ርእሰ ዓንቀጽ ኣንፈት – 23 ጥሪ 2026
መርዓ ካብቶም ብፖለቲካ ክትንከፍ ካብ ዝይብሉ ናይ መወዳእታ ቦታታት ህይወት ኤርትራ እዩ። ሓጐስን ስድራን ባህልን ልዕሊ ክብደት ፖለቲካዊ ግርጭታት ቀዳምነት ዝረኽብሉ ውራይ እዩ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ግን እዞም ቅዱሳት ውራያት እዚኣቶም ከይተረፉ ብሓይሊ ናብ መድረኽ ፖለቲካዊ ምትፍናን ይጎተቱ ኣለዉ። እቲ ናይ ፍቕሪ ጽምብል ክኸውን ዝግብኦ ኣብ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ኣብ ልዕሊ ባንዴራታትን መንነትን ጸቕጢ መንግስትን ናይ መወዳእታ ሜዳ ውግእ ኮይኑ ኣሎ። ኣንፈት እዚ ምትእትታው እዚ ብቕልጡፍ ደው ክብል ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለዎ። 
ባንዴራታት ስልማት ኣይኮናን። ንህዝቢ ኤርትራ ዝቐረጹን ዘቑሰሉን – ፖለቲካዊ መሳርሒ፡ ምልክት ስልጣን፡ መዘኻኸሪ ታሪኻዊ ዘመናት እዮም። ባንዴራ ናብ ኣዳራሽ መርዓ ምስ ኣተወት ከም ንጽህቲ ቁራጽ ጨርቂ ኣይትመጽእን እያ። ክብደት ታሪኽን፡ ስልጣን መንግስታትን፡ ከምኡ’ውን ኣጀንዳታት ናይቶም ኣብ ናይ ብሕቲ ኣጋጣሚ ፖለቲካዊ መንነቶም ክጽዕኑ ዝደልዩ ሰባት ሒዛ እያ ትመጽእ። ዝኾነ መርዓዊ ይኹን መርዓት: ኣብ መዓልቲ መርዕኡ/ኣ ነዚ ጾር’ዚ ክስከሙ ክግደዱ የብሎምን። እዚ ጉዳይ ንምንታይ ከም ዝተጀመረ ንምርዳእ፡ ነዊሕን ዝተሓላለኸን ታሪኽ ባንዴራታት ኣብ ህይወት ኤርትራ ክንርዳእ ኣለና። ኤርትራውያን ንልዕሊ ሓደ ዘመን ኣብ ትሕቲ ዘይመረጽዎ ባንዴራታት ይነብሩ ነበሩ። ኢጣልያ ብ1890 ንኤርትራ መግዛእቲ ምስ ኣወጀት ሰለስተ ሕብሩ ባንዴራኣ ተኺላ ብሓይሊ ትገዝእ ነይራ። እንግሊዛውያን ኣብ 1941 ንኢጣልያውያን ምስ ሰዓሩ፡ ባንዴራ ዩኒየን ጃክ ተኪኣ ሓድሽ ምዕራፍ ባዕዳዊ ዕብለላ ኣበገሰት። ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ቆሪና፡ ኤርትራ ክልተ ባንዴራታት – ሓደ ናይ ገዛእ ርእሳ ሰማያዊ ባንዴራ ጎኒ ንጎኒ ባንዴራ ኢትዮጵያ – ኣብ ትሕቲ ተነቃፊ ምሕደራዊ ኣሰራርሓ ክሳብ 1958 ትወርድ፡ ሃጸያዊ ባንዴራ ብሓደ ወገን ባንዴራ ኤርትራ ከኣ በቲ ካልእ ወገን ክትስቀል ጸንሐት። ኣብ ኣስመራን ከረንን ኣዳራሻት ከኣ መርዓ ከይተረፈ ከም ፖለቲካዊ መልእኽቲ ብባንዴራ ኢትዮጵያ እናተሰለመ: ፈደረሽን ሞይቱ : ኤርትራዊ መንነት ከኣ ምስኡ ተሰረዘ።
