ኢሉ ኣቃልሖ። ምንቅስቓሳት ድማ ተቐቢሎም ደጋገምዎ። ኣክቲቪስታት ድማ ኣጸቢቖም ኣጋውሕዎ። ጋዜጠኛታት ከም ንቡር ክርአ ገበርዎዎ። ወለዶታት ብምልኡ ድማ ክሳብ ኣካል ሕልናኦም ዝኸውን ውሓጥዎ። ፍርሒ ባህሊ ኮይኑ፡ ጥርጣረ መንነት፡ ምፍልላይ ከኣ ልምዲ ኮነ። ስርዓት ህግደፍ ሰለይቲ ኣየድልዮን፤ ባዕልና ንነፍስና ሰሊናያ።
ምንቅስቓስ ይኣክል ናይ ሓደ ልምሰት ምውራስ ዝኣበየ ወለዶ ብሓይሊ ምስ ተበገሰ፡ እቲ ፖለቲካዊ ትካላት ኣብ ክንዲ ነቲ ሃልሃልታ ምሕቋፍ ሰንቢዱ። ይኣከል ብኣጋኡ ውድባት መደባቶም ክገድፉ ዘቕረቦ ጻውዒት እውን ናብ ግርጭት ዘእቱ እምበር ዲፕሎማስያዊ ኣይነበረን። ናይ ኣብ ትሕቴና ትኣትዉ ጠለብ እምበር ናይ ናይ ምእራም ጻውዒት ኣይነበረን። እቲ ግብረ መልሲ’ውን ማዕረ ማዕሪኡ ዘሰክፍ እዩ ነይሩ። ኣብ ክንዲ ናብ ዘተ፡ ናይ ርእሰዘይምትእምማን ስምዒት ሰፊኑ፡ ኣብ ክንዲ ስትራተጂ ድማ ኢጎ መራሕቲ ተዓዊቱ።
ድሕሪ ምልዓል ይኣክል፡ ፈልሲ-ሰላም ብዝብል ዝፍለጥምንቅስቓስ-ብመሪሕነት ሓደ ብፖለቲካዊ ተንታን ዝፍለጥ ነጻ ጸሓፊ ተቐልቂሉ፡ ንፖለቲካዊ ትካላትን ከም በዓል ቴዲ ፕረስ ዝኣመሰላ ማዕከናት ዜናን ኣብ ፕላትፎርም ፈልሲ ክጽንበራ ዓዲመ። ንኣስታት ክልተ ዓመት ኣብ ዑደት ዜናን ዲስኩር ተቓውሞን ዓብሊሉ ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ምድስካልን ዝያዳ ናብ ዞባዊ ፖለቲካ ዘተኮረ ኣክቲቪዝም ተሰጋጊሩ ቀሃመ።
ስዒቡ ዝመጸ ናይ ምእራም ጻውዒት ኣይነበረን፤ ህቡብ ምንቅስቓስ ናይ ብርጌድ ንሓመዱ፡ ዋላ’ኳ ይኣክል ፖለቲካዊ ጎስጓሶም ንምጅማር ክሳብ ስሳ ሽሕ ዶላር ኣለቂሑዎም እንተነበረ፡ ኣብ ክንዲ ምስጋና “ተጻባኢ ወራሲ” “ክጨውይውዎ ድለዮም” ብማለት ኣብ መድረኽ ክኽሰኡ ተራእዮም። እቲ ክሲ ሓቕነት እኳ እንተዘይነበሮ ግን፡ ብቐሊሉ ሱር ክስሰድደ ከኣለ-ምኽንያቱ ድማ ፖለቲካ ኤርትራ ብዛዕባ ዝኾነ ሓድሽ ሃናጺ ነገር ክለዓል ከሎ፡ ሰብ ኣብ ክንዲ ጽቡቕ ትምኒት ዝኸፍአ ናይ ምግማት ልምዲ ስለዘለዎ።
