መግለጺ ርእሰ-ዓንቀጽ ኣንፈት መርገጺ ኣንፈት ኣብ ግጭት ሱዳንን ዞባዊ ኣሰላልፋታትን ምንጻር

31 መጋቢት 2026 ዓ.ም

ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተዋህበ ርእይቶታት፡ ነዚ “ዳግመ ኣሰላልፋ ኢራንን ሱዳንን፡ ዝቕየር ስርዓት ቀይሕ ባሕርን ኣብ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ኤርትራ ዘለዎ ጽልዋን” ብዝብል ኣርእስቲ- ኣብዚ ሓበሬታ ጽሑፍ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ንሓደ ወገን ዝድግፍ መርገጽ ዘለዎ ኾይኑ ክትርጎም ከም ዝኽእል ዝመጸና ርእይቶ ነይሩ። ነዚ ስክፍታ’ዚ ዝገለጹልና ኣዕሩኽ ኣንፈት ኣዚና እና ኣመስገንና፡ መርገጺና ከምኡ ከምዘይኮነ ብግልጽን ብዘይጥርጥርን ከነነጽር ዕድል ስለ ዝረኸባን ድማ ብሓጎስ ንቕበሎ።

ኣንፈት ኣብ ግጭት ሱዳን ምስ ሓይልታት መንግስቲ ሱዳን፡ (SAF): ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ (RSF)፡ ወይ ኢራን፡ ወይ ኢማራት ዓረብ፡ ወይ ካልእ ናይ ደገ ወተሃደራዊ ተዋሳኣይ ፈጺሙ ኣይድግፍን’ዩ።

ኣንፈት ኣብ ግጭት ሱዳን ንዝኾነ ይኹን ወገን ኣይድግፍን፣ ኣይውግንን፣ ኣይሰልፍን እዩ። እቲ ዝተሓትመ ትንታነ ጂኦፖለቲካዊ ንባብ ንምሃብ እምበር ኣብ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ መርገጽ ንምውሳድኣይኮነን። ዕላምኡ ድማ፡ ዞባዊ ለውጢ፡ ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ኤርትራን ንስርዓት ህግደፍ ዝግበር ግዳማዊ ደገፍን ብኸመይ ይጸልዎ ከምዘሎ ንምግምጋም እዩ።

እቲ ጽሑፍ፡ ንተግባራት ዞባዊ ሓይልታት ዝገልጽ ኮይኑ፡ ብዘይምምኽናይ ወይ ምድጋፍ-ተግባራት ዞባዊ ሓይልታት ዝገልጽ ኮይኑ፡ ብሰንኪ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝረአ ዘሎ ምቅይያውር ሓይሊ ሚዛን ዝፈጥሮ ሓደጋታትን ዕድላትን ዘጉልሕ እዩ። ኣብ ዝኾነ ቦታ፡ ዲሞክራስያውያን ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ኲናት ሱዳን ይኹን ኣብ ዝኾነ ይኹን ናይ ውክልና ግጭት ክሳተፉ ኣይጣበቕን።

እቲ ትንታነ ሚዛናዊ ውሽጣውን ሲቪካውን መልእኽቲ ‘ዩ፤

“ዞባዊ ለውጢ ናብ ሃገራዊ ሓርነት ክቕየር ዝኽእል ብውሁድ ኤርትራዊ መድረኽ ጥራይ’ዩ።”

እዚ ድማ ቀንዲ መትከላት ኣንፈት ዘንጸባርቕ እዩ፤

1. ኣብ ግዳማዊ ግርጭታት ዘይምውጋን፤

ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ካብ ዞባዊ ንሕንሕ ናጻ ኮይኑ ክቕጽልን ናብ ውክልና ኲናት ተሳሒቡ ከይኣቱ ክቑጠብ ኣለዎ።

2. ልኡላውነትን ናጽነትን ኣብ ውሳነ ምሃብ፤

መጻኢ ኤርትራ ብኤርትራውያን ክቕረጽ ኣለዎ። ዝኾነት ርእሰ ከተማ- ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ይኹን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይኹን ኣብ ካልእ ቦታታት- ኣንፈት ደሞክራስያዊ ቃልስና ክትእዝዝ የብላን።

3. ሓላፍነታዊ ዞባዊ ንቕሓት

ጂኦፖለቲካዊ ለውጢ ንምርዳእ ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ ምርዳእ ግን ምስ ኣሰላልፋ ማዕረ ኣይኮነን። ትንተና ምስ ምድጋፍ ማዕረ ኣይኮነን።

ትንታነ “ዳግመ ኣሰላልፋ ኢራንን ሱዳንን” ነዞም መትከላት ዘጠቓለለ እዩ። ካብ ዞባዊ ባዶነት የጠንቅቕ፣ ዘይመትከላዊ ምሕዝነት ስርዓት ህግደፍ የጉልሕ፣ ሓድነት ኤርትራ ድማ ይጽውዕ። ኣንፈት ምስ ናይ ደገ ወተሃደራዊ ሓይልታት ይስለፍ ኣሎ ዝብል ዝኾነ ይኹን ትርጉም ምስ ትሕዝቶ እቲ ጽሑፍን ክብርታት ናይቲ ትካልን ዝጋጮ እዩ።

ኣንፈት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ኤርትራ ዘሐይልን ልኡላውነቱ ዝሕሉን ልዙብ፡ ዕላማ ዘለዎን ናጻን ትንታነ ንምሃብ ተወፋይነት ዘለዎን መርበብ እዩ።

 

  • Related Posts

    بيان تحريري – ANFET توضيح موقف ANFET من الصراع في السودان والاصطفافات الإقليمية

    بيان تحريري – ANFET 31 مارس 2026 أُثيرت في الآونة الأخيرة تعليقات تشير إلى أن التحليل التحريري الصادر عن ANFET بعنوان: «إعادة اصطفاف إيران–السودان: نظام متغيّر في البحر الأحمر وانعكاساته…

    ANFET Editorial Statement Clarifying ANFET’s Position on the Sudan Conflict and Regional Alignments

      March 31, 2026 Recent comments have suggested that ANFET’s editorial analysis, “Iran-Sudan Realignment: A Shifting Red Sea Order and Its Implications for Eritrea’s Democratic Struggle” (available, may imply support…

    Leave a Reply

    Your email address will not be published. Required fields are marked *