ዳግመ ውደባ ተቓውሞ ውድባት ኤርትራ፡ ስለምንታይ ዘመነ ዓለማዊ ሲቪላዊ መሓውራት ክውዳእ ኣለዎ?

ርእሰ ኣዓንቀጽ ኣንፈት- 12 ለካቲት 2026

ንልዕሊ 30 ዓመታት ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኩሉ ኣሎ ዝበሃል ውደባዊ ሞዴላት ፈቲኑ እዩ። ገሊኦም ደፋራት፡ ገሊኦም ባዕሎም ዝሰርሑ፡ ብዙሓት ድማ ካብ ሓቀኛ ህዝባዊ ተስፋ ምቑራጽ ለውጢ ዝተወልዱ እዮም። ውጽኢቱ ግን ሓደ እዩ ነይሩ፡ ዝተደራረቡ መሓውራት፡ ዝተደጋገሙ ዕማማት፡ ከምኡ’ውን ዝኾነ ሓቀኛ ሃገራዊ ክብደት ዘይብሉ ኣዝዩ ዝተበታተነ ናይ መሪሕነት መልክዓት ምፍጣር’ዩ ኮይኑ።

ሎሚ፡ እቲ እንኮ ዝተረፈ ውሁድ መድረኽ፡ ዝተዋደደ ዲፕሎማስያዊ ስጉምቲ ተቓወምቲ ውድባት፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡(ፖሓኤ) ኤርትራዊ ሃገራዊ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ)፡ ከምኡ’ውን ኤርትራዊ ልፍንቲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤልደለ)ን እዩ። እዚ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኢጋድን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝካየድ ዘሎ ሓባራዊ ምውህሃድ-ብምኩራት ኤርትራውያን ዲፕሎማሰኛታት ዝድገፍ- ነቲ ኣገዳስን ተኣማንን ንብረት/ጥሪት/ኣሴት ተቓውሞ ዝውክልን ክዕቀብ ከኣ ዘለዎን ንብረት’ዩ።

ፖለቲካዊ ውድባት ትካላዊ ቀጻልነት ንምህናጽ ኣብ ዝጽዕራሉ ዝነበራሉ እዋን ግን፡ ክልተ ሰፋሕቲ ሲቪላዊ ምንቅስቓሳት ኣብ ዲያስፖራ ኤርትራውያን፡ ማለት ይኣክልን ብርጌድ ንሓመዱን ኣስዓበ። ክልቲኦም ካብ ሓደ ተስፋ ዝቖረጸ ፕሮጀክት ዝተወልዱ እዮም። ክልቲኦም ኣሽሓት ኣሰሊፎም። ክልቲኦም ድማ፡ ብዘይ ፍላጥ፡ ሕጂ ዕቱብ ኣቓልቦ ዝሓትት መዋቕራዊ ጸገማት ፈጢሮም እዮም።

ይኣክል፡ ውደባዊ ዓቕሙ ብዝቐልጠፈ ዝሰፍሐ ምንቅስቓስ

ትንሳኤ ይኣክል-ብቐንዱ ካብ ሰሜን ኣመሪካ ዝተደፋፍአ-ነታጒ’ዩ ነይሩ። ዓለማዊ ስፍሓቱ ዓቢ ዕላማ ዘለዎ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ሰብኣውን ፋይናንሳውን ዓቕሙ ግን ኣብ ሓደ ዞባ ኣዝዩ እዩ ዝምርኮስ እዩ ነይሩ። ፖለቲካዊ ውድባት፡ ኣባላትን ሎጂስቲካዊ ደገፍን ብምውጋን፡ እቲ ምንቅስቓስ ናብ ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ክሰፍሕ ሓጊዞሞ።

እዚ ንሁር ዕብየት እዚ ግን ንጹር ሳዕቤናት ነይርዎ፤

• ትካላዊ ነጽፊ፡- ፖለቲካዊ ውዳበታት ንጡፋት ኣባላት ንይኣክል ብምውጋነን ውሽጣዊ ዓቕመን ኣዳኺመን።

• ምዝንባዕ ምሕደራ፡- ዓለማዊ መሪሕነት ይኣከል ንፖለቲካዊ ውዳበታት ከመጽልል ጀሚሩ፡ ድሕሪ ደጊም ፖለቲካዊ ተዋሳእቲ ኣየድልዩን እዮም ዝብል ጦብላሕታ ኣብ ብዙሓት ኣባላቱ ፈጢሩ።