ድሕሪኡ እቶም ኣማኸርቲ ኣካላት- እቶም ነፍሶም ንጹሃት ከም ሓለውቲ ናይቲ ምንቕስቓስ ቆጺሮም ኣብ ኣብ ክንዲ ዝኣልዩ፡ ንይኣከል ናብዞም ውድባት ገጽኩም ከይትቐርቡ፣ ነቶም ፖለቲካዊ ውድባት ከኣ ይኣክል ዝብልዎም ኣይትእመኑ እናበሉ መጺኦም ኣብ ልዕሊ እቲ ሓዊ በንዚን ከፍስሱ እዮም ዝተራእዩ። ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ምስ መጸ ድማ: ካብ ኩሉ ሰብ ክፈርሕን ክርሕቕን መኸርዎ። ነቶም ደለይቲ ፍትሒ፡ ነፍሶም ከግልሉ/ክንጽሉ፡ ንዲያስፖራ ድማ: በይኑ ክሰርሕ ኣማኸሩ። መዚ መንግድታት እዚ ድማ፡ ነቲ ቃልሲ ዝከላኸሉ እንመሰሎም፡ ምብትታን፡ ሰልኲታት ዝከላኸሉ መሲልዎም፡ ድማ ሓድነት እዮም ዝከላኸሉ ነይሮም። ነቲ ምንቅስቓስ ዘድሕንዎ ዘለዉ እናመሰሎም ከኣ ይሓንቕዎ እዮም ነይሮም።
ካብ ሕጂ ንድሕሪት ካብ ምስሉይነት ነቋርጽ: ባዕልና ዝገበርናዮ ስራሕ ስርዓት ህግደፍ ባዕሉ ካብኡ ዝሓሸ ውጽኢት ክገብር ኣይምኸኣለን። ሓደ ሰብ “ምስዚኦም” ኣይትቕረቡ ኣብ ዝበለሉ ግዜ፡ እቲ ስርዓት ሓደ ካልእ ዓመት ይኸስብ ነይሩ። ካልእ ምንቅስቓስ ነቲ ዝቕልቀል ምንቅስቓስ ጨውዩ ተባሂሉ ኣብ ዝኽሰሰሉ ዝነበረ እዋን፡ ስርዓት ህግደፍ መሸንቆቕኡ ኣብ ክሳድና የጽብብ፡ ሓደ ኣክቲቪስት ንበይኑ ክሰርሕ ኣብ ወሰነሉ እዋን ድማ፡ ዕድመ ስርዓት ህግደፍ የናዋሕ ነበረ። በዚ ድማ’ዩ ዲያስፖራ ስራሕ ስርዓት ህግደፍ ብነጻ ሰሪሑ ክበሃል ዝከኣል።
እቲ ንኹሉ ምትላል ዘቃልዕ ሓቀኛ ክፋል ግን እንሆ፡ ምስቲ ኩሉ ጸለመታት፡ እተን ፖለቲካዊ ውድባት ኣይፈረሳን። ዳግማይ ደኣ ተጠራነፉ። ተረጋጊኦም፡ ብስለት ሰኒቖም ከኣ ደረጃ ሓድነቶ በሪኹሎ ክበሃል ይከኣል። ሎሚ ይኣክል-ብመንገዲ ኤርትራዊ ልፍኒቲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣቢሉ-ብቀጥታ ምስ ፖለቲካዊ ሓይልታትን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን፡ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ኤንሲዲሲን ኣብ ዲፕሎማስያዊ ግንባር ይሰርሕ ኣሎ። ኣብ ሓደ እዋን ከም ሓደገኛ ዝረአ ዝነበረ ምትሕብባር ሕጂ ዓንዲ ሕቖ ዲፕሎማስያዊ ህላወ ተቓውሞ ኮይኑ ኣሎ። እቶም ፍርሒ ዝሰብኩ ኣማኸርቲ ተጋግዮም’ዮም ነይሮም። እቶም ኣንጻር ሓድነት ዘጠንቀቑ ወሃብቲ ርእይቶ ተጋግዮም’ዮም ነይሮም። ምትሕብባር ሓደገኛ እዩ ኢሎም ዝኣመኑ ምንቅስቓሳት ጌጋ እዮም ነይሮም። ቃልሲ ኤርትራ ድማ ዋጋ ፍርሖም እዩ ከፊሉ።
