ርእሰ–ዓንቀጽ ኣንፈት – 1 ግንቦት 2026
ኤርትራውያን ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝኽውን ናጻ ህዝቢ ክሽከሞ ዘይግባእ ጾር ተሰኪሞም ጸኒሖም እዮም። ንሱ ድማ ናይ ንገዛእ ርእሱ መንግስቲ ናይ ምድሓን ጾር እዩ። እቲ ኣብ ሓደ እዋን ምልክት መስዋእትን ሓድነትን ጅግንነታዊ ተቓውሞን ዝነበረ ህዝቢ፡ ሕጂ ህዝቡ ኣብ ኣህጉራት ፋሕ ኢሉ፡ ኣንጻር’ታ ንዓኣ ትውክሎ እያ እትብል ሃገር ንነብሱ ክከላኸል ተገዲዱ ይርከብ።
ሎሚ ግን ሓድሽ ምዕራፍ ይጽሓፍ ኣሎ- ኣብ ኣስመራ ዘይኮነስ ኣብ ዲያስፖራ።
ብፍርሒ ዘይኮነስ ብሓባራዊ ትብዓት ዝተገልጸ ምዕራፍ።
ብምብትታን ዘይኮነስ ብታሪኻዊ ሓድነት እዩ።
ኣብዚ ሰሙን’ዚ፡ ሓይልታት ፍትሒ ኤርትራ፡ ስግረ-ዶባዊ ጭቆን ንምምካት ዝዓለመ ውሁድ ሓይሊ ዕማም ከም ዘቖመ ኣፍሊጡ፡ እዚ ድማ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ማሕበረሰባት ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም መርበባት ስርዓት ህግደፍ ዝፍጽሞ ምፍርራሕን ምትእትታውን ዘይሕጋዊ ምግፋዕን ንምክልኻል ዝተዳለወ ኣወሃሃዲን ስርሒታዊ ኣካልን ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እዚ ውደባዊ ዓወት ጥራይ ኣይኮነን።
እዚ ሃገራዊ ህሞት እዩ።
ስልጣኑ ኣንጻር ናይ ገዛእ ርእሱ ህዝቡ ዝቐየረ ስርዓት።
ኣብ ኩሉ ቦታታት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ንልኡላውነት ዓዶምን ግዝኣታዊ ሓድነትን ደው ክብሉ እንከለዉ፡ ስርዓት ህግደፍ ዝተፈለየ ዓውደ ውግእ መሪጹ።
ኣብ ክንዲ ንህዝቢ ሓይሊ ዝህብ፡ ንዕኡ ዒላማ ገይሩ።
ኣብ ክንዲ ትካላት ዝሃንጽ መርበባት ምክትታል ሃኒጹ።
ንማሕበረሰባት ኣብ ክንዲ ዝጥርንፍ፡ ብስምዒት፡ ብገንዘብን ብማሕበራዊ መዳይን ፈላልይዎም እዩ።
ኣብ መላእ ዲያስፖራ ድማ “ራብዓይ ግንባር” ስርዓት ህግደፍ ብመገዲ፤
- ብመንገዲ ኤምባሲታት ዝቐንዐ ምፍርራሕ
- ዘይሕጋዊ ግብሪን ምጭብርባርን
- ሃይማኖታውን ማሕበራዊ ሚድያን መድረኻት ምጥፍፋእ
- ብኢንተርነት ዝግበር ናይ ሓሶት ሓበሬታን ምጽላምን ጎስጓሳት
- ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ ስድራቤታት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ
- ሳይበር ምግፋዕን ዝተዋደደ ናይ ምጽላም ጎስጓሳትን።
- ንደለይቲ ፍትሒ ትም ንምባል ሕጋዊ መድረኽ ስርዓታት መንግስቲ ምምዝማዝ
እዚኦም ተነጺሎም ዝፍጸሙ ግህሰታት ኣይኮኑን።
