ለውጢ ኣብ ኤርትራን ደረታት ፖለቲካዊ ምውካል ኣብ ኢትዮጵያን
ብሳብር ሩባጥ/ኣቡ ፈይሰል/ጊስካ
1 ጥቅምቲ 2026
ኤርትራውያን ሓይልታት ንለውጢ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጸም ዘሎ ብሸለልትነት ክርእይዎ ኣይክእሉን እዮም። ኣብ ውሽጢ ዓባይ ጎረቤታ ዝፍጠር ግርጭታትን ምሕዝነታትን፡ ንጸጥታን ምርግጋእን ኤርትራ ኣዝዩ ክጸልዎ ይኽእል’ዩ፡ ንናይ ለውጢ ተስፋ’ውን ክጸልዎ ይኽእል’ዩ። ስለዚ ምስ ሓይልታት ኢትዮጵያ ምውፋር ኣካል ባድላይነት ረብሓታትን፡ ጂኦግራፊን ዝምራሕ ፖለቲካዊ መስርሕ ይኸውን።
ይኹን እምበር፡ ኣገዳስነት ኢትዮጵያ፡ መጻኢ ለውጢ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ መን ንኣዲስ ኣበባ የመሓድር፡ ወይ ኣብ ትግራይ፡ ኣምሓራ፡ ወይ ኣብ ኦሮምያ መን ይስዕር ማለት ኣይኮነን። እቲ ጸገም ምስ ሓይልታት ኢትዮጵያ ዝምድና ኣብ ምምስራት ዘይኮነስ፡ ኣብ ባህርን ደረትን ናይዚ ዝምድናታት እዩ። ዕላማታቶምን ቀዳምነታቶምን ዝውስንከ መን እዩ? መንከ ክቕጽሎም ወይ ከዐውቶም ሓይሊ ኣለዎ?
ኣብዚ እዩ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ምትሕግጋዝን ጽግዕተኛነት ኣብ ናይ ወጻኢ ሓይልታትን ዘሎ ፍልልይ። ሓይልታት ኤርትራ ናይ ሓባር ረብሓታት ንምዕዋት ምስ ሓደ ኢትዮጵያዊ ውድብ ክዋፈሩ ይኽእሉ እዮም፣ ነፍሲ ወከፍ ውድብ ድማ ነናቱ ናጻ ፕሮጀክትን ውሳነን ይሕሉ። እንተ እቲ ቅልውላው ኤርትራ ንምፍታሕ ኣብ ዓወት ናይቲ ፍሉይ ወገን ምውርራድ ዝብል ኣማራጺ፡ መጻኢኡ ምስ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ዝኾነ ስሌታት ብምትእስሳር፡ ግዳማዊ ደገፍ ካብ ኣበርክቶ ዝገብር ረቛሒ ናብ ቅድመ ኩነት ንዕውትነት ፕሮጀክት ለውጢ ይቕይሮ።
ናይ ቀረባ ታሪኽ ሓደጋታት እዚ ቁማር እዚ ብዘርእዩ ኣብነታት ዝመልአ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያን ክልልን ዘሎ ምሕዝነት ብተደጋጋሚ እናተዛወረ፤ ገለ ተጻባእቲ መሓዙት ኮይኖም፡ ገለ መሓዙት ድማ ድሒሮም ኣብ ተጻረርቲ ደምበታት ተረኺቦም ይሰርሑ። ርክብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ንጹር ኣብነት ዝህብ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት፡ ካብ ነዊሕ ዝጸንሐ ቅርሕንቲ ናብ ዕርቅን ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝን ተሰጋጊሩ፡ ናብ ዝገደደ ወጥሪ ተመሊሱ። እዚ ምቅይያራት እዚ ሎሚ ንሓደ ሃገራዊ ፕሮጀክት ዘገልግል ምሕዝነት ጽባሕ ኣብ መንጎ ኣባላቱ ዝቕየር ረብሓ ክህልዎ ከም ዝኽእል መዘኻኸሪ ኮይኑ፡ ስለዚ ቀጻሊ ህላወኡ ንህላወ እቲ ፕሮጀክት ቅድመ ኩነት ክኸውን የብሉን።
