ኣሽንኳይዶ ገጽና ምሕጻብ: ዝስተው’ን የብልናን ጽምኢ ኣለና! መልእኽቲ ካብ ጎደናታት ኣስመራ
ኣንታ ማይ ጸሚኡና! ገጽና ምሕጻብስ ይትረፈና
ከም ደማሙ ብምራቕና ቁልዕና ጸሪግና
ኣንታ ጉድ ረኺብና ኣብ ክረምቲ ማይ ስኢንና
ኣባይ ሒዙ ማይ ዝሰኣነ ይብሉና
ቀይሕ ባሕሪ ሒዝና ዓለም ዘዛረበ
ጨው ነቒልካ`ኮ ምተሰትየ ዝመርሕ ተተረኽበ
ካብ ዲጋታትና`ኳ ስም እምበር መስተርሆት ነይተረኸበ
አረ ሕጂስ ንሓልፎ ኣለና ጀሪካን እናጎተትና
ጸሎት እንተጌርና ከኣ ብሰማይ ጥብጥብ ይብለና
ክረምቲ`ስ ሓሊፉ ት`ሓጋይ ታይ ክኸውን ኢና
ሰብ ናብ ማይ እምበር ማይ ናብ ሰብ ዘለዎ ኣይከይድኒ
ክብለና መራሒና ወትሩ ትዝ ይብለኒ
በል ምሳኻ ኣብ ዓዲ ሃሎ ኣስፍረና ተዝብሎስ `ታይ ኮን ምበለኒ
`ታይ ከይከውን ወዲ ኣፎም ቅጭን
ኣብ ዓዲ ሃሎ እናበለ ሸነን
ድቃስ እፈቱየ እዩ ዝብል ተሰኪሙ ሰፍ ዘይብል ገበን
ንሱሞ ታይ ጎዲልዎ ጎያዪት መኪና `ላቶ
ጀሪካን ምስካም የለን ብሽግለታ ምድፋእ`ውን ከቶ
ምስኪን ህዝብና እንሆ ኮይኑ ከንቶ መንቶ
ክሳብ መዓስ`ዩ እዚ ኩሉ ትዕግስቲ
ወለዶታት ክሓልፍ ብሓደ መንግስቲ
ሰብና እንተሓመቐስ ስርሑ ኣይገድፍን ይኸውን እዝጊ