ኣካል ናይቲ ስርዓታዊ፡ ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ዘለዎ ቅዲ ስግረ-ዶባዊ ጭቆና-ኤርትራውያን ኣብ ዝሃለውዎ ስቕ ንምባል ዝተዳለወ ስልቲ እዩ።
ዲያስፖራ ግን ድሕሪ ሕጂ ምክልኻል ዘይብሉ ኣይኮነን። ኣብ ሓድነት ዝተፈጠረ ዋልታ ኣዳልዩ ኣሎ
እዚ ሓድሽ ሓይሊ ዕማም፡ ንሓሙሽተ ኤርትራውያን ደገፍቲ ፍትሒ ማሕበራት- ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጥን፡ ኤርትራዊ ልፍንቲ ንደሞክራሱያዊ ለውጥን፡ ውድብ ሓድነት ኤርትራን፡ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክልን ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱን፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ዘይነበረ ውሁድ መሓውር ዘራኽብ መስመር እዩ።
ንመጀመርታ ግዜ ኤርትራውያን ሲቪላውን ፖለቲካውን ተዋሳእቲ፡ ክሰርሕ ዝኽእል ሓባራዊ ናይ ምክልኻል ስነ-ህንጻ ይህንድሱ ኣለዉ፤
- ምክልኻል ደለይቲ ፍትሕን ማሕበረሰባትን።
- ምስ ስርዓት ዝተኣሳሰሩ ክስታት ሕጋዊ መከላኸሊ ምድጋፍ
- ናይ ምእታው መርበባት ምቅላዕ
- ኣህጉራዊ ምጉስጓስ ምውህሃድ
- ኣብ ውሽጢ ዲያስፖራ ምትሕግጋዝ ምጥንኻር
- ምሕላው ሲቪካዊ ቦታን ዲሞክራስያዊ መሰላትን።
እዚ ምሳልያዊ ምሕዝነት ኣይኮነን።
ንጹር ስልጣንን፣ ዝተነጸረ ኮሚቴታትን ናይ ሓባር ተልእኾን ዘለዎ ስርሒታዊ ኣገባብ እዩ፤
ንነዊሕ እዋን ንኤርትራውያን ማሕበረሰባት ሓኒቑ ዝጸንሐ ናይ ፍርሒ ማሽን ምፍራስ እዩ።
ፌደራላዊ ክሲ ኣብ ልዕሊ 13 ኤርትራውያን: ጻውዒት ንቕሕት ኣኸቲሉ።
ስርዓት ህግደፍ ዓሰርተ ሰለስተ ኣባላት ደጋፊ ፍትሒ ሓይልታት ናብ ፌደራላዊ ቤት ፍርዲ ንምስሓብ ዝገበሮ ፈተነ ንዲያስፖራ ንምፍርራሕ ዝዓለመ’ዩ ነይሩ።
ግን ብኣንጻሩ ውጽኢት እዩ ነይርዎ—
እዚ ሕጋዊ መጥቃዕቲ’ዚ ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ደረጃ ሓደጋ ኣቃሊዑ፡ ዝተዋደደ ምላሽ ህጹጽ ከምዘድሊ ኣጉሊሑ’ሎ።
ስቕ ምባል ድሕነትካ ምሕላው ማለት ከምዘይኮነ ንኤርትራውያን ኣዘኻኺሩ።
እቲ ገለልትነት/ንውትራሊቲ ነፍሰ መከላኸሊ ድርዐ ኣይኰነን።
“ኣብ ማእከል መንገዲ” ደው ምባል ድሕሪ ሕጂ ኣማራጺ ከምዘይኮነን።
ንብዙሓት ዓመታት፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ምስ መንግስት፡ ኣይ ምስ ተቓወምቲ ኣብት ንፍትሒ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ቃልሲ ከይተሳተፉ ገለልተኛታት/ንውትራል ኮይኖም ክቕጽሉ ፈቲኖም ኣዮም። እዚ ቦታ’ዚ ሕጂ የለን ፈሪሱ ወይ ነፊኡ’ዩ።
