ርእሰ ዓንቀጽ ኣንፈት
21 ጥሪ 2026 ዓ.ም
ሓደ ህዝቢ ንፍጹም ሞራላዊ ውድቀት ናይቶም ነመሓድሮ ኢና ዝብሉ ሰባት ክገጥም ዝግደደሉ ህሞታት ኣሎ። ምስሊ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም – ፍሉጥ መራሒ ወተሃደራዊ ትካል ኤርትራ ነበር፡ ሕጂ ሓንጎለ-ምዉት/ስንኩል ኮይኑ ክዛረብ ወይ ነፍሱ ክከላኸል ዘይክእለሉ እዋን- ብኤ.ኣይ. እንታይነት ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ንኤርትራ ዝገዝአ ስርዓት ብዘሕምም ብንጹር ዘቃልዕ ፖለቲካዊ ግፍዒ እዩ።
ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ተራ ሰብ ኣይነበረን። ናይ ዕጥቃዊ ቃልሲ ገዲም ተጋዳላይ፡ ስነ-ስርዓት ዘለዎ ኣዛዚ፡ ሓደ ካብቶም ውሑዳት ህላዌኡ ሓቀኛ ሃገራዊ ክብደት ዝሓዘ እዩ ነይሩ። ዝንኡ ኣብ ኣገልግሎት እምበር ኣብ ጭርሖታት ዝተሃንጸ ኣይነበረን። ስልጣኑ ካብ መስዋእቲ እምበር ካብ ፕሮፖጋንዳ ዝመንጨወ ኣይነበረን። ልክዕ ነዚ እዩ ድማ ንሓደ ምሉእ ፖለቲካዊ ህይወቱ ዝወዳደሮ ሰብ ኣብ ምእላይ ዘሕለፈ ገዛኢ፡ ናይ ስብሓት ህላዌ ስግኣት ዝፈጥረሉ። ኢሳያስ ኣፍወርቂ ስብሓት ኤፍረም ተካኢኡ ክኸውን ኣይደለየን፣ ንሱ ጥራይ ዘይኮነውን ዝኾነ ካልእ ሰብ ክትክኦ ፈጺሙ ኣይደልን እዩ።
ፖለቲካዊ ርትዒ/ሎጅክ ናይቲ ስርዓት ኩሉ ግዜ ቀሊል እዩ ነይሩ። ዝቃወመካ ኣይህሉን፡ መተካእታ የብልካን፡ ካብ ፕረዚደንት ምዃን ድማ ሓሊፍካ ድማ ዝኾነ መጻኢ የለን። ሚኒስተራት ንጐድኒ ተጸጊዕም፡ ጀነራላት በርዒኖም፡ ምሁራት ተኣሲሮም፡ ትካላት ድማ ኩሎም ተበታኖም እዮም። እቲ ስርዓት፡ ዝኾነ ሰብ፡ ዋላ እቶም ኣዝዮም እሙናት እውን ከይተረፈ፡ ከም መተካእታ ተራእዮም እኹል ተኣማንነት ንኸይረኽቡ ተነዲፉ ዝተሳእለ መድብዩ ተታሒዙ ዘሎ።
ዕጫ ሰብሓት ኤፍሬም ምስዚ ቅዲ’ዚ ፍጹም’ዩ ዝሰማማዕ። እታ ሓንጎለ-ስንኩል/ምዉት ጌራ ዝገደፈቶ ጥይት፣ ናይ ዓመጽ፣ ተግባር ጥራይ ዘይኮነትስ፤ ናይ ደቁ ዝበልዕ ፖለቲካዊ ባህሊ ምልክት እውን እያ። ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ነዊሓ ዓመታት፡ እቲ ዝፈርሖ ዝነበረ ስርዓት ባዕሉ፡ ብዲጂታልን፡ ብኣርቲፊሻልን ብዘይ ሕፍረትን – ዳግማይ ከተንስኦ ይርአ ኣሎ። እዚ ንክብሪ ስብሓት ኤፍሬም ዘይኮነስ ንረብሓ እቲ ስርዓት ዝተገብረ ምዝመዛ’ዩ።
እቶም ብኤይ፡ኣይ (AI) ዝፍጠሩ ቪድዮታት ንክብሪ ናይ ስብሓት ዝዓለሙ ኣይኮኑን፤ እንታይ ደኣ ንዕኡ ከም መሳርያ ክጥቀምሉ ዝተዳለዉ እዮም። ምስሉ፡ ሕድሩ፡ ምሳሌኡ፡ ሃገራዊ ክብደቱ – መዝሚዞም ኣንጻር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት ንምክያድ ዝግበር ፈተነ ጥራይ እዩ። እዚ ዝንቡዕ ላግጺ’ዩ። እዚ ንሓደ ክቡር ጀነራል ናብ ዲጂታላዊ ባምቡላ ዝቐየረ ጂኦፖለቲካዊ ቃርሳ’ዩ። እዚ ድሕሪ ሞት እቲ ስርዓት ንጀጋኑ ዘቕርቦ ፖለቲካዊ ህይወት እዩ።
ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ምጥቃም ነቲ ውርደት ኣዝዩ የዕምቖ። እዚ ናይ ኤ፡ኣይ ምህዞን ፈጠራን መሳርሒ፡ ምትላልን ናብ ናይ ሓሶት ሓበሬታ መጠምዘዚ ንዋት ይቕየር። ንሓደ ክምስክርን፣ ክሰምዕን፣ ክዛረብን ዘይክእል፡ እንስሳዊ ሰብ፣ ንናይ ገዛእ ርእሱ ሕድሪ/ለጋሲ ክከላኸል ዘይክእል ሰብ ምስሊ ህያው ጌርካ ናይ ምጥቃም’ዩ። እዚ ኣብ ልዕሊ ኣካላዊ፣ ዲጂታላዊ ዓመጽ፣ ዝተድረቦ ዓምጽዩ። እዚ ተግባር እዚ ድማ ሓደ መሰረታዊ ሓቂ ይገልጽ። ስርዓት ህግደፍ ተኣማንነት ዘለዎም ህያዋን ሰባት ወዲኡ: ናብ ገጽ ዘይብሎም ምስልታት ይምለስ ምህላዉ’ዩ።
ንኤርትራውያን-ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ዲያስፖራ-እዛ ህሞት እዚኣ ብስቕታ ክትሓልፍ የብላን። እቲ ቃልሲ ፖለቲካዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ሞራላዊ ምዃኑ ዘዘኻኽር እዩ። ሓቂ ንባዕላ ኣብ ትሕቲ መጥቃዕቲ ከምዘላ ዘዘኻኽር እዩ። ክብሪ ህያዋንን ዝሞተን ህዝብና ድማ ካብቶም ንስልጣን ከም መሳርያ ዝጥቀምሉ ሓይልታት ክሕሎ ከም ዘለዎ ዘዘኻኽር እዩ። ስብሓት ኤፍረምን፣ ስድርኡን፡ ህዝቢ ኤርትራን ዝሓሸ ክብሪ ይግብምኦ’ዩ። ኣንፈት ምስ ሓቅን ክብርን ኣንጻር ምዝመዛን፣ ኣብ ምዝመዛ ውጹዓትን ደው ይብል። ብንጹር ድማ ንህያዋን ዝፈርሕን፣ ረዳኢ ዘይብሎም ዝብድህን ስርዓት ድኽመቱ ድሮ ባዕሉ ተኣሚኑ ከም ዘሎ ንፈልጥ።