ስዒቡ ዝመጸ ዓመታት ናይ ተቓውሞ ዓመታት እዩ ነይሩ። ኤርትራውያን ዕጥቃዊ ቃልሶም ብ1961 ብዘይ ወግዓዊ ሃገራዊ ባንዴራ ዝጀመሩ እኳ እንተኾኑ፡ ኣብ ሓንቲ ናይ ምምላስ ሕልሚ ግን ተጠርኒፎም። ኤርትራ ብወግዒ ብኢትዮጵያ ኣብ 1963 ምስ ተሓወሰት ባንዴራ ኢትዮጵያ ክሳብ ናጽነት ኣብ 1991 እንኮ ሕጋዊ ምልክት ኮይና ቀጸለት። ኣብቲ ናይ ሓርነት ዓመታት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ሰማያዊት ባንዴራ ኤርትራን ናይ ገዛእ ርእሶም ብጫ ኮኾብ-ዘላታ ኣርማ ሒዞም ብምንቅስቓስ ይነጥፉ ነበሩ። ኣብ 1993 ድሕሪ ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ኤርትራ ግን፡ ብዘይ ምምኽኻር፡ ረፈረንደምን (ህዝባዊ ተሳትፎን)፡ ህዝባዊ ክትዕን ሓዳስ ሃገራዊ ባንዴራ ተጻዒና። እታ ብዘይ ሕጋዊ መስርሕ ዝተጻዕነት ባንዴራ ስለ ዝነበረት፡ ኤርትራውያን ብዘይ ሕቶ ክቕበልዋ ትጽቢት ይግበር ነይሩ።
እዚ ታሪኽ እዚ ኣገዳሲ ዝኾነሉ ምኽንያት ባንዴራታት ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ስለምንታይ ገለልተኛታት ከምዘይኮና ዝገልጽ እዩ። ምስ ዕብለላ፣ ተቓውሞ፣ ስንባደ፣ ፖለቲካዊ ምቁጽጻር ዝተኣሳሰሩ ኣመጻጽኣ ስለ ዘለዎ! ኣብ ገሊኦም ትምክሕቲ፡ ኣብ ገሊኦም ቃንዛ፡ ኣብ ብዙሓት ድማ ጥርጣረ የለዓዕሉ። ካብ ዝጥርነፉ ንላዕሊ ይበታተኑ። ልክዕ ነዚ እዩ ከኣ ኣብ ኣዳራሻት መርዓ ቦታ ክህልዎም ዘይግባእ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዲያስፖራ ብዛዕባ ባንዴራታት ዝተራእየ ግጭት መቐጸልታ ናይዚ ነዊሕ ታሪኽ እዩ። ተቓወምቲ ንዓመታት ነታ ናይ 1993 ባንዴራ ዕሽሽ ብምባል ኣብ ክንድኡ ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳ ኣድሂቦም ኔሮም። ኣብ 2023 ግን ምንቅስቓስ መንእሰያት “ብርጌድ ንሓመዱ” ብውዕዉዕ ስምዒት ነታ ሰማያዊት ባንዴራ ኤርትራ ዳግማይ ኣበራቢርዋ። ምልክት ባህላዊ ሓበንን ወለዶኣዊ ምሕዳስን ኰነ- ሰላማውን ህያውን መግለጺ መንነት ጌሩ ከኣ ኣንበልበላ። ስርዓት ህግደፍ ሰንበደ። መልሱ ቅልጡፍን ክትግምቶ ዝከኣልን እዩ ነይሩ: ነቲ ሰማያዊ ማዕበል ንምዕብላል ኣብ ዝግበር ፈተነ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ማሕበረሰባት ንባነራት ፕሮፖጋንዳ ሶቭየት ብዘዘኻኽር ብዝሒ ብቀያሕቲ ባንዴራታት፣ ኣዕለቕለቖ።
ብሃንደበት ከኣ ናይ መንእሰያት ባህላዊ ትንሳኤ ናብ ፖለቲካዊ ምትፍናን ተቐየረ። ካብኡ ዝገደደ ድማ ሜዳ ናይዚ ግጥምያ’ዚ ኣብ ኣዳራሽ መርዓ ተቓለዐ።
ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ማሕበረሰባት ኤርትራ፡ “ባንዴራ-ገይት”(ዎተር ገይት ንምምሳል) ተባሂሉ ዝፍለጥ ዘሰክፍ ተርእዮ – መጻምድቲ ኣብ መሮዐኦም ባንዴራ መንግስቲ ከልዕሉ ንምስግዳድ ዝግበር ፈተነታት ተራእዮም እዮም። እዚ ጸቕጢ’ዚ፡ ስነ-ስርዓት መርዓ ክናዋሕ፡ ስድራቤታዊ ቅርሕንቲ ፈጢሩ፡ ንመርዓውን መርዓትን ስነ-ኣእምሮኣዊ ጭንቀት ኣስዒቡ፡ ናይ ሓጐስ ህሞታት ናብ ፖለቲካዊ ግጭት ዝቕይር ሃዋህው’ዩ ፈጢሩ። እቲ ዝበዝሐ ኤርትራዊ – ብፍላይ መንእሰያት – ምስዚ ዝኾነ ርክብ ክህልዎ ኣይደልን እዩ። ሙዚቃን ፍቕርን ጽምብልን እምበር ፖለቲካዊ ኣስገዳድ ኣድላዪ ኣይኮነን።