• ጎናዊ ሰንሰለት ትእዛዝ፦ ዓለማዊ፡ ዞባውን ከባብያውን መሓውራት፡ ምውህሃድ ዳርጋ ዘይከኣል ዝገበሮ ተወዳዳሪ ስልጣናት ፈጢሩ።

ውጽኢቱ ክትግምቶ ዝከኣል እዩ ነይሩ: ንሱ ድማ ንምምሕዳሩ ኣዝዩ ዓቢን፡ ሃገራዊ ስትራተጂ ንምምራሕ ዘየኽእል ኣዝዩ ዝተበታተነ ምንቅስቓስ ድማ’ዩ ኾይኑ።

ብርጌድ ናህማዱ፡ ብብዙሓት ሓይልታት ዝስሓብ ምንቅስቓስ እዩ።

ብርጌድ ንሓመዱ እውን ተመሳሳሊ መዋቕራዊ ዕግርግር እዩ ኣጋጢምዎ። ዓለምለኻዊ፣ ዞባዊ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ባይቶ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሮም መሓውራት ተወዳደርቲ ሰበስልጣንን ተጋራጫዊ ዕማማትን ፈጢሮም እዮም። ዋላ’ውን ተሳትፎ ህቡባት ስነ-ጥበባውያን- ከም ድልድል ሓድነት ከገልግል ዝኽእል እንተ ነበረ- ብሰንኪ ድኹም ርክብን ግዳማዊ ጽልዋን ምንጪ ና ወጥሪ ኮይኑ ወዲኡ።

ካልኦት ብድሆታት ድማ ነዊሕ ከይጸንሑ ተቐልቂሎም፡

• ግዳማዊ ምትእትታው፡- መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ኵነታት ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ምእታዉ፡ ብዛዕባ ርእሰ-ምሕደራ ናይቲ ምንቅስቓስ ስክፍታታት ፈጢሩ።

•  ኣልመስቲ ትረኻታት፡- ኣብ መንጎ ምንቅስቓሳት ሲቪላዊ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ውዳበታትን ዘይምትእምማን ኣብ ምዕማቕ፡ ማዕከናት ሚድያን፡ ዘይወግዓውያን ኣማኸርትን ተራ እውን ኣሉታዊ ተራ ተጻዊቶም እዮም።

• ግጉይ ትርጉም ደገፍ፡- ብርጌድ ንሓመዱ ካብ ይኣከል ዝልገሰሉ ዝነበረ ገንዘባዊ ደገፍ፡ ፖለቲካዊ ምትእትታው ወይ ድማ ነቲ ምንቅስቓስ “ንምጭዋይ” ዝግበር ፈተነ ተባሂሉ ብጌጋ ተተርጒሙ፡ ውሽጣዊ ምፍልላይ ኣዕመቘ።

ተመኩሮ ብርጌድ ንሓመዱ ሓደ ቀሊል ሓቂ ኣረጋጊጹ፡ ንሱ ድማ ሲቪላዊ ጸዓት፡ ንንጹርን ስነ-ስርዓት ዘለዎን ትካል ክትክኦ ከም ዘይክእል እዩ።

ኣድላዪ ዳግመ-ምትዕርራይ፡ ቅድሚ ምድንጓዩ ተራታት ዳግማይ ምክፍፋል

ተቓውሞ ውድባት ኤርትራ ከም ሃገራዊ ሓይሊ ኮይኑ ክሰርሕ፡ ዳግማይ ክውደብ ኣለዎ- ኮነ ኢሉን ብወሳንነትን ክብገስ ኣለዎ። ኣብዚ እቲ  መንገዲ ንጹር እዩ፡-

• ፖለቲካዊ ውዳበታት ኣብ ውሽጢ ይእክልን ብርጌድ ንሓመዱን ኣብ ኣመራርሓ ዘለዉ ኣባላተን ብስሩዕን ብዝተዋደደን መንገዲ ክስሕባ ኣለወን።

ሲቪላዊ ምንቅስቓሳት ናጽነት እምበር ፖለቲካዊ ሞግዚትነት ኣየድልዮምን እዩ።

• ይኣክልን ብርጌድ ንሓመዱን ዓለማዊን/ግሎባል ዞባዊን ዝበሃል ናይ ኣወዳድባ መሓውሮም ክኣልይዎ ኣለዎም። ብመጽሩ ሃገር ተኮር ቅርጻታት ብምፍጣር ፍጥነትን ምድርራብ ስራሕን ሕቶ ተሓታትነትውን ክመልስን ክኽእል እዩ።

