እቶም ንናጽነት ኤርትራ ኣብ ሕቶ ዘእትዉ ንሃገራዊ ቃልስና’ውን ኣብ ሓደጋ የእትውዎ ኣለዉ
ርእሰ-ዓንቀጽ ኣንፈት– ግንቦት 24, 2025
ሎሚ ዓመት ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን መዓልቲ ናጽነት ብሓድሽን ትርጉም ዘለዎን መንገዲ ከብዕሉ መሪጾም ኣለዉ። እቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ክትዕ ብዛዕባ ልኡላውነት ኣብ ክንዲ ክፈላልየና ምፍቃድ፡ መወዳእታ ንገብረሉ ኣለና። ናጽነት ንክትዕ ዝቐርብ ኣርእስቲ ወይ’ውን፡ ውልቃዊ ርእይቶ ተባሂሉ ጥራይ ዝሓልፍ ዘይኮነስ ብመስዋእትን ስነ-ስርዓትን ቆራጽነትን ምሉእ ወለዶታት ዝተፈጥረ ጽኑዕ ታሪኻዊ ሓቂ እዩ።
እቲ ዘተ ሕጂ ናብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ፡ ማለት ንህዝብና ዲሞክራስያዊ መጻኢ ምህናጽ ክሰጋገር ኣለዎ። እዚ መጻኢ እዚ ሓድነት እምበር ምፍልላይ ኣይኮነን ዝሓትት፤ ምውህሃድ እምበር ሰልፈ ሰልፊ ዝኸይድ ጻዕሪ ኣይኮነን፤ ከምኡ’ውን ባህጊ ኩሎም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ተሓታትነትን፡ ደሞክራስያዊ ለውጥን ዝውክል ሓባራዊ መድረኽ ክኸውን ይግባእ። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ማሕበረሰባት ንሓድነት ናይቶም ሰለስተ ቀንዲ ተቓወምቲ ግንባራት ማለት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ)፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን (ፖሓኤ)፡ ኤርትራዊ ልፍንቲ ንዲሞክራስን ለውጥን (ኤልደለ) ናይ ሓድነት ተወፋይነቶም ከበርኹ ጻውዒት ይግበረሎም። እዞም ሓይልታት እዚኣቶም ኣጣሚርና፡ ብሓደ ድምጺ ክንዛረብ፡ ድሌትን ክብርን ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ሃገራዊ መድረኽ ክንሃንጽ እዋኑ እዩ።
ናጽነት ዓዲ ሂቡና።
ሓድነት መጻኢ ክህበና እዩ።
ናጽነት ድማ ክብሪ ክትህበና እያ።
ግን ክነጸር ዘለዎ ዝዓሞቐ መትከል ኣሎ- ኩሉ ፖለቲካዊ ውዳበ፡ ሲቪላዊ ምንቅስቓስ ወይ ተቓዋሚ ግንባር ኣብ ሕገ-ህንጽኡ ኣፍልጦ ዝህቦ፤ ኣብ ዝኾነ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውዳበ ኣባልነት ቀዳማይ ቅድመ ኩነት ኮይኑ ዝግለጽ፡ ኤርትራ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ምዃና ኣፍልጦ ምሃብ እዩ። እዚ ምሳልያዊ ሓረግ ጥራይ ኣይኮነን፤ መሰረት ፖለቲካዊ ሕጋውነት እውን እዩ።
ሓደ ውልቀ ሰብ ብውልቁ ኤርትራ ናጻ ሃገር ከምዘይኮነት ክኣምን ይኽእል እዩ፣ ኣብ 1993 ኣብ ዝተኻየደ ረፈረንደም ድማ “ኣይፋል” ኢሉ ኣድሚጹ ክኸውን ይኽእል እዩ- እዚ መሰል ናይ ኩሉ ዜጋ እዩ። ቻርተሩ ኣብ ኣፍልጦ ልኡላውነት ኤርትራ ዝተመስረተ ትካል ግን ኣባልነት ኣሎና ክብሉ ኣይክእሉን’ዮም።
ኣባልነት ተቐቢልካ ናጽነት ሃገረ ኤርትራ ምኽሓድ ፖለቲካዊ ርእይቶ ጥራይ ዘይኮነስ :ንጹር ምጥሓስ ሕገ-ህንጻዊ መትከል’ውን እዩ። እዚ ድማ ተኣማንነትን መልእኽትን ሓድነትን ናይቲ ምንቅስቓስ ዘዳኽም መርገጽ ጥራይ ዘይኮነስ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝካየድ ሃገራዊ ቃልሲ ኣውን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ መርገጽ እዩ።
እዚ ምድንጋር ዝመስል መብዛሕትኡ ግዜ ብሕቡእ ስትራተጂ ዝንብድበድ፡ ስኑዕ ሓበሬታን ፖለቲካዊ ምትላልን ዝተሓንገጠ- ኣብ ውሽጢ ኤርትራዊ ዲያስፖራ ዘየድሊ ምፍልላይ ኣስዒቡ’ሎ። እዚ ወፍር’ዚ ካብቲ ሓቀኛ ቅልውላው፡ ማለት ኣብ ኤርትራ ሲቪላዊ ሓርነት ዘይምህላው ድማ የዘናብለና ኣሎ። ህዝብና ናይ ምንቅስቓስ ናጽነት፡ ናይ ፕረስ ናጽነት፡ ናይ ምእካብ ናጽነት፡ ናይ እምነት ናጽነት፡ ከምኡ’ውን ሕብረተሰብ ክስስን ዘኽእሎ ቁጠባዊ መሰላት የብሉን። እቲ ንመንእሰያትና መጻኢኦም ዝምንዝዕ ክፉት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ስርዓት ህግደፍ ክብርን ባህግን ዜጋታቱ ክሕሉ ዘይምኽኣሉ ንጹር መርትዖ እዩ።
ኣብዚ መዓልቲ ናጽነት ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ካብ ዕግሽግሽ ኣብ ንጹርነት፡ ካብ ምፍልላይ ከኣ ሓድነት፡ ካብ ምዝንባል ዕላማ መሪጹሎ። ሰማእታት ነታ ህይወቶም ዝሰውኣላ ሓቂ: ናጻ ኤርትራ ብምሕላው፣ ንህያዋን ከኣ ነቲ ዝግብኦም ሓርነት ብምቅላስ ኢና እነኽብሮም።
ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ
ሃገርና ብናጻነት
ንዘለኣለም ትንበር!


