ኢትዮጵያ ካርታ ኤርትራ ምቕያራን ንዳንካልያን ምጽንባራን ክህሉዎ ዝኽእል ዕላማታት

ርእሰ-ዓንቀጽ እንፈት መስከረም 12, 2025

መእተዊ

ኣብዚ ቀረባ እዋን ደቡባዊ ጫፍ ኤርትራ ዝኾነ ዞባ ዳንካልያ፣ ካብ መሬት ኤርትራ ተቖሪጹ ምስ ኢትዮጵያ ከም ዝተኣሳሰር ዝገልጽ ስልታት ተዘጊሑሎ። በዚ ጠንቃም ካርታታት እዚ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዓሚቝ ስክፍታ ፈጢሩሎም ኣሎ። ኢትዮጵያ ናይ ዶብ ለውጢ ብዝምልከት ወግዓዊ መግለጺ እኳ እንተዘይሃበት፡ ከምዚ ዓይነት ስእላዊ መግለጺ ግን ትርጉም ዘይብሉ ኣይኮነን። ኣብ ጂኦፖለቲካ ካርታታት ሳሕቲ እዮም ገለልተኛታት ዝኾኑ፣ እንታይ ደኣ ትረኻታት ንምቕራጽን፡ ርእይቶታት ንምጽላውን ንኻልእ ዕላማታት ምድላውን ሓያላት መሳርሒታት እዮም። መስመር ዶብ ዝስኣለሉ ኣገባብ-ወይ ዳግማይ ዝስኣል-ኣረኣእያታት ክቐርጽ፡ ኣጀንዳታት ከቐምጥን ንመጻኢ ንዝቐርብ ክስታት መንገዲ ክጸርግን ዝተሃንደሰ ስልቲ እዩ።

ንክሲ መሰረት ምግባር

ካርታታት ንርእይቶ ህዝቢ ንምቕራጽ ሓያላት መሳርሒታት እዮም። ፖለቲካውያን ተዋሳእቲ ሓድሽ “ክውንነት” ብተደጋጋሚ ብተምሳል ብምቕራብ—ኣብ ኣእምሮ ውሽጣውን ኣህጉራውን ተዓዘብቲ ከም ግቡእ ሰሪዕም ከለማምድዎ ይኽእሉ እዮም። ሓንሳብ እቲ ስእላዊ ለውጢ ተቐባልነት ምስ ረኸበ ከኣ፡ ብፖለቲካዊ መዳይ ምኽኑይነት ይቐልል።

ምፍታን ግብረመልሲ

ዘካትዕ ወይ ዝተመሓየሸ ዶብ ኣብ ህዝባዊ መድረኽ ምቕራብ ከም ናይ ትጽበዮ ግብረ መልሲ መዓቀኒ ፈተና ከገልግል ይኽእል እዩ። መራሕቲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ኣብ ዲያስፖራን፡ ማሕበረሰብ ዓለም እንታይ መልስታት ይህብ ኣሎ ንምምዛን ክጽዕሩ ይኽእሉ እዮም። ድኹምን ወይ እውን ዝተመቓቐለ መልስን ስቕታን እንተ ርእዮም ከኣ፡ ነገሩ ከም ዝተቐበልካዮ ተተርጒሙ እንታት ተወሳኺ ስጉምትታት ክውስዱ ከም ዘለዎ የተባብዕ።

ብሄራዊ ወይ ዞባዊ ትረኻ ምቕራጽ

ዳንካልያ መዕቆቢ ቤት ህዝቢ ዓፋር ኮይና፡ ማሕበረሰብ ዓፈር ግን ኣብ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ጅቡትን ዘተመቕለ ህዝብታት እዩ። ኢትዮጵያ ነቲ “ናይ ሓባር ዓደቦ” ትረኻ ብምጉላሕ፡  ነቲ ስትራተጂካውን ልኡላውን ሸነኻት ናይቲ ስጉምቲ እናኣደብዘዘት፣ ነቲ መስርሕ ውህደት ከም ተፈጥሮኣዊ ስጉምቲ ወይ’ውን ከም ተግባር ሰናይ ድሌት ከተቕርቦ ትኽእል እያ-።