ምልውዋጥ ኪዳን ኣብ ፖለቲካ ልሙድ ተርእዮ እዩ። እቲ ጸገም ዝፍጠር፡ ሓይልታት ኤርትራ፡ ግዝያዊ ዞባዊ ምሕዝነት ጸኒዑ ክጸንሕ’ዩ፡ ወይ’ውን ዓወት ሓደ ፍሉይ ጉጅለ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ምምጻእ ዘይተርፍ እዩ ኣብ ዝብል ግምት ምስ ዝምርኮሱ እዩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምቅይያር መንግስቲ ኣብ ኣስመራ ለውጢ ዝኽልክል ኣይኮነን፣ ህልውና ናይዚ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ውሕስነት ኣይህቦን። ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ትራንስፎርሜሽን/ምልውዋጣት ሓድሽ ዕድላት ክኸፍት ወይ ተወሳኺ ሓደጋታት ከስዕብ ይኽእል’ዩ። እንተኾነ ግን ንሓይልታት ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእሶም ፕሮጀክት ንምምዕባልን ንምትግባርን ካብ ዘለዎም ሓላፍነቱ ነጻ ኣይገብሮምን።
ናጽነት ናይዞም ሓይልታት ዝዕቀን መርገጺታቱ ምስ ረብሓ ሃገሮም ኣብ ዝጋጮሉ እዋን ምስ መሓዛኦም ዘይምስምማዕ፡ ከምኡ’ውን ዋላ’ውን መንግስቲ ይኹን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሚዛን ሓይሊ እንተተቐየረ ስርሖም ናይ ምቕጻል ዓቕሞም እዩ። ምቹእ ዞባዊ ኩነታት ርእሰማል ምጥቃም ካብ ካልኦት ለውጢ ከምጽኡ ምጽባይ ዝተፈልየ እዩ። ናይ ሓደ መሓዛ ስሌታት ምስ ልኡላውነት ኤርትራ፣ ግዝኣታዊ ቅንዕና፣ ናጻ ውሳኔታት ኤርትራ ክጋጮ እንከሎ፣ እቲ ቀዳምነት ዝወሃቦ ኣገዳስነት እቲ ዝምድና ብዘየገድስ ንጹር ክኸውን ኣለዎ።
ስርዓት ኤርትራ ነቲ ብዛዕባ ልኡላውነት ዝምልከት ዲስኩር ሞኖፖሊ ክገብሮ ወይ ንተቓወምቱ ስቕ ክብል ክጥቀመሉ መሰል የብሉን። ንመግዛእቲ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ምቅዋም ማለት ሃገራዊ ልኡላውነት ምሕዳግ ማለት ኣይኮነን፣ ነዚ ልኡላውነት ምክልኻል ማለት ድማ ንስርዓቱ ምክልኻል ማለት ኣይኮነን። ሓይልታት ለውጢ ምስ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ኢትዮጵያ ኣብ ዝርርብን ምትሕብባርን ክዋፈሩ ይኽእሉ እዮም፡ ንዝኾነ ካብኣቶም መጻኢ ኤርትራ ናይ ምውሳን መሰል ከይሃበ። ብመቕጻዕቲ ድማ ነቲ ንነብሶም ዝጠልብዎ ናጽነት ከኽብሩ ኣለዎም።
ስለዚ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ተሳትፎ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ንባህሪ እቲ ዝምድና ንምፍራድ እኹል ኣይኮነን። ውሳነታት ናጻ እናሃለወ ርክባት ሰፊሕ ክኸውን ይኽእል፣ ወይ ድማ ጽግዕተኛነት ኣብቲ ካልእ ወገን ዓሚቝ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ድሩት ክኸውን ይኽእል። እቲ ጽግዕተኛነት ዝግለጽ፡ ስሌታት ኣዲስ ኣበባ፡ መቐለ፡ ባህርዳር፡ ወይ ዝኾነ ካልእ ማእከል ሓይሊ፡ ንኤርትራውያን መሓዙትን ተጻባእትን፡ ግዜ ተግባራቶምን ስቕታቶምን፡ ቀዳምነት ረብሓታቶምን ክእዝዝ ምስ ዝጅምር እዩ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ፡ ናጽነት ፕሮጀክት ኤርትራ ባዕሉ ኣብ ሕቶ ምልክት ይኣቱ።
