እንቋዕ ሓጎሰኩም እንቋዕ ሓጎሰና

እንቋዕ ሓጎሰኩም እንቋዕ ሓጎሰና
ደስ ኢሉና ኣንታ`ወ ደስ ኢሉና:

ናይ ስግረዶብ መስገደል ክንብጥስ ጀሚርና:
ሲያትል ተመዝጊብኪ ኣብ ፍትሓዊ ቃልስና።

በትሪ ሓቂ

ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን፡
ፍትሓዊ ቃልሲ
ይነውሕ እምበር ኣይዕጸፍን፡

ኣብ ጉዕዞ

ዘጋጥም ሃልኪ ግን ኣይተርፍን።

ኩሉ ሃልኪ በዲሆም ኣብ ዓወት ዝበጽሑ፡
ዉሑዳትዮም ዝብጀዉ ኣብ ክንዲ ዝበዝሑ፡
ኣገናዕ ደለይቲ ፍትሒ ዓወትኩም ጎሊሑ።

ጎሊሑ`ወ

ዓወትኩም ስግር ሕማቕ ቅነ፡
ዓመጽ ተቐንጢጡ ሓሊፉ ፈተነ፡

ብሓጎስ ክሰራሰር ኩሉ ፈዳይ ሕነ።

እሞ`ታይ ንመሃር `ታይከ ንዳሎ ?

ቃልሲ ከም ውሕጅ’ዩ ዝገፍዕ ዝነቅል፡
ንገለን ዝሸክል ንገለን ዝፍንቅል፡
ክዓልብ ከሎ’ዩ ልምዓት ዘቀላቕል።

ብውሕጅ ስያትል ዝጠልቀዩ ኩሎም፡
ብዝሖም ኣሽሓትዩ ኣዲኦም ትቑጸሮም፡
ፍትሒ ዘንገሱ ግን ኣውዲቖም’ዮም ጾሮም።

እንተስ ክሕንሕኑ ክስቆርቁሮም ጌሩ፡
ናይ’ሎም ዘመን ዓወት ጥልቂ`ዩ ምስጢሩ፡
ሓቂ እንተሒዝካ ከምዚ’ዩ ነገሩ።

ኣካ ሃምቦኽቦኻይ ዓርሞሽሽ ዝመስል፡
ብክሲ ፈደራል ናብራ ከሰናኽል፡
እንስሓብ መሪጹ ነገር ከሰላስል።

ንብረት ሰብ ዝህግር፡ ዝፍክር ንብረት ሰብ ከሽይጥ፡

ዘይ’ምፍራስ ምድዋን ጽቡቕ እንታይ’ፈልጥ፡
ብበትሪ ዝገዝእ ተመርጹ ዘጥፍእ።

ኣይንዛነ ደጊም ከቢድ’ዩ ኣርዑትና፡
ፈተነ’ይተርፍን ዝመቓቕለና፡
መትከል ፍትሒ ሒዝና
እንተተኸቲልና፡
ዓወት ኣይተርፍን ዋላ ተወሓድና።

ኣንቱም መሲኩም ህግደፍ ትኽተሉ፡
ኣንቱም ደንጒዪኩም ካልእ ሃሰስ ትብሉ፡
ክመጽእዩ ዓወት ፍትሒ ተኸቲሉ።

እንቛዕ ሓጎሰኩም እንቋዕ ሓጎሰና
ርእሰ-ዓንቀጽ ኣንፈት
27 ነሓሰ 2026

  • Related Posts

    ልኡላውነት ኤርትራ ግጉይ ርድኢት ኣይኮነን: መልሲ ንዳዊት ተፈሪ ኣብ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ዝሃቦ ግምጥልሽ ትረኻ

    ልኡላውነት ኤርትራ ግጉይ ርድኢት ኣይኮነን: መልሲ ንዳዊት ተፈሪ ኣብ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ዝሃቦ ግምጥልሽ ትረኻ መወከሲ ቃለ መሕትት ፤ ርእሰ ዓንቀጽ ኣንፈት-11 ነሓሰ 2026 ዓ.ም ገለ ቃለ መሕትት ምድንጋር ዘቃልዕ ኣሎ፡…

    ዳዊት ተፈሪ ቅድሚ ህርፋን ኢትዮጵያ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ምትብባዑ፡ ምስ ልኡላውነት ኤርትራ ደው ክብል ይግባእ!

    ዳዊት ተፈሪ ቅድሚ ህርፋን ኢትዮጵያ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ምትብባዑ፡ ምስ ልኡላውነት ኤርትራ ደው ክብል ይግባእ! ርእሰ ዓንቀጽ ኣንፈት- 11 ነሓሰ 2026 ዓ.ም ቃለ መሕትት መወከሲ፡ https://www.youtube.com/watch?v=olLONrEURdA ፖለቲካዊ ዲስኩር ክትዕ ካብ…

    Leave a Reply

    Your email address will not be published. Required fields are marked *