• ፖለቲካዊ ውዳባት ዓቕምታተን ጠርኒፈን ምስቲ ፖሓኤን ኤሃባደለን ኤልደለን ፈሊመንኦ ዘለዋ መድረኽ ሓቢረን ንክሰርሓን ይግብአን። እዚ መድረኽ”ዚ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዲፕሎማስያዊ ተኣማንነቱ ዘመስከረ እንኮ መሓውር እዩ።

• ዕጡቓት ጉጅለታት-እንተላይ እቶም ኣብ ምሕዋይ ዝኸዱ ዘለዉ ውድባት ብርጌድ ንሓመዱ ሓዊሱ- ዞባዊ ዘይኮነስ ሃገራዊ ስትራተጂ ክኽተሉ ኣለዎም። ውጥን ጸጥታ ንደጋዊ ስልጣን ክውሃብ ኣይክእልን እዩ።

• ሲቪላዊ ምንቅስቓሳት ናብቲ ቀንዲ ጥንካረታቶም ተምሊሶም፡ ማለት ምልዕዓል ሕብረተሰብን፡ ንቕሓት ህዝቢ ምብራኽን፡ ምጥርናፋት ዜጋታት ከድህቡ ኣለዎም። እዞም ኣገደስቲ ተራታት እዚእቶም ባህርያዊ ዓውዶምውን ስለ ዝኾነ።

እቲ ዝዓበየ ስእሊ፡ ስነ-ስርዓት ዘድልዮ ምንቅስቓስ

ውድባት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፋ ሸውዓተ ዓመታት መሪርን ግን ከኣ ኣገዳሲን ትምህርቲ ረኺበን እየን፤

• ዓለምለኻዊ/ግሎባልን ዞባውን ዝብል ሲቪላዊ መሓውራት ንሃገራዊ ምትእስሳር የዳኽሞ።

• ፖለቲካዊ ውዳበታት ኣብ ውሽጢ ሲቪላዊ መድረኻት ምስ ተበታተኑ ዓቕምታቶም ይዳኸም።

• ምንቅስቓሳት መንእሰያት ምስ ፖለቲካውን ወይ ፋይናንሳውን ደገፍቲ ምስ ተኣሳሰሩ ናጽነቶም ይስእኑ።

• ምምቕቓል-ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ብዓለም ደረጃ ንተኣማንነት ይሃስዮ።

ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ኤርትራ ኣብ ዝመጽእ ዓሰርተ ዓመት ዝተደናገረ መዋቕራዊ ህይወት ክጻወር ኣይክእልን። ህዝቢ ሃገራዊ ሓላፍነት ክወስድ ዝኽእል ዝተወደበን ዝተዋደደን ናይ ተቓውሞ ሓይሊ ይጽበ። ዓለምለኻውያን መሻርኽቲ እውን ከምኡ። ስነ-ስርዓት ዘለዎ ዳግመ-ውደባ ፖለቲካዊ ለበዋ ጥራይ ኣይኮነን-ንህላወ ተቓውሞ እውን ቅድመ-ኩነት እዩ። ደምበ ተቓውሞ ንርእሱ ዳግመ ውደባ ጌሩ፡ ስልጣኑ ኣነጺሩ፡ ኣብ መንጎ ኣባላቱ ዘሎ ምውህሃድ እንተ ኣጠናኺሩ፡ ኣብ መወዳእታ ናብቲ ኤርትራ ኣዝዩ ዘድልያ፡ ማለት ንሃገርና ናብ ሓቀኛ ደሞክራስያዊ ሕዳሰ ክመርሕ ዝኽእል ኣድማዒ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ክቕየር ክኽእል እዩ።

  • Related Posts

    إعادة هيكلة المعارضة الإرترية: لماذا يجب إنهاء عصر الهياكل المدنية العالمية

      افتتاحية ANFET — 12 فبراير 2026 على مدى أكثر من ثلاثين عاماً، جرّبت المعارضة الإرترية كل نموذج تنظيمي يمكن تخيّله. بعضها كان جريئاً، بعضها ارتجالياً، وكثير منها وُلد من…

    RESTRUCTURING THE ERITREAN OPPOSITION: WHY THE ERA OF GLOBAL CIVIC STRUCTURES MUST END

    ANFET Editorial — February 12, 2026 For more than thirty years, Eritrea’s opposition has experimented with every imaginable organizational model. Some were bold, some improvised, and many were born out…

    Leave a Reply

    Your email address will not be published. Required fields are marked *