ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ሳልሳይ ሃገራዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ዓፋር ብኣቶ ሃለማርያም ተስፋይ ዝተዋህበ መደረ

ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ሳልሳይ ሃገራዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ዓፋር ብኣቶ ሃለማርያም ተስፋይ ዝተዋህበ መደረ

 

ዝኸበርካ ኣቶ ኣሕመድ ዩሱፍኣቦ መንበር ናይ ሃገራዊ ጉባኤ ዓፈር ኤርትራ፡ ክቡራት ኣባላት ጉባኤ፡ ክቡራት ኣጋይሽ፡ ከምኡውን ክቡራት ደቂ ሃገረይ፡

ኣብዚ ታሪኻዊ ሳልሳይ ጉባኤ ክንሳተፍ ንዝገበርኩምልና ሕያዋይ ዕድመ አመስግን። ንኤርትራ ደሞክራስያዊ መጻኢ ክህልዋ ዘለካ ዘይንቕነቕ ተወፋይነት ንዓኻን ንውድብካን ዘለኒ ዓሚቝ ኣኽብሮት ክገልጽ እደሊ። ንሲቪካዊ ጽምዶ፣ ንውክልና ሕብረተሰብ፣ መትከላዊ ሃገራዊ ዘተ እትገብርዎ ዘለኹም ተወፋይነት ንባህግታት ህዝብና ዘንጸባርቕ እዩ። ኩሉ ኤትኒካዊ ማሕበረሰብ ብማዕረ ክብሪ ዝረኣየላ፡ ብፍትሓዊ ቅዋም ዝሕሎ፡ ሃገራዊ መጻኢና ኣብ ምቕራጽ ብናጽነት ዝሳተፈላ ኤርትራ ንክትህሉ ዝምነ ኩሉ ጻዕርታት ንሙሉእ ምትሕግጋዝ ደው ኢለ ኣለኹ። ስራሕኩም ነዚ ናይ ሓባር ዕላማ ልዑል ኣበርክቶ ኣለዎ፣ ኮንግረስኩም ድማ ፍረ ዘለዎ ዘተን ቀጻሊ ዓወትን እምነየሉ።

ሎሚ ኣብዚ ክንእከብ ከለና፡ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ውሽጢ እቲ ሃብታም ብዙሕነት ህዝብና ናይ ሓድነት ኣድላይነት ብዕምቆት ከስተንትነሉ ይግባእ። ኤርትራ ወትሩ ሓይላ ካብቲ ሃብታም ስልማት ባህልታትን ቋንቋታትን ታሪኽን እያ እትረክብ። ዝተኸፋፈለ ሕብረተሰብ ኣንጻር ዝኾነ ተጻባኢ ብሓደ ደው ክብል ስለዘይክእል፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዘሎ ጸላኢ ንምስዓር፡ ሓድሕዳዊ ምክብባርናን ሓባራዊ ውሳኔናን መተካእታ የብሉን። ጭቆና ህዝብና ሓደ ዓይነት/ዩኒፎርም ኣይኮነን፤ ነፍሲ ወከፍ ሕብረተሰብ ብዝተፈላለየ መንገዲ ተሃስዩ እዩ። ጻዕርታት ነንሕድሕድካ ምክብባርን ምድናቕን ምድግጋፍንኣብ ልዕሊ ማሕበረሰባት ከባብን፡ ብሓፈሻ ሃገርን፡ ምትእምማን ንምህናጽን፡ ቁስሊ ንምፍዋስን ሓባራዊ ሃገራዊ ዕላማ ንምፍጣርን ኣገዳሲ እዩ።

ሓደ ደጊምና ከነረጋግጾ ይግባእ መሰረታዊ ሓቂ እውን ኣሎ። ንሱ ድማ፡ ኤርትራ ልኡላዊትን ናጻን ሃገር ምዃና እዩ። እዚ ሓቂ እዚ ኣብ ቻርተር ውድባትናን፣ ኣብ ልቢ ህዝብናን ሰፊሩ ስለዘሎ፡ ብንጹርን ብእምነትን ክሕሎ ኣለዎ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ኣብ መንጎ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ሲቪላዊ ሓርነታት ዘይምህላዉን ህላዌ እታ ብረሃጽን ደምን ኣዕጽምትን ኣወዳታን ኣዋልዳን ዝተፈንጀረት ናጻ ሃገረ ኤርትራን ዘሎ ፍልልይ ምሉእ ብምሉእ ከም እንፈልጥ ንዜጋታትና ከነረጋግጸሎም ይግባእ።

