ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ኤርትራውያን ንደቆም ከመይ ገይሮም ካብ’ቲ ስርዓት ህግደፍ ዘቕረቦ ፌደራላዊ ክሲ ክከላኸልሉ ነቒሎም ኣለዉ!
ፍሉይ ሕታም – ኣንፈት – 9 መጋቢት 2026
ኣብ መላእ ኣመሪካ ዝርከቡ ኤርትራውያን ማሕበረሰባት ሓያልን ትርጉም ዘለዎን ለውጢ ይገብሩ ኣለዉ። እቲ ከም ፋሕ ዝበለ ስክፍታታት ዝጀመረ ምንቅስቓሳት ሕጂ ስሙር ግንባር ኮይኑ ኣሎ። ኤርትራውያንን ኣብ ጎድኒ ሃገሮምን ኣብ ጎድኒቶም ብፖሊሲ ስግረ-ሃገራዊ ጭቆና ስርዓት ኤርትራ ዒላማ ዝኾኑ ደለይቲ ፍትሕን ሰብ ሞያን መራሕቲ ማሕበረሰብን ብጽኑዕ ደው ዝበለ ሕብረተሰብ ኮይኑሎ። ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ምስ’ቲ መርበባቱ ካብ ዶባት ኤርትራ ኣዝዩ ዝሰግር ምልካዊ ማሽን እናተጋጠሙ፡ ክብሪ ዓዶም ናይ ምክልኻል ጾር ተሰኪሞም ጸኒሖም እዮም። ሎሚ ግና ስርዓት ህግደፍ ሜላታቱ ኣጋዲዱ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ’ቶም ፍትሕን ዲሞክራስን ዝጠልቡ ክቡራት ኣባላት ሕብረተሰብ ድያስፖራ መሪጹ ፌደራላዊ ክሲ ብምምስራት፣ናይ ምዕቡል ሃገር ስርዓት መዝሚዙ ንደምበ ተቓውሞ ንምፍርራሕን፣ ንምብታን፣ ብገንዘብ ከንድዮም ብውዲስ ተበግሱ ጸኒሕይ’ዩ።
ኰይኑ ግና፡ ውጽኢቱ ፍርሒ ዘይኮነ ሓድነት ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ካብ ሲያትል ክሳብ ዳላስ፡ ከምኡ’ውን ካብ ደንቨር ክሳብ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ማሕበረሰባት ኣብ ጎድኒ ተኸሰስቲ ደቖም ደው ኢሎም ኣለዉ። እዚ ድማ ብሃሰሰ ለባም ኣጋጣሚ ዘይኮነስ ቅንዕናን ትግሃትን ናይቶም ተኸሰስቲ ደቆም ስለ ዝፈልጡ እዩ። ቅንዕናኦምን ናይ ነዊሕ ዓመታት ኣገልግሎቶምን ንናጽነት ኤርትራ ዝኸፈልዎ መስዋእትን ኣዝዮም ስለ ዝፈልጡን እዮም።
እዚኦም ክሱሳት ገበነኛታት ኣይኮኑን።
እዚኦም እዮም ንቃልሲ ኤርትራ ብሕድዲ ሒዞም ክቃለሱ ዝጸንሑ ሰባት እዮም።
እቲ ማሕበረ-ሰብ ድማ ብንጹር ኣብ ጎድንኹም ኣሎና ይብሎም ኣሎ።
ኤርትራውያን ከምዚ ዓይነት ሜላ ክገጥሞም እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን። ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ካብ ሱዳን ክሳብ ቦሎኛ፡ ከምኡ’ውን ካብ ኒውዮርክ ክሳብ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ድሒሩ ድማ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ንዝለዓል ናይ ተቓወምቲ ድምጽታት ስቕ ንምባል ብዙሕ ናይ ምፍርራሕ ሜላትት – ካብ ምቕዳድ ጎማታትን፣ ምስባር መስትያ መካይን ኣብ ክለባትን ባራትን ንስድራቤታት ምፍርራሕን ንደለይቲ ፍትሒ ምግፋዕን ልምዶም ኣዩ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ገሊኦም ብህይወቶም እውን ዝኸፈሉ ሓርበኛታት ነይሮም’ዮም።
ሽዑ ተቓወምቲ ናብ ኣብያተ ፍርዲ ኣይከሰስዎምን። ኣብ ስድራቤታት ዝህልዎ ጽልዋ ተረዲኦም ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ዝፍጠር ዘይምርድዳእ ባዕላቶም ኣንሸምገሉ ይፈትሑ ነይሮም። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ማሕበረሰባት ኤርትራ፡ ከም ዓውደ ውግእ ወሲዱ፡ ንብረት ተቓወምቲ ካብ እኼባታት መንዚዑ፡ “ምርኮ ኲናት” ጌሩ ናብ ኣስመራ ይሰዶ ምንባሩ ታሪኽ ዝሰነዶ ገበንዩ።
