ኣብ ገምገም ጸድፊ ዘላ ዞባ፡ ኤርትራውያን ንቑሓትን ብሓድነትን ክጸንሑ ኣለዎም

ርእሰዓንቀጽ ኣንፈት-16 ለካቲት 2026

ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ ኣዝዩ እናወሰኸ ብምምጽኡ፡ ክልቲኦም ወገናት ይካሰሱን ወተሃደራዊ ድልውነታቶም ከኣ ኣብ ሓደ ካብ’ቲ ኣዝዩ ተሃዋሲ ዝኾነ ዶባት’ቲ ዞባ የዕብዩን ኣለዉ። ክልቲኦም ወገናት ብወግዒ ኲናት ኣይኣወጁን፡ እቲ ቅዲ ግን ንጹር እዩ፡ ናይ ጸርፊ ቃላት ኣትሪርካ ምድርባይ ምስ ዝጅምርን፡ እቲ ሓደጋታት ናይ “ዘይሓሰብካዮ ርኸብ” ዝብል ዕድላት ይውስኽ። ንኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን እዚ ህሞት እዚ ንጹርነትን ስነ-ስርዓትን ዝሓትት ህሞት እዩ። ፍርሒ፡ ግጉይ ሓበሬታ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝግበር ግምታት ንኣረዳድኣና ክቐርጽ ክፍቀደሉ ኣይክእልን እዩ። እቲ ዕዳ ኣዝዩ ልዑል እዩ፣ ስምዒታዊ ምፍንጃር ወይ ዘይተኣማመን ኣበሃህላታት እውን ቦታ ክህልዎ የብሉን።

እዚ ቅልውላው ሓድሽ ኣይኮነን፤ ሱሩ ተክል እዩ- ዘይተፈትሐ ፖለቲካዊ ክርክር፣ ዘይርጡብ ምሕዝነት፣ ከምኡ እውን ዘይተወድአ ሕድሪ ድሕሪ ግንባር ትግራይ ዘመን ምውሳኽ የጋድዶ። ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ውሽጣዊ ምብትታንን ኣብ ኤርትራ ቀጻሊ ናይ ምግጣም ፖለቲካን፡ ሓደ ግጉይ ስጉምቲ ዝሰፍሐ ግጭት ከቃጽለሉ ዝኽእል ሓደገኛ ሃዋህው ፈጢሩ ኣሎ። ከም ወትሩ ዋጋ ዝኸፍሉ ተራ ዜጋታት/ህዝቢ እዮም። ኤርትራውያን ደሞክራስያውያን ሓይልታት ናብቲ ዕማምዚ ብእድህቦ ክለዓሉ ኣለዎም። ምፍልላይን ስቕታን ድሕሪ ሕጂ ኣማራጺ ኣይኮነን። እቲ ናይ ሓባር ዲፕሎማስያዊ ጉጅለ-ፖሓኤ, ኤሃባደለንን ኤልደለን-ብቕልጡፍ ክወሃሃድን ንዞባውን ኣህጉራውን መሻርኽቲ ብሓደ ድምጺ ክዛረብን ክኽእል ኣለዎ።

ኣብ ኢጋድ ዘሎ ባዶነት ሓደ ካብቲ ዝደኸመ ነጥብታት ፖለቲካዊ ስጉምቲ ኤርትራ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ንዓመታት ኣብ ዲፕሎማሲ ኢጋድ ተኣማንነት ዘለዎ ኤርትራዊ ህላወ ዘይምህላዉ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ትረኻ ክቆጻጸሮን ዜጋታት ኣብ ዞባዊ ዘተ ከይውከሉ ክተርፍን ኣኽኢልዎም እዩ። እዚ ባዶነት እዚ ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪ፡ ጸጥታ ባሕሩን ጂኦፖለቲካ ምብራቕ ኣፍሪቃን ሓቀኛ ኣፍልጦ ዘለዎም ክኢላታት ብቕልጡፍ ክምላእ ኣለዎ። ተራኦም ምሳልያዊ ኣይኮነን-ስትራተጂካዊ እዩ። ህድኣትን ስነ-ስርዓትን ድልውነትን ንጽውዕ። እቲ መሪሕነት ምዕባለታት ብቐረባ ክከታተል፣ ዲፕሎማስያዊ መስመራት ከሐይል፣ ህዝብና ካብ ስንባደን ምትላልን ክከላኸለሉ ይግባእ። ህድኣት ማለት ዕግበት ማለት ኣይኮነን፤ ድልውነት ማለት እዩ።

ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ መስቀላዊ መንገዲ ደው ኢላ ኣላ። መትከላዊ ኣመራርሓን ዝተዋደደ ስጉምትን ኤርትራውያን ነዚ ሓደገኛ ምዕራፍ ብንጹርን ቆራጽነትን ክጓዓዙ ይኽእሉ። ኣንፈት ኣብ ፍርሒ ዘይኮነስ ኣብ ሓቅታት ዝተመርኮሰ ትንታነ ምሃብ ክቕጽል እዩ።

 

  • Related Posts

    الوساطة بلا احترام هي دبلوماسية بلا مصداقية

    افتتاحية ANFET 4 أبريل 2026 الوساطة ليست عرضًا مسرحيًا. إنها مسؤولية. وفي أكثر النزاعات الإفريقية حساسية — بما في ذلك نزاع النيل — تُكتسب المصداقية من خلال الاحترام، والمعرفة الإقليمية،…

    ኣኽብሮት ዘይብሉ ሽምግልናን ተኣምንነት ዘይብሉ ዲፕሎማስን ሓደ’ዩ!

    ርእሰ-ዓንቀጽ ኣንፈት ሚያዝያ 4, 2026 ዓ.ም ሽምግልና ሓላፍነት እምበር፣ ትያትራዊ ምርኢት ኣይኮነን። ኣብ’ቲ ኣዝዩ ተሃዋሲ ግጭታት ኣፍሪቃ- እንተላይ ክርክር ፈለግ ኒል- ተኣማንነት ዝረክብ ብኣኽብሮትን፡ ዞባዊ ፍልጠትን ንጹር ተወፋይነትን ዘይሻራዊነትን እዩ።…

    Leave a Reply

    Your email address will not be published. Required fields are marked *