ካብዚ ሓሊፉኤርትራ ናጻ ኣይኮነትንዝብሉ ጭርሖታት ነዚ ዘይከሓድ ሓቂ ብቐጥታ ዝጻረሩ እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣበሃህላታት ንክውንነት ምኽሓድ፡ ንነብስኻ ምትላልን ግዳይ ናይቶም ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ሃንቀውታ ዘለዎም ጎረባብቲ ዝዝርግሕዎ መደናገሪ ትረኻታት ምውዳቕን ዝውክሉ እዮም። ናጽነት ታሪኻዊ ሓቂ ክኸውን ከሎ፡ ናጽነት/ሓርነት ዘይምህላው ግን ፖለቲካዊ ኩነታት እዩ። ንኽልቲኡ ምትሕውዋስ ሃገራዊ ቆራጽነትና የዳኽምን ነቲ ንኤርትራ ከም ልኡላዊት ሃገር ዘቖመት መስዋእቲ ድማ የባኽኖ።

ሎሚ ኩሎም ተቓወምቲ ሓይልታት ታሪኻውን ህጹጽን ሓላፍነት ተሰኪሞም ኣለዉ። ንሱ ድማ ፖለቲካውን ሲቪላውን ውደባታትና ኣብ ትሕቲ ሓደ መድረኽ/መድረኽ/ባይቶ ኮይኖምስነስርዓት ዘለዎን መትከላዊን ዕላምኡ ንምዕዋት ቆሪጹን ምጥርናፍ እዩ። ብሓድነት ጥራይ ኢና ነቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣልጊስና ንኹሉ ኤርትራዊ ማዕርነትን ፍትሕን ሓርነትን ዘውሕስ ቅዋማዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ክንትክኦ እንኽእል። ህዝብና መሰላት ዝሕለወላ፣ ብዙሕነት ዝኽበረላ፣ ኩሉ ዜጋ ኣብ ምቕራጽ መጻኢ ብናጽነት ዝሳተፈላ ዓዲ ክውንን ይግብኦ።

እዚ ዋዕላ ናይ ሓባር ተወፋይነትና ዝምስክርን ጭርሖ ሓድነት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ህይወት ቃልስናን መሰረት ዲሞክራስያዊት ናይ ጽባሕ ኤርትራን ምዃኑ ዘዘኻኽር ክኸውን ይግባእ።

የቕንየለይ። 

ሃይለማርያም ተስፋይ 

ጸሓፊኣንፈት ዶት ኔት 

4 ሓምለ 2026 .

  • Related Posts

    ፈትሊ ሓርነት፡ ምስክርነት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ዓዲ ተሰኪመን

    ፈትሊ ሓርነት፡ ምስክርነት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ዓዲ ተሰኪመን ኣንፈት ኣዳላዊ 28 ሰነ 2026 ዓ.ም ብዕለት 27 ሰነ 2026 ኣብ ኣዳራሽ ኣኼባ ማእከል ኣረጋውያን ኣብ ቺኖ ካሊፎርንያ፡ ሓያልን ኣዝዩ ኣድላዪን ድምጺ…

    الكلمة التي قدّمها حليماريام تسفاي في الجلسة الافتتاحية للمؤتمر الثالث للمؤتمر الوطني للأفار الإريتريين (EANC)

    الكلمة التي قدّمها حليماريام تسفاي في الجلسة الافتتاحية للمؤتمر الثالث للمؤتمر الوطني للأفار الإريتريين (EANC) السيد المحترم أحمد يوسف – رئيس المؤتمر الوطني للأفار الإريتريين، الأعضاء الموقرون في المؤتمر، الضيوف…

    Leave a Reply

    Your email address will not be published. Required fields are marked *