ኣብዚ ግዜ እዚ ግን እቲ ስርዓት ኣዝዩ ቀይሕ መስመር እዩ ሰጊሩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብያተ ፍርዲ ፌደራል ከም መሳርሒ ገበናቱ ተጥቒሙ፡ ሰባት ከጥቕዕ ክብሉ ባዕሉ ስርዒታዊ መርበባቱን፡ጸጥታዊ መሓውራቱን ድራኸታቱ፡ መጋበርያታቱን ኣቃሊዑ።
እዚ ዝተረደአ ህዝቢ “ስርዓት ሓላፊ’ዩ ማሕበረኮም ግን ነባሪ።ዩ ይብሉ ኣለዉ። ሕጂ ኤርትራዊ ስግረ-ሃገራዊ ሓይሊ ዕማም- ብኪዳን ሲቪላዊ ማሕበራት፡ ፖለቲካዊ ግንባራት፡ ክኢላታት ሕጊ፡ ጉጅለታት መንእሰያት፡ ከምኡ’ውን ሽማግለታት ማሕበረሰብ ዝቖመ ሓድሽ ንያታዊ ሓይሊ ተቐልቂሉ ኣሎ። ንዓመታት ኤርትራውያን ምፍልላይን ሕነ ምፍዳይን ከየጋድዱ ፈሪሖም።ነቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘሎ ዘይሕጋዊ ጸጥታውን ፋይናንሳውን መርበባት ስርዓት ህግደፍ ንምቅላዕ ድሕር ድሕር ይብሉ ነይሮም። እዚ ፌደራላዊ ክሲ ግን ነቲ መንፈስ ብልሉይ መንገዲ ኩሉ ቀይርዎ። ሎሚ ዲያስፖራ ኣብ ጎድኒ ሃገሩ ጥራይ ዘይኮነ- ስግረ-ሃገራዊ ጭቆና ብቐጥታ ንምግጣም እውን ተዋዲዱን ተወዲቡን ቆሪጹን እዩ። እዚ ውሳነ እዚ ነዘን ዝስዕባ ከተማታት ዘጠቓለለ ሃገራዊ ናይ ምትሕግጋዝ ዑደት ተሰኒዱ፤
• ዳላስ — 28 መጋቢት።
• ደንቨር — መጋቢት 29
• ኦክላንድ — ሚያዝያ 4
• ሲያትል — ሚያዝያ 4
• ኣትላንታ — ሚያዝያ 18
• ሻርሎት — ሚያዝያ 19
• ኢንዲያናፖሊስ — ሚያዝያ 25
• ሚነሶታ — ሚያዝያ 25
• ዋሽንግተን ዲሲ — ግንቦት 2
ኣብዚ ዑደት ነፍሲ ወከፍ ደውታ እቲ ሕብረተሰብ ከምዘይፈርሕ ዝገልጽ ኣዋጅ እዩ።
ነፍሲ ወከፍ ምትእኽኻብ ክብሪ ኤርትራውያን ንመሸጣ ከምዘይኮነ ዘዘኻኽር እዩ።
ከተማታት ኣዳራሻተንን ማእኸል ማሕበረሰብን የዳልዋ ኣለዋ።
ወለንተኛታት መጓዓዝያ የዳልዉ ኣለዉ።
መንእሰያት ፖስተራት ይነድፉ ኣለዉ።
ሽማግለታት መደረታት የዳልዉ ኣለዉ።
ሰብ ሞያ ሕጋውን ፋይናንሳውን ክእለቶም የቕርቡ ኣለዉ።
እዚ ፍርሒ ኣይኮነን።
እዚ ምፍልላይ ኣይኮነን።
እዚ ዝተወደበ ተግባር እዩ።
እቲ ሕብረተሰብ ኪኖ ምጥፋእ ስርዓት ህግደፍ ዝጸንዕን ክብሪ ኤርትራውያን ኣብ ዝሃለውዎ ዝሕሉ ትካላት-ሕጋውን ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን – ይሃንጽ ኣሎ። እዚ ጉዳያት እዚ ድሕሪ ደጊም እቲ ስርዓት ክዓጽዎ ዘይክእል ማዕጾ ከፊቱ ኣሎ። እቶም ሰነዳትን ምስክርነታትን ኣገባባት ስግረ-ሃገራዊ ጭቆና ይገልጹ- መርበባት ምፍርራሕ፡ መስመራት ምወላን ዝተዋደደ ወፍሪ ምግፋዕን ከቃልዑ’ዮም። ንመጀመርታ ግዜ ሕብረተሰብ ነዚ ስርዓት ብቐጥታ ንምግጣም ሞራላዊ ስልጣንን ሕጋዊ መሳርሕታትን ኣለዎ።
ድሮ ድማ ይጥቀመሎም ኣሎ።
ህዝቢ ብድሕሪ ህዝቢ ሓደ እዩ። ሓደን ኣብ ጎድኒ ፍትሕን። ኣብ ጎድኒቶም እቶም ሎሚ ኣብ ሕመረት ናይዚ ቃልሲ ደው ኢሎም ዘለዉ ዕላማ ዝገበሩ ደለይቲ ፍትሕን ሰብ ሞያን ሰሚሩ ክቃለስ ተበጊሱሎ።
እቲ ስርዓት ንውሑዳት ውልቀሰባት ንምንጻል’ዩ ፈቲኑ። እቲ ተግባር ግን ምሉእ ምሉእ ክዝቢ ኣንጻር’ቲ ስርዓት ደው ክብል እዩ ኣበራቢሩ። እቲ ሕብረተሰብ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ይኣቱ ኣሎ- ድሕሪ ደጊም ግብረመልሲ ዘይህብ፣ ድሕሪ ደጊም ዝተበታተነ፣ ድሕሪ ደጊም ስቕ ዝብል ህዝቢ ኣይኮነን።
ብስትራተጂ፡ ዝተዋደደ፡ ቃልሲ ከካይድ ቆሪጹ’ዩ። ኣብ መላእ ኣሜሪካ ዝቃላሕ ዘሎ መልእኽቲ ድማ እዚ እዩ፤
“እዚ ናይ ፍርሒ ህሞት ኣይኮነን- ናይ ምንቃሕ ህሞት እዩ።” ህዝቢ ብሓባር ደው ኢልና ንደቅና ክከላኸል ኢና ብማለት ነቒሉ’ሎ። ክዕወት ምዃኑ ድማ ጥርጥር የብልናን።