እንታይ ከሲርና? ዝኸሰርናዮም ነገራት፣ ናይ ዓመታት ናይ ቃልሲ ናህሪ፣ ኣብ መንጎ ወለዶታት ዘሎ ምትእምማን፡ ዕድላት ናይ ዝተዋደደ ዲፕሎማሲ፡ እቲ ዞባ ናብ ኲናት እናወረደ ከሎ ቦኾራ ናይ ዝተዋደደ ድምጺክንብል እንከሎና። እንታይከ ረቢሕና? ዝብል ድማ፣ መሪር ግን ከኣ ኣገዳሲ ሓቂ፡ ኤርትራ ብተነጻጺሉ በበይኑ ብዝኸይድ ደሴታት ኣክቲቪዝም ሓራ ክትወጽእ ከምዘይትኽእል፣ ብካብ ዝፈርሕዎ ስርዓት ህግደፍ ንላዕሊ ነንሕድሕዶም ብዝፈራርሑ ምንቅስቓሳት ሓራ ክትውጽእ ከም ዘይትኽእል ምፍላጥዩ። ኣብ ክንዲ ስትራተጂ “ንጽህና” ብዝሰብኩ ኣማኸርቲ ሓራ ክትወጽእ ከም ዘይኮነት እዩ። ብኣብ መንጎ ጥርጠረን ብልሕን ዘሎ ፍልልያት ዘደናግሮም ሰባት ድማ ሓራ ኣይክወጽእን እዩ። ነዚ እዩ ድማ 2026 ፖለቲካ ፍርሒ ንዘልኣለም እንቐብረላ ዓመት ክትከውን ዘለዋ።
ናይ 2026 ሓባራዊ ውሳኔና ንጹርን ዘየካትዕን፡ ንነዊሕ ግዜ ዝተደናጐየን፣ ኩሎም ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ- ፖለቲካዊ ውድባትን፡ ሲቪላዊ ምንቅስቓሳት፡ ጉጅለታት መንእሰያት፡ መድረኻት ሚድያ፡ ከምኡ’ውን ነጻ ደለይቲ ፍትሕን- ኣብ ሓደ ክመጹ ኣለዎም የብሎምን ብዝብል ብጭርሖታት ጥራይ ዘይኮነስ ብክላሰ-ሓሳባዊ ዓቕሚታት ብተግባር ኣብ ህንጸት ብዝተዋደደ ስጉምቲ ምስ ዝህሉ እዩ። ሓድነት ድሕሪ ሕጂ ሕልሚ ኣይኮነን። ንህላወ ዝኸውን ቅድመ ኩነት እዩ። ምብትታን ድሕሪ ሕጂ ብኣጋጣሚ ኣይኮነን። ናይ ቃልሲ ጥልመት እዩ። እቲ እንኮ መንገዲ ንቕድሚት እቲ ዝሓለፈ ጌጋታት ክደግም ብዘይደሊ ስሙር ግንባር እዩ ዝዕወት።
ሎሚ ይኣክል፡ ኤልደለ፡ ፖሓኤ፡ ኤሃባደልን ብሓባር ክሰርሑ እንተኽኢሎም፡ ኩሉ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ነቲ ሓቂ ክገጥሞ ኣለዎ፡ ንተቓወምቲ ኣብ ሓደጋ ዘእተወ እንኮ ነገር፡ ፍርሒ ሓድነቱ ጥራይ ኢዩ። እቲ ዘድሕኖ ነገር እንተሃልዩ ነቲ ፍርሒ ንዘልኣለም ንምቕባር ትብዓት ምህላው ጥራይ እዩ።
2026 ኤርትራውያን ኣብ መወዳእታ ሓድነት ካብ ፍርሒ፡ ስትራተጂ ኣብ ልዕሊ ኢጎ፡ ሓርነት ኣብ ልዕሊ ምብትታን ዝመርጸላ ዓመት ክትከውን ኣለዋ።