ብምኽንያት ሰማያዊ ባንዴራ፡ ኣብ ሓንቲ መርዓ እውን ይኹን ዝተፈጥረ ሽግር ከምዘየለ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ኩሉ ምዝንባላት ብጸቕጢ፡ ብፍርሒ ወይ ብግዴታ ባንዴራ መንግስቲ ንምጽዓን ካብ ዝግበር ፈተነታት ዝመጸ እዩ። እዚ ሃገራውነት ኣይኮነን። ኣብ ውልቃዊ ህይወት ፖለቲካዊ ምትእትታው እዩ።
መርዓ ፖለቲካዊ ምትእኽኻብ ኣይኮነን። ረፈረንደም ኣይኮነን። ኣብ መንጎ ቀይሕን ሰማያውን ሜዳ ውግእ ኣይኮነን። ክልተ ስድራ ዝጥርንፍን መጻኢ ክልተ መንእሰያት ዘኽብርን ቅዱስ ማሕበራዊ ኣጋጣሚ እዩ። ተራ ሕብረተሰብ ንመርዓውቲ ምድጋፍ እምበር ጸቕጢ ምግባር ኣይኮነን። ዝኾነ ባንዴራ ክረአ እንተዘይደልዮም፡ እዚ ክኽበር ኣለዎ። ገለልተኛ ስልማት እንተደልዮም፡ እዚ’ውን ክኽበር ኣለዎ። ጽሩይ ባህላዊ ጽምብል እንተመሪጾም ከኣ ፡ ንሱ’ውን ክኽበር ይግባእ። መንግስቲ ይኹን ተቓወምቲ መዓልቶም ክጨውዩ መሰል የብሎምን።
ማሕበረሰባት ኤርትራ ኲናት፡ ምምዝባል፡ ስንባደ፡ ፖለቲካዊ ምፍልላይ ተጻዊሮም እዮም። መርዓታት ሓደ ካብቶም ውሑዳት ሰባት ናይ ሓድነት ስምዒት ክስምዖም ዝኽእል ቦታታት ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ፖለቲካ ኣብዚ ቦታ ክኣቱ ከሎ፡ ኩርዓት ዘይኮነስ- ዘይምስምማዕ እዩ ዘምጽእ። ንመርዓታት ፖለቲካዊ ህሞት ምግባር ምትእምማን ሕብረተሰብ የዳኽም፣ ናይ ወለዶ ክፍተት የዕምቚ፣ ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ምፍልላይ የጋድድ፣ ሓጎስ ናብ ጭንቀት ይቕይር። እዚ ባህልና ኣይኮነን፡ ምስ ክብርታትና እውን ኣይሰማማዕን እዩ።
ኣንፈት ንኹሉ ኤርትራዊ – ፖለቲካዊ ዝንባለኡ ብዘየገድስ – ክብሪ ማሕበራዊ ህይወትና ክንሕሉ ይጽውዕ። ናብ ኣዳራሻት መርዓ ባንዴራ ምምጻእ ነቋርጽ። ንመንእሰያት ጸቕጢ ምግባር ነቋርጽ። ፖለቲካዊ ውግኣት ናብ ስድራቤታዊ ጽምብል ምምጻእ ነቋርጽ። ሓጎስ ናብ ግርጭት ምቕያር ነቋርጽ።
መርዓ መርዓ ኮይኑ ይተርፍ።
ፍቕሪ ፍቕሪ ይኹን።
ስድራቤታት ብዘይ ፍርሒ፡ ጸቕጢ፡ ወይ ፖለቲካዊ ምትላል የብዕሉ።
ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራ ነዊሕን መሪርን ዝተሓላለኸን እዩ። ባንዴራታት ንዕብለላን ንምክፍፋልን ንምቁጽጻርን መሳርሒ ኮይነን እየን። መርዓታትና-ማሕበራዊ ጨርቂና ግን ካብዚ ግርጭት ወጻኢ ክጸንሕ ኣለዎ። እዚ ድማ ንመንእሰያትና፣ ንማሕበረሰብና፣ ኣብ ክብረትና ግዴታ እዩ።
ካብ ታሪኽ ክሳብ ኣዳራሻት እቲ መልእኽቲ ንጹር እዩ፡ ፖለቲካ ካብ መርዓታት – ቀይሕ ይኹን ሰማያዊ – ኣርሕቑ። መርዓውን መርዓትን መዓልቶም የስተማቕሩ።
ኤርትራዊ ሓጎስ ድማ ናጻ ይኹን።






