ዳንካልያ ንመሸጣ ኣይወረደትን — ክትከላኸለላ ዝግባእ መሬት’ያ

ርእሰ ዓንቀጽ ኣንፊት – 12 ጥሪ 2026

ደንካልያ ኣብ ካርታ እትርከብ ዞባ ጥራሕ ኣይኮነትን፤ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝተቐርጸት ህያው ዝኽሪ ኮይና፡ ንፋስ ካብ ዶባት ዝዓበዩ ዛንታታት ዝተሰከመት፡ ህዝቢ ዓፋር ንዘመናት ብኽብርን ትብዓትን ዘይንቕነቕ ተኣማንነትን ዝነብረላ ቦታ እያ። ጨው ዝበዝሓ: ጽፍሓ ከም መስትያት ናብ ሰማይ ይንጸባረቕ፣ እሳተ ጎመራ ዝበዝሖ ኣኽራናታ ከም ጥንታውያን ሓለውቲ የንቃዕርር፣ ገማግም ባሕሪ ማያታ ድማ ንባሕሪ ከም ስድራቤቶም ዝፈልጥዎ ወለዶታት ይምግቦም። እዛ መሬት እዚኣ ንህዝባ ቀሪጻቶ፡ ህዝባ ድማ ንኤርትራ ቀሪጽዋ’ዩ።

ህዝቢ ዓፈር ኣብ ታሪኽ ኤርትራ እግረ ጽሑፍ ኣይኮኑን፤ ንሳቶም ድማ ሓለውታ እዮም። መግዛእታዊ መራኽብ ክቐርባ ከለዋ ንባሕሪ ይዕዘቡን ብረታዊ ቃልሲ መስዋእቲ ክሓትት ከሎ ድማ ንደቡባዊ ግንባር ይከላኸሉን ነበሩ። ኣብ ሸንጭሮ፡ ኣብ ጎቦ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ተቓሊሶም- ከም ፍሉይ ህዝቢ ዘይኮነስ፡ ከም  ደሞም ዋጋ ናጽነት ዝጸሓፉ ኤርትራውያን ኩሎም። ባህሎም፡ ትብዓቶም፡ ንኤርትራ ዘለዎም ዘይንቕነቕ ተወፋይነት ኣብ ጨርቂ ህዝቢ ዝተሰፈየ እዩ።

ካብዚ ናይ ዋንነትን ዝኽርን ሓላፍነትን ቦታ እዩ ሎሚ ኣንፊት ትዛረብ ዘላ። ከም ርሑቕ ተዓዘብቲ ዘይኮነስ፡ ከም ደቂ እዛ መሬት፡ ከም ሓለውቲ ናይ ሓደ ኣቦታትና ዝተኸላኸልሉ ገማግም ባሕሪ፡ ከም መሰኻክር ናይቲ ንሓድነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዘሰክፍ ምዕባለ ኢና ንዛረብ ዘሎና። ሓደ እዋን መቓልሕ ሃገራውነት ዝነበረ ጭርሖ- “ደንካልያ ንመሸጣ ኣይወረደትን”- ሎሚ ብዝተግምጠለ መልክዑ ዳግማይ ተቐልቂሉ ኣሎ። ኣብ ቲ-ሸርት ተሓቲሙ ብሃገራዊ ጉባኤ ዓፈር ኤርትራ ንዓመታት ብኢንተርነት ዝተዘርግሐ ጭርሖ፡ ሕጂ ብመሰረቱ ምስ ሃገራዊ ረብሓታት ደንካልያን ኤርትራን ብዝጋጮ መንገዲ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ኣሎ። ብድሕሪ እዚ ጭርሖ’ዚ፡ ኣብ ልዕሊ መንነትን፡ ልኡላውነትን፡ መጻኢ ግዝኣታዊ ሓድነት ኤርትራን ዝዓሞቐ ውግእ ተኸፊቱ’ሎ።

ደንካልያ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይወረደትን። ብናይ ወጻኢ ሓይልታት፡ ብናይ ፖለቲካውያን ተበለጽቲ፡ ወይ ብስግረ-ሃገራዊ ምሕዝነት ዝደራደር ሸቐጥ ኣይኮነን። ሎሚ ግን ሓደገኛ ትረኻ ይርአ ኣሎ- መንነት ንምጥምዛዝ፡ ንናይ ሓሶት ታሪኽ፡ ነቲ ወለዶታት ኤርትራውያን ዝተቓለሱሉ ሓድነት ንምብታን ዘስግእ ትረኻ ይስማዓ’ሎ። ኣብ ዓለምና ካብቶም ብስትራተጂካዊ ኣገደስቲ ዝኾኑ ገማግም ባሕሪ ሓደ ዝኾነ ገማግም ባሕሪ ደንካልያ፡ ዕላማ ጂኦፖለቲካዊ ህርፋን ኮይኑ ኣሎ። መጻብቦ ባብ ኤል-መንደብ፣ ኣብ መንጎ ኣህጉራት ዝርከቡ መስመራት መራኽብን ኮረደዮ ዓሰብን ኣብስትራክት ወይ (ዘይጭበጥ) ኣምራት ኣይኮኑን፤ መስመራት ዓለማዊ ንግድን፣ ትኹረት ኣህጉራዊ ውድድርን እውን እዮም። ናይ ወጻኢ መንግስታት ነዚ ይፈልጥዎ እዮም። ዞባዊ ተዋሳእትን፣ ህርፋን ዘለዎም ፖለቲከኛታት እውን ነዚ ይፈልጥዎ እዮም።

