ኩነታት ሃገር እንታይ ይመስል: ካብ ውሽጢ ዝመጸና ሓበሬታ

ኩነታት ሃገር

ካብ ውሽጢ ዝመጸና ሓበሬታ

ክፍለ ሰራዊት 72 ቀዳማይ ብርጌድ ናብ ጾሮና ናብቲ ከባቢ ጆን ዓሊ ዝመርሓ ክፍለ ሰራዊት 39 ገጹ ኣምጺእዋ ኣሎ። ገለ ካብ እንዳ 19 እውን ናብ ግንባር ዛላንበሳ ገጻ ቀሪባ ከምዘላ እውን ሓበሬታ ኣሎ። ብመትከል ዘይምራሕ ንስልጣኑ ንምሕላውን ንምንዋሕን ጥራሕ ዝተፈጥረ ስርዓት ህግደፍ፡ `ንስኻ ኢኻ ትመርሓና` እናበለ ሓላፍነቱ ንናይ ካልእ መራሕ ሃገር ዝሃበን፡ `ድሕሪ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዩ ዝብል ታሪኽ ዘይፈልጥ እዩ` ኢሉ ልዑላውነትና ኣሕሊፉ ከምዘይሃበ፡ ሕጂ ከኣ ልዑላውነትና ክንሕሉ እለና እናበለ ኣሻሓት መንእሰያትና ናብ ድፋዕ ይጓርቶም ኣሎ። እቲ ልዑላውናትና ምሕላውሲ ግርም፡ ህዝብና ግን ነቲ ንሉዑላውነትና እናሻዕ ናብ ሓደጋ ዘእቱ ዘሎ ሰንካም ስርዓት ሓንሳብን ንሓዋሩን ያዕ ክብሎ ኣለዎ። ህዝብና ካብ ተቓወምቲ ጥራሕ ክጽበ የብሉን። ህዝቢ ዘይተጸንበሮ ቃልሲ ክዕወት ኣይክእልን`ዩ። `እቶም ከዳዓት ትብሎም ተቓወምቲ ንሉዑላውነትና ንምዕቃብ ኣብ ጎድኒ ህዝብና ይብሉ ኣለዉ እሞ መንግስቲኸ ኣካሎምን ገንዘቦምን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣተሓሳስቦኦም እውን ከተኽብር ይግባእ` ኢሉ ንመንግስቲ ተጽዕኖ ክገብር ይግባእ፡ ግዚኡ ከኣ ሕጂ`ዩ። ፈቐዶ ኣኼባታት ህግደፍ እናኸድካ ኣብ ጎድንኹም ኣለና ጥራሕ ምባል እኹል ኣይኮነን። ` ካብ ናይ ህዝባዊ ግንባር ኣተሓሳስባ ወጻኢ ካልእ ኣተሓሳስባ ኣለኒ ዝብል ሰብ ኣብ ካልእ ዓለም ዝነብር ክኸውን ኣለዎ` ዝብል በሓቲ ኣረኣእያ ኢሰያስን ደቀ መዛምርቱን ናብ ናይ ታሪኽ ጓሓፍ ክድርበ ኣለዎ።

ክልተ ወደባት ሒዙ ክጠሚ ዝተፈርደ ህዝቢ ከም ህዝቢ ኤርትራ የለን። ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት እናኸደ ተኣምራታዊ ቁጠባ ክፈጥር ዝኽእል መንእሰይ ሃገርና ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ግን ገዝኡ ