መግለጺ እዋና (EWANA) ብምኽንያት መበል 34 መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ

ማህበር ደቂ ኣንስትርዮ ኤርትራውያን ኣብ ሰሜን ኣመሪካ (እዋና) ብምኽኒያት 24 ጉንቦት፡ መበል 34 በዓል መዓልቲ ነጻናት ሃገርና ኤርትራ፡ ንኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ንዝርከብ ህዝብና ዮሃና እናበልና ሓጎስና ንገልጽ። ደጊምና ከኣ እንኳዕ ነዚ መዓልት’ዚ ኣብቅዓና ንብል
ሃገራዊ ነጻነትና መላእ ህዝባ ብሓደ ድምጺ ኣይግዛእን ብምባል ተላዒሉ፡ ዝተሓልላኸ ቃልሲ ሰጊሩ፡ ማእለያ ዘይብሉ ውዲትታት ኣፍሺሉ፡ ብዓቕሚ ኣዚዮም ንዝተዓጻጸፉና ሓይላታት ስዒሩ ዝበጻሖ ታሪኻዊ ዓወት እዩ።
ብረት ዓጢቖም ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝገጠሙ ተጋደልቲ ጥራሕ ዘይኮነ: ኣብ ገጠራትን፡ ከተማታትን: ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ዝተሰደደን ህዝብና ብንዋቱን ክእለቱን ሰውራ ከም ዉላዱ ዓንጊሉን ሓብሒቡን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ዘበርከተሉ ኣዩ። ድሕሪ’ዚ ኩሉ ግድላትን መስዋእትን ዝበጻሕናዮ ታሪኻዊ ዓወት፡ ከም ካብ ስውኣትና ዝተዋህበና ህያብ ክንርእዮን፡ ወትሩ ክንጽብሎን ከኣ ግቡእና እዩ፡፡
ኣብ’ዚ ምእንቲ ነጻነት ኤርትራ ዝተኻየደ ቓልሲ ጓል ኣንስተይቲ ኤርትራ፡ ኣብ ዓውደ ዉግእ ቅያ ሰሪሓ ተሰዊኣን ሰንኪላን: ኣብ ሓራ ዝወጸ መሬትን ገጠራትን ዝነበረት ክኣ ኣብ ተጋደልቲ ምዓንጋልን፡ ዉጉኣት ምህብሓብን ክይትሓጽረት ናብ ከተማታት ብምምልላሰ ዝድነቕ ናይ ስለያ ስራሓት ፈጺማ። እታ ኣብ ኢድ ጸላኢ ዝነበረት ብምስጢር ተወዲባ ብዘደንቕ ኣገባብ ባዕዲ ብዉሽጡ ከምዝቡኽቡኽ ጌራ። እታ ኣብ ስደት ዝነበረት መሪር ናይ ስደት ሂወት ተጻዊራ
ሓላፍነት ናይ ምእላይ ስድራቤታ ተሰኪማ ከይኣክል ኸዲማ ሰውራ ዓንጊላ። ተራ ጓል ኣንስተይቲ ዘርዚርካ ስለዘይዉዳእ ንምጥቕላሉ ከም ዓንዲ ማእከል ኩሉ ጽዕነት ኣብ እንግዳኣ ተሰኪማ ልዑላውነት ሃገርና ክረጋገጽ ልዑል ተራ ኣበርኪታ ክበሃል ይከኣል።
ዓላማ ሰውራና ብመሰረቱ ባዕዲ ምብራር፡ ልዑላውነት ሃገርና ምውሓስ፡ቅዋማውን ፍትሓውን ስርዓት ምትካል፡ ጨቋንን ተጨቋንን ዘይብላ ህዝባ ቀሲኑ ብሰላም ዝነብረላ ብልጽግትን ምዕብልትን ኤርትራ ምህናጽ’ዩ ነይሩ። ብኣንጻሩ ዲክታቶራዊ ስረዓት ህግደፍ ነዚ ቁዱስ ዓላማታት ብምክዳዓ ንህዝብና፡ ካብ ማንም ኣብ ዝሓለፈ ታሪኹ ዝተሞከሮ ሓሳረ መከራ ንላዕሊ ኣቃሊዑ ይርከብ። ኣብ ትሕቲ ስረዓት ህግደፍ ማእሰርትን ስደትን ካብ ዝነበሮ ዝገደደላ፡ ሰብኣዊ መሰላቱ ብምሉኡ ዝጋሃስላ፡ ዘዝተወልዱ ብሽም ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ መወዳእታ ዘይብሉ ናይ ባርነት ናብራ ነፊጹ ዝሃድመላ ሃገር ኮይና ትርከብ። ሕጂ’ውን ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ኤርትራዊት ኣብ ስደት ንቅትለትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ተሳጢሓ ትርከብ።
እቲ ኩሉ ምእንቲ ነጻነት ዝተኸፍለ ሰፍ ዘይብል መስዋእትን ብርሰት ንብረትን ከይኣክል ኣብ ዞባና ብዝተፈጥረ ቅልውላው ሕጂ’ውን ሃገርና ኣብ ዉግእ ከይትኣቱ ከቢድ ስግኣት ኣሎ። ከም ወትሩ ድማ ብጨካን ምልኪ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ብሓፈሻ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ድማ ብፍላይ፡ ግዳይ ከም ዝኾና ተመኩሮ ዓለምና ዘረጋግጾ እዩ።
ሃገርና እንደገና ኣብ ኣዕናዊ ውግእ ከይትኣቱ ኩልና ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ብሓደ ድምጺ ኣምቢ ንውግእ እወ ንሰላም ኢልና ብሓባር ክንላዓል ንጽዉዕ። ነጻ ውደባና ውሕስነት መሰልና እዩ እሞ ሓይልና ንምሕያልን ድምጽና ንምስማዕን ኣብ ዘዘለናዮ ተወዲብና ንሓድሕድና ንራኸበሉን ንደጋገፈሉን ሃዋህው ክንፈጥር ህጹጽነት ከምዘለዎ ነዘኻኽር። ሃገርና ካብ ምልኪ ተናጊፋ ፍትሕን ሰላምን ዝሰፈና ክትክውን፡ መሰልን ክብርን ደቂ-ኣንስትዮ ክሕሎ፡ መሰልና ብቓልስና ስለዝረጋገጽን፡ ሃየ ንበገስ፡ ንወደብ፡ ንሓይል ሓቢርና ክነድምዕ።
ማሕደቂ ኣንስትዮ እዋና (EWANA)
ክብርን ሞገስን ንሰማእታት
ልዑላዊት ኤርትራ ንዘላኣለም ትንበር
24 ግንቦት 2025

  • Related Posts

    ካብ ታሪኽ ክሳብ ኣዳራሽ መርዓ፡ ኤርትራውያን ንምንታይ ፖለቲካ ካብ መርዓ ከውጽእ ኣለዎ

    ርእሰ ዓንቀጽ ኣንፈት – 23 ጥሪ 2026 መርዓ ካብቶም ብፖለቲካ ክትንከፍ ካብ ዝይብሉ ናይ መወዳእታ ቦታታት ህይወት ኤርትራ እዩ። ሓጐስን ስድራን ባህልን ልዕሊ ክብደት ፖለቲካዊ ግርጭታት ቀዳምነት ዝረኽብሉ ውራይ እዩ።…

    النظام الذي يخاف الأحياء ويستغل الساقطين

    ANFET 21 يناير 2026 رابط الموقع:   هناك لحظات تضطر فيها الأمة إلى مواجهة الإفلاس الأخلاقي الكامل لأولئك الذين يدعون حكمها. الانتشار الأخير لمقاطع فيديو تم إنتاجها بواسطة الذكاء الاصطناعي…

    Leave a Reply

    Your email address will not be published. Required fields are marked *