ይኹን እምበር፡ ነዚ ሓደጋ እዚ ንምጥንቃቕ፡ ንዕኡ ዝሰግር ግብራዊ ፖሊሲ የድሊ። ሓይልታት ለውጢ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ትካላቱ፣ ፖለቲካውን ማሕበራውን ሓይልታቱን ዘለዎም ርክብ ንጹር ራእይ ከማዕብሉ ኣለዎም። እዚ ራእይ እዚ ካብዞም ዝምድናታት እንታይ ከም ዝደልዩ፡ እንታይ ከቕርቡ ከም ዝኽእሉ፡ ከምኡ’ውን መዳያትን ደረታትን ምትሕብባር ክገልጽ ኣለዎ። እዚ ፖሊሲ’ዚ፡ ኣብ ውሽጣዊ ግርጭታት ኢትዮጵያ ካብ ምትእስሳር ምውጋድ ወይ’ውን ፕሮጀክት ለውጢ ምስ ዕጫ ዝኾነ ፍሉይ መንግስቲ፡ ዞባ፡ ወይ ውድብ ምትእስሳር፡ ኣብ ረብሓታት ኤርትራ ዝተመርኮሰ ክኸውን ይግባእ።
እዚ ዝምድናታት እዚ ኣብ ምኽባር ልኡላውነት፡ ግዝኣታዊ ምሉእነትን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢድካ ዘይምእታውን ዝተመስረተ እዩ። ነዞም መትከላት እዚኦም ንምትግባር ምስ ኩሎም ወገናት ክፉት መስመራት ርክብ ምሕላው፣ ረብሓታት ክስለፉ ከለዉ ምትሕብባርን ዘይምርድዳእ ኣብ ዝፈላለዩሉ እዋን ምምሕዳርን የድሊ። ምስ ሓደ ኢትዮጵያዊ ውድብ ዘይምስምማዕ፡ ልክዕ ከምቲ ምትሕብባር ንኹሉ መርገጺታቱ ምድጋፍ ወይ ኣብ ግርጭታቱ ወገን ምሓዝ ዘየድልዮ፡ ምትእስሳር ምብታኽ ኣየድልዮን እዩ። ኣብ ሞንጎ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ምዕባለታት፡ መሰረታዊ ዕማም ሓይልታት ኤርትራ ንለውጢ ሸለል ክበሃል የብሉን፡ ማለት ኣብ ሃገሮም ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ምድላው። እዚ ድማ ዝሰርሑ ፖለቲካውን ሲቪላውን ትካላት ምህናጽ፡ ንመሰጋገሪ ምዕራፍ ዝኸውን ናይ ሓባር ራእይ ምሕንጻጽን፡ ንቁጠባ፡ ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ማይን ፍትሕን ንጹር መደብ ምቕራብ የድሊ። እዞም ጉዳያት እዚኣቶም ብቐጥታ ንህይወትን መጻኢ ዕድልን ኤርትራውያን ዝጸሉ ኮይኖም፡ ኣብ ግንባር ኢትዮጵያ መን ይግስግስን መን ይስሕብን ከምዘሎ ካብ ምርዳእ ዝንእስ ኣገዳስነት የብሉን።
እዚ ምድላው’ዚ፡ ምስ መንግስታዊ ትካላትን ወተሃደራትን ከመይ ጌርካ ከም እትዋሳእ፡ ቀጻልነት ኣገልግሎት ይሕሉ፡ እንተድኣ ኣጋጢሙ ድማ ምፍራስ ስርዓት ህግደፍ፡ ሃገር ናብ ምብትታን ከይጎትታ ከም ዝከላኸል ምውሳን የጠቓልል። ዓወት ለውጢ ኣብ ምእላይ እቲ ዘሎ መሓውር ስልጣን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ዓቕሚ እቶም ዝጠልብዎ ሓይልታት ነቲ ስዒቡ ዝመጽእ ምዕራፍ ንምምሕዳር፣ ምርግጋእ ንምድልዳል፣ ንልዕልነት ሕጊ ተሓታቲ ዝኾነ መንግስቲ ንምህናጽ ዝምርኮስ እዩ።
ሓይልታት ኤርትራ ዝያዳ ጥርናፈ ብዝወነኑን መደቦም ብዝተኻፈሉን መጠን፡ ግዳማዊ ዝምድናታቶም ናይ ምጥቃምን ረብሓታቶም ናይ ምልዛብን ዓቕሞም ይዓቢ። ከምዚ ዓይነት ጻዕርታት ዘይምህላዉ ድማ ካብ ቁጽጽሮም ወጻኢ ኣብ ዝግበር ለውጢ ዝያዳ ጽግዕተኛታት ይገብሮምን ብውሽጢ ውሽጢ ክፈትሕዎ ዘይከኣሉ ጸገማት ካብ መሓዙት መፍትሒ ክደልዩ ይፍትኖምን። ዕላማ ናይዚ ለውጢ ኤርትራውያን መሰል Cእሰ ውሳኔኦም ክመልሱ እምበር፡ ሓደ ስልጣን ብኻልእ ስልጣን ክትክእ ወይ ስልጣን ካብ ሓደ ኢድ ናብ ካልእ ኢድ ከሰጋግር ኣይኮነን። እቲ መስዋእቶም ዝበቅዕ ለውጢ፡ ፍትሓዊትን ደሞክራስያዊትን ሃገር ዘጣይሽ፡ ናጽነታን ብዙሕነት ሕብረተሰባን ዝሕሉ፡ ንኹሉ ዜጋታታ ብዘይ ምግላልን ኣድልዎን ማዕረ መሰል ዘውሕስ ለውጢ እዩ።
Tags: ኢትዮጵያ, ኤርትራ, ፖለቲካዊ ግጭት, ጂኦፖለቲካዊ ግጭት