ስትራተጂካዊ መልእኽትታት ንመሓዙትን ተጻባእትን

ናይ ቀይሕ ባሕሪ ኮሪደር ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ባሕረ-ግዜ/maritime ዞባታት ቀርኒ ኣፍሪቃ እዩ። ኣብ ልዕሊ ዳንካልያ ምሳሌያዊ ልኡላውነት ምጉት እውን እንተኾነ ንዞባዊ ሓይልታት፣ ዓለማዊ መሻርኽቲ ንግድን፣ ወተሃደራዊ ተዋሳእትን ዝሰዶ መልእኽቲ ቀሊል ኣይኮነን። ኣብዚ ክረአ ዘለዎ ኢትዮጵያ ከም በዓልቲ ብርኪ/መዳርግቲ ኣካል ኮይና ክትርአ ነፍሰ ተመቻችእ ምህላዋ እዩ።

ኤርትራውያን ንምንታይ ኣቓልቦ ክህቡ ይግባእ

  • ደንካልያ ቀጠና መሬት ጥራሕ ኣይኮነትን- ናይ ባሕሪ ህይወት መስመር፣ ባህላዊ ዓዲ ህዝቢ ዓፈርን እምነ ኩርናዕ ደቡባዊ ዶብ ምክልኻል ኤርትራ እንተላይ እውን እያ።።
  • ዘይተበድሁ ምርኢታት “መርትዖ” ኮይኖም ክቐርቡ ይኽእሉ እዮም። ሓንሳብ ብዘይ መአረምታ ምስ ተዘርግሑ፡ ድሒሮም ከም መርትዖ ናይቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ርድኢት ወይ ክሲ ክጥቀሱ ይኽእሉ እዮም።
  • ስቕታ ንዳሕራይ ብዙሕ ከቢድ ዋጋ ከኽፍል ይኽእል እዩ። ምዝንጋዕ/ሸለልትነት ኣብ ፖለቲካዊ ቋንቋ ስልጣን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ከም ፍቓድ ምሃብ ክትርጎም ይኽእል እዩ።

መደምደምታ

እቲ ዝተቐየረ ስእሊ ደንካልያ ንካርቶግራፊካዊ ዳህሳስ ጥራይ ኣይኮነን- እንታይ ደኣ መቕድም ናይቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ናይ ጥረራ ክዉንነታት ንምግምጣል ከገልግል ዝተእልመ ኽኸውን እውን ተኽእሎታት ኣሎ። እዚ ተግባር እዚ፣ ኮነ ኢልካ ምልክት ንምሃብ ይኹን፣ ህዝባዊ ግብረ-መልሲ ንምቕያስ ወይ ኣብ ባይታ ዘሎ እቲ ዝተቐየረ ስእሊ ዳንካልያ ንካርቶግራፊካዊ ሓቅታት ንምቕያር ወይ ንመንነት ናይቲ ዞባ ዳግማይ ንምቕራጽ ዝወስድ ስጉምቲ ኮይኑ ትርጉሙ ግን ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ። ኤርትራውያን ልኡላውነትና ንምክልኻል ንቑሓት፡ ብግቡእ ሓበሬታ ዝረኽቡ፡ ድልዱል ሓድነት ክህልወናን ይግባእ። ኣብ ዶባዊ ክርክር፡ እቲ ውግእ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መሬት ብዂናት ዘይኮነስ፡ ኣብ ካርታ ብመስመራት እዩ ዝጅምር።

  • Related Posts

    منطقة على حافة الانفجار: على الإريتريين أن يبقوا يقظين وموحّدين

      افتتاحية ANFET – 16 فبراير 2026 تصاعدت التوترات بين إثيوبيا وإريتريا بشكل حاد خلال الأيام الماضية، حيث تبادل الطرفان الاتهامات ورفع مستوى الجاهزية العسكرية على واحد من أكثر الحدود…

    ኣንጻር ስግረ-ሃገራዊ ጭቆና ሰሚርና ኣሎና

    ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ኤርትራውያን ንደቆም ከመይ ገይሮም ካብ’ቲ ስርዓት ህግደፍ ዘቕረቦ ፌደራላዊ ክሲ ክከላኸልሉ ነቒሎም ኣለዉ! ናይ ሄኖክ ቪድዮ ፍሉይ ሕታም – ኣንፈት – 9 መጋቢት 2026 ኣብ መላእ ኣመሪካ…

    Leave a Reply

    Your email address will not be published. Required fields are marked *