መንግስቲ ኣብ ድያስፖራ ዘለዉ ዜጋታቱ ዒላማ ኣንተድእ ገይሩ
ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ስድራቤታት ጸቕጢታት ዝገብረሎም ተኾይኑ
ኣብ ኣብያተ ቤተክርስትያናትን ማሕበር መን/ኣሰያትን፡ ማሕበረኮማት ሰሊኹ ብምእታው ዝጸናጸን ተኾይኑ
ሕውነት ጎረባብቲ ዝመቓቕል፡ ፋይናንሳዊ ዓቕምታቶም ዘሕጉል ተኾይኑ
ድሕሪዚ፡ ትም ምባል ማለት ኢድካ ምሃብ ማለት’ዩ
እዚ ርእሰ-ዓንቀጽ እዚ ንኹሎም’ቶም ተጠራጠርቲ ኤርትራውያን፡-
ህዝብኹም ይደልየኩም’ዩ፡ ክብረትኩም ይደልየኩም’ዩ ታሪኽኩም ይደልየኩም’ዩ ይብሎም
ድሕሪ ሕጂ ፍትሒ ንምርካብ ዝግበር ቃልሲ ናይ ውሑዳት ተንቀሳቐስቲ/ኣክቲቪስትስ ስራሕ ጥራይ ኣይኮነን፡
እዚ ሓልፍነት እዚ ናይ ኩሎም’ቶም ኣብ ናጻነትን ሓድነትን ኣብ መጻኢ ናይ ሃገረ ኤርትራ ዝኣምኑ ኤርትራውያን ሓላፍነት እዩ።
መልእኽቲ ናብ ስርዓት ህግደፍ፡ ድሕሪ ሕጂ ዲያስፖራ መከላኸሊ ዋልታ ዘይብሉ ኣይኮነን።
ንዓሰርተታት ዓመታት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምብትታን ማሕበረሰብና ተመርኲሱ’ዩ
ኣብ ፍርሒ ተጸጊዑ እዩ።
ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ፈጺሞም ኣይሓብሩን እዮም ኣብ ዝብል እምነት ተጸጊዑ’ዩ።
እቲ ዘመን ሕጂ ሕጂ ኣብቂዑ እዩ።
ምቛም እዚ ሓይሊ ዕማም እዚ ሓድሽ ክውንነት ዘመላኽት ስጉምቲ እዩ፤
ኤርትራውያን ካብ ምፍርራሕ ዝሓየሉ ትካላት ይሃንጹ ኣለዉ።
ኣብ መላእ ኣህጉራት ዓለም ይውደቡ ኣለዉ።
ንሓድሕዶም ይከላኸሉ ኣለዉ።
ድምጾም መሊሶም ክጥቀምሉ ወሲኖም ኣለዉ።
ነቲ ስርዓት ህግደፍ ነዊሕ ዝብሎ ቅልጽም ወይ ኢድ፡ ካብኡ ዝነውሐ ተቓውሞ ኣጋጢምዎ ኣሎ። እዚ ትንሳኤዚ ኣብ ሓድነትን ክብረትን ልዑል መንፈስን ናይ ሓደ ተዳሂሉ ስቕ ምባል ዝኣበየ ህዝብን ዝተሰረተ ተቓውሞ እዩ።
ሓድሽ ወጋሕታ ንዲሞክራሲ ኣብ ዲያስፖራ።
እዚ ሓይሊ ዕማም’ዚ መወዳእታ ናይ ቃልሲ ኣይኮነን። እንታይደኣ-
መጀመርታ ሓድሽ ምዕራፍ እዩ- ምዕራፍ ናይ ምውህሃድን ምክልኻልን ሓባራዊ ሓይልን እዩ።
መድረኽ ኤርትራውያን በበይኖም ፈልዩ ጭቆና ዘኽትመሉ ምዕራፍ።
ውግእ ንፍትሒ ብስትራተጂ፣ ብስኒት፣ ብትብዓት ዝካየደሉ ምዕራፍ።
ህዝቢ ኤርትራ ክዝረብ ዘይክእል መከራ ተጻዊሩ እዩ። ተስፋ ግን ቆሪጹ ኣይፈልጥን።
ሎሚ ድማ በዚ ውሁድ ጻዕሪ ነቲ ዕርፊ ዳግማይ ዓትዒቱ ሒዝዎ’ሎ።
ዲያስፖራ ይለዓል ኣሎ።
ህዝቢ ይጥርነፍ ኣሎ።
መጻኢና ድማ – ድሕሪ ነዊሕ እዋን ንፈለማ እዋን – ኣብ ኢድና ዝምለስ ዘሎ ይመስል።
ጽን ኢልኩም ስለ ዝተኸታተልኩምና ነመስግን
ርእሰ-ዓንቀጽ ኣንፈት – 1 ግንቦት 2026


