ጋዜጣዊ መግለጺ

5348 University Ave, Suite #101 San Diego, CA 92105

ንህጹጽ ዝርጋሐ

ሳንዲያጎ ካሊፎርንያ – 7 ሕዳር 2025

ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ – ጨንፈር ሳንዲያጎ “ሰላም ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ኣብዚ ዝመጽእ ዓርቢ ኣብ ማእከል ማሕበረሰብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሳንዲያጎ ኣኼባ ኣባላቱ ከካይድ ምዃኑ የፍልጥ። እቲ መደብ ኩሎም “ኤርትራውያን ንሰላም ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ተጠርኒፎም” ነዚ ኣንጸላልዩ ዘሎ ውግእ ደው ንምባል እዩ።

እቲ ኣኼባ፡ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ውዳበታት፡ መሓዙት መራሕቲ፡ ከምኡ’ውን ካብ ፍሉሳተ-ዝርዋን/ ዲያስፖራ ዝመጹ ሲቪካውያን ኣዳለውቲ ዘራኽብ’ዩ። እዚ ምትእኽኻብ እዚ ሓድሽ ምዕራፍ ሓባራዊ ቃልሲ ዝውክል ኮይኑ ነቲ ኩናትን፣ ምፍልላያትን፡ ኤርትራ ኣብ ዳግመ-መግዛእቲ ንምቑራን ዝግበር ዘሎ ፈተነታት ብኣድማዒ መንገዲ ንምግጣም እዩ።

እዚ ኣኼባ’ዚ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዝሃቦ ተጻባኢ መግለጺታት ሓዊሱ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ምላሽ ንምሃብ ዝዓለመ’ዩ። ኣብ ሳንዲያጎ ዝርከብ ማሕበረሰብ ኤርትራ- ንነዊሕ እዋን ብተወፋይነት ንሰላማዊ ፍታሕን ዲሞክራስያዊ ለውጥን ዝፍለጥ- ንዞባውን ኣህጉራውን ውድባት ነቲ ወራር ክኹንን ንመስርሕ ሰላም ክድግፉን ሓባራዊ ጻውዒት ከቕርብ እዩ።

ልኡላውነትን ናጽነትን ሃገረ ኤርትራ ብጅግና ህዝባ ንዘለኣለም ተዓቂቡ ክነብር ኢዩ።

 

 

 

 

 

 

  • Related Posts

    መግለጺ ኣንፈት ኣብ ኤስቢኤስ ኣምሓርኛ ቃለ መሕትት ምስ ኣቶ ሕሩይ ተድላ ባይሩ:

    መግለጺ ኣንፈት ኣብ ኤስቢኤስ ኣምሓርኛ ቃለ መሕትት ምስ ኣቶ ሕሩይ ተድላ ባይሩ: ጥቅምቲ 20, 2026 ሊንክ ናይቲ ቃለ መሕትት ኤስቢኤስ፡  ኣንፈት ነዚ ዝተናውሐ ርእሰ ዓንቀጻዊ መግለጺ ዘውጽእ ዘሎ ንቃለ መሕትት…

    ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ህርፋን፡ ናይ ፖሊሲ ጉዳይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ሕሉፍ ክሳራ ዝተሰረተ ፖለቲካዊ ግብረመልሲ’ዩ።

    ርእሰ ዓንቀጽ ኣንፈት፥ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ህርፋን፡ ናይ ፖሊሲ ጉዳይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ሕሉፍ ክሳራ ዝተሰረተ ፖለቲካዊ ግብረመልሲ’ዩ። ኣብ ታሕቲ ካብ ዝተጠቕሰ ተንታን ተበጊሱ ዝቐርብ ዘሎዩ “ኢትዮጵያ ንምንታይ ካልእ…

    Leave a Reply

    Your email address will not be published. Required fields are marked *