ጋዜጣዊ መግለጺ

5348 University Ave, Suite #101 San Diego, CA 92105

ንህጹጽ ዝርጋሐ

ሳንዲያጎ ካሊፎርንያ – 7 ሕዳር 2025

ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ – ጨንፈር ሳንዲያጎ “ሰላም ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ኣብዚ ዝመጽእ ዓርቢ ኣብ ማእከል ማሕበረሰብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሳንዲያጎ ኣኼባ ኣባላቱ ከካይድ ምዃኑ የፍልጥ። እቲ መደብ ኩሎም “ኤርትራውያን ንሰላም ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ተጠርኒፎም” ነዚ ኣንጸላልዩ ዘሎ ውግእ ደው ንምባል እዩ።

እቲ ኣኼባ፡ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ውዳበታት፡ መሓዙት መራሕቲ፡ ከምኡ’ውን ካብ ፍሉሳተ-ዝርዋን/ ዲያስፖራ ዝመጹ ሲቪካውያን ኣዳለውቲ ዘራኽብ’ዩ። እዚ ምትእኽኻብ እዚ ሓድሽ ምዕራፍ ሓባራዊ ቃልሲ ዝውክል ኮይኑ ነቲ ኩናትን፣ ምፍልላያትን፡ ኤርትራ ኣብ ዳግመ-መግዛእቲ ንምቑራን ዝግበር ዘሎ ፈተነታት ብኣድማዒ መንገዲ ንምግጣም እዩ።

እዚ ኣኼባ’ዚ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዝሃቦ ተጻባኢ መግለጺታት ሓዊሱ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ምላሽ ንምሃብ ዝዓለመ’ዩ። ኣብ ሳንዲያጎ ዝርከብ ማሕበረሰብ ኤርትራ- ንነዊሕ እዋን ብተወፋይነት ንሰላማዊ ፍታሕን ዲሞክራስያዊ ለውጥን ዝፍለጥ- ንዞባውን ኣህጉራውን ውድባት ነቲ ወራር ክኹንን ንመስርሕ ሰላም ክድግፉን ሓባራዊ ጻውዒት ከቕርብ እዩ።

ልኡላውነትን ናጽነትን ሃገረ ኤርትራ ብጅግና ህዝባ ንዘለኣለም ተዓቂቡ ክነብር ኢዩ።

 

 

 

 

 

 

  • Related Posts

    ብምኽኒያት ባሕቲ መስከረም ብኤስደለ ዝተዋህበ መግለጺ

    1st Sep 2026 T.docx

    እንቋዕ ሓጎሰኩም እንቋዕ ሓጎሰና

    እንቋዕ ሓጎሰኩም እንቋዕ ሓጎሰና ደስ ኢሉና ኣንታ`ወ ደስ ኢሉና: ናይ ስግረዶብ መስገደል ክንብጥስ ጀሚርና: ሲያትል ተመዝጊብኪ ኣብ ፍትሓዊ ቃልስና። በትሪ ሓቂ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን፡ ፍትሓዊ ቃልሲ ይነውሕ እምበር ኣይዕጸፍን፡ ኣብ…

    Leave a Reply

    Your email address will not be published. Required fields are marked *