ጋዜጣዊ መግለጺ

5348 University Ave, Suite #101 San Diego, CA 92105

ንህጹጽ ዝርጋሐ

ሳንዲያጎ ካሊፎርንያ – 7 ሕዳር 2025

ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ – ጨንፈር ሳንዲያጎ “ሰላም ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ኣብዚ ዝመጽእ ዓርቢ ኣብ ማእከል ማሕበረሰብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሳንዲያጎ ኣኼባ ኣባላቱ ከካይድ ምዃኑ የፍልጥ። እቲ መደብ ኩሎም “ኤርትራውያን ንሰላም ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ተጠርኒፎም” ነዚ ኣንጸላልዩ ዘሎ ውግእ ደው ንምባል እዩ።

እቲ ኣኼባ፡ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ውዳበታት፡ መሓዙት መራሕቲ፡ ከምኡ’ውን ካብ ፍሉሳተ-ዝርዋን/ ዲያስፖራ ዝመጹ ሲቪካውያን ኣዳለውቲ ዘራኽብ’ዩ። እዚ ምትእኽኻብ እዚ ሓድሽ ምዕራፍ ሓባራዊ ቃልሲ ዝውክል ኮይኑ ነቲ ኩናትን፣ ምፍልላያትን፡ ኤርትራ ኣብ ዳግመ-መግዛእቲ ንምቑራን ዝግበር ዘሎ ፈተነታት ብኣድማዒ መንገዲ ንምግጣም እዩ።

እዚ ኣኼባ’ዚ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዝሃቦ ተጻባኢ መግለጺታት ሓዊሱ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ምላሽ ንምሃብ ዝዓለመ’ዩ። ኣብ ሳንዲያጎ ዝርከብ ማሕበረሰብ ኤርትራ- ንነዊሕ እዋን ብተወፋይነት ንሰላማዊ ፍታሕን ዲሞክራስያዊ ለውጥን ዝፍለጥ- ንዞባውን ኣህጉራውን ውድባት ነቲ ወራር ክኹንን ንመስርሕ ሰላም ክድግፉን ሓባራዊ ጻውዒት ከቕርብ እዩ።

ልኡላውነትን ናጽነትን ሃገረ ኤርትራ ብጅግና ህዝባ ንዘለኣለም ተዓቂቡ ክነብር ኢዩ።

 

 

 

 

 

 

  • Related Posts

    መልእኽቲ ኣንፈት ኣብ ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ

    ኣንፈት 8 መጋቢት 2026 ምኽባር ትብዓትን ጥበብን መሪሕነትን ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣንፈት ኣብ ኩሉ ቦታታት – ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ መላእ…

    ርእሰ-ዓንቀጽ ኣንፈት፡ ጻውዒት ንኤርትራውያን ተቐማጦን ትካላትን ካይሮ ብሰልፍን ካልእን ክሕግዙ

    Anfet 26 February 2026 ጻውዒት ናብ መንግስቲ ግብጺ፡ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ሕቡራት ሃገራት ዝርከቡ እሱራት ኤርትራውያን ክፈትሑን በስገዳድ ንኤርትራ ከይምለሱ ክኽልክሉን። ማሕበረሰብ ኤርትራ ኣብ ካይሮ ኣብ ታሪኻውን ሞራላውን መስቀላዊ መንገዲ…

    Leave a Reply

    Your email address will not be published. Required fields are marked *