ስለዚ ድማ እዩ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንደንካልያ ብመነጽር “ሶማሊላንድ” ዝዓይነቱ ኣፍልጦ ንምቕራጽ ዝተገብረ ፈተነታት-ብናይ ወጻኢ መራኸቢ ብዙሃንን ደለይቲ ፍትሒ ዲያስፖራን ዝተዓብለለ ትረኻታት ነገር ቅንዕና ኣይኮነን። እዚእቶም ዝተቐመሩ/ካልክዩለይትድ እዮም። ተበለጽቲ እዮም። ኣዝዮም ከኣ ሓደገኛታት እዮም። ናይ ሕጂ ዝተሓላለኸ ኪዳናት ብዛዕባ ርእሰ-ምሕደራ፡ ኣፍልጦ፣ ወይ ናይ ወጻኢ ሽርክነት ክዛረብ ምስ ጀመረ፡ ድሕሪ ደጊም ንመሰላት ዝጣበቕ ዘይኮነስ-ብዛዕባ ዋጋ ዕዳጋ መሬትን ዝጫበጥ እዩ። ኣብ ልዕሊ መሬት ኤርትራ ድማ ክዘራረብ ስልጣን ዘለዎ ዝኾነ ሰብ የለን።

ህዝቢ ዓፈር መሰል ይግብኦ- ሓቀኛ መሰል እምበር ተራ ምልክት ወይ ናይ ወጻኢ መብጽዓታት ኣይኮነን። ኣብ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ውክልና፡ ምዕባለ፡ ባህላዊ ሓለዋ፡ ቅኑዕ ፖለቲካዊ ተሳታፍነት ይግብኦም። እዚ መሰላት እዚ ግን ብግዳም ዝድረኽ ምብትታን ዘይኮነስ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክስዕብ ኣለዎ። ታሪኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዘቐንዙ መንገዲ ንጹር እዩ። ግዳማዊ ሓይልታት ብስም “ምሕላው” ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ጣልቃ ክኣትዉ ከለዉ፡ ውጽኢቱ ምሕያል ዘይኮነስ፣ ምዝባልን፡ ወተሃደራዊ ምትእስሳርን ምዝመዛን እዩ። ህዝቢ ዓፈር ኣብ ናይ ካልእ ሰብ ጂኦፖለቲካዊ ቃርሳ ከም ዕሱብ ካብ ክጥቀመሉ ካብኡ ዝሓሸ ዝግበኦ ህዝቢ’ዩ።

ኣህጉራዊ ሕጊ ምብትታን ኣይድግፍን እዩ። ብመሰረት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት፡ ቅዋማዊ ሕጊ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ከምኡ’ውን መትከል ኡቲ-ፖሲዲቲስ ዮሪስ፡ ዶባት ኤርትራ ጽኑዕ፡ ኣፍልጦ ተዋሂብዎ፡ ዝሕሎ ። ዝኾነት ናይ ወጻኢ ሃገር ንመሬት ኤርትራ ዋጋ ዕዳጋ ክትገብር ኣይትኽእልን። ዝኾነ ዘይመንግስታዊ ተዋሳኣይ ንዞባዊ ርእሰ-ምሕደራ ግዳማዊ ኣፍልጦ ክደሊ ኣይክእልን እዩ። ዝኾነ ስግረ-ሃገራዊ ኪዳን ኣብ ልዕሊ መሬት ኤርትራ ስልጣን ክሓትት ኣይክእልን እዩ። ከምኡ ንምግባር ዝግበር ዝኾነ ይኹን ፈተነ ዘይሕጋውን፡ ምርግጋእ ዘሰናኽልን፡ ቀጥታዊ ምግሃስ ልኡላውነት ኤርትራ እውን’ዩ። እቶም ከምዚ ዓይነት ኣጀንዳታት ዘስፋሕፍሑ ከኣ- ኮነ ኢሎም ይኹኑ ብዘይፍላጥ- ብሓዊ ይጻወቱ ኣለዉ።

ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ሓድሽ ዘመን ስትራተጂካዊ ውድድር ትኣቱ ኣላ። ወደባት፡ ገማግም ባሕርን ብሄራዊ መንነትን ብጽልዋ ዝደልዩ ሰባት ይዕጠቑ ኣለዉ። እዚ ቅዲ’ዚ ቅድሚ ሕጂ ርኢናዮ ኢና፡ ምስሕሓብ ሶማሊላንድ፡ ምብትታን ኢትዮጵያ፡ ናይ ወጻኢ ወተሃደራዊ ሊዝ ኣብ ጅቡቲ፡ ዘይምርግጋእ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሱዳን፡ ከምኡ’ውን ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ምልክቱ’ዩ። ደንካልያ ብቐሊሉ ቀጻሊ ፍላሽፖይንት ክኸውን ይኽእል እዩ። ገማግም ባሕሪ ድማ ዋጋ ዕዳጋ ምስ ተወስዱ፡ ሳሕቲ’ዮም ናብ ግቡእ ዋናታቶም ዝምለሱ።

መርገጺ ኣንፊት ንጹርን ቃልዓለም ዘይብሉን ዘይንቕነቕን’ዩ። ደንካልያ ንመሸጣ ኣይወረደትን- ንባዕዳውያን መንግስታት ኣይትወሃብን፣ መጻወቲ ፖለቲካዊ ተበለጽቲ እውን ኣይኮነትን፣። ንልኡላውነት ዝጥሕስ ስግረ-ሃገራዊ ምሕዝነት ዘሳሲ፣ ንኤርትራ ብጉልባብ “ምሕላው” ህዝባ ዝደሊ ሰብ እውን ኣይኮነትን። ህዝቢ ዓፋር ኤርትራዊ እዩ። ዓዶም ድማ ኤርትራዊ እዩ። መጻኢኦም ከኣ ኤርትራዊ እዩ። ሓድነት ኤርትራ ድማ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱ ናይ ህላወ ጉዳይ እዩ።

እቲ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ማልያታት ዝቐርብ ዝነበረ ጭርሖ “ደንካልያ ኣይትሸየጥን”-ሕጂ ሃገራዊ መነቓቕሒ ደወል ኮይኑ ኣሎ። ደንካልያ ንመሸጣ ኣይትወርድን፣ ምኽንያቱ ኤርትራ ንመሸጣ ስለዘይወረደት። ገማግም ባሕራ ኣብ ዕዳጋ ኣይወረዱን። ህዝባ ናይ ጂኦፖለቲካዊ ጸወታ መሳርሒ ኣይኮነን። ልኡላውነቱ ናይ ወጻኢ መካትዒ ጉዳይ ኣይኮነን። እቶም ንመሬታዊ ሓድነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ- ብናይ ሚድያ ትረኻታት ይኹን ብፖለቲካዊ ምሕዝነት ወይ ብናይ ወጻኢ ሽርክነት- ክብደት ተግባራቶም ክርድኡዎ ኣለዎም።

ኤርትራ ብመስዋእቲ እያ ተሃኒጻ። ሓድነት ሃገር ብደም እዩ ተፈጢሩ። ዶባታ ብዝኾነ ሰብ ዳግማይ ኣይክስኣልን እዩ። ዓለም ንቀይሕ ባሕሪ ትከታተሎ ትኸውን፡ እንተኾነ ግን ኤርትራውያን – ብፍላይ ድማ ህዝቢ ዓፋር- ብዝያዳን ብቐረባን ብዝዓበየ ንቕሓትን ይከታተልዎ ኣለዉ።

  • Related Posts

    ካብ ታሪኽ ክሳብ ኣዳራሽ መርዓ፡ ኤርትራውያን ንምንታይ ፖለቲካ ካብ መርዓ ከውጽእ ኣለዎ

    ርእሰ ዓንቀጽ ኣንፈት – 23 ጥሪ 2026 መርዓ ካብቶም ብፖለቲካ ክትንከፍ ካብ ዝይብሉ ናይ መወዳእታ ቦታታት ህይወት ኤርትራ እዩ። ሓጐስን ስድራን ባህልን ልዕሊ ክብደት ፖለቲካዊ ግርጭታት ቀዳምነት ዝረኽብሉ ውራይ እዩ።…

    النظام الذي يخاف الأحياء ويستغل الساقطين

    ANFET 21 يناير 2026 رابط الموقع:   هناك لحظات تضطر فيها الأمة إلى مواجهة الإفلاس الأخلاقي الكامل لأولئك الذين يدعون حكمها. الانتشار الأخير لمقاطع فيديو تم إنتاجها بواسطة الذكاء الاصطناعي…

    Leave a Reply

    Your email address will not be published. Required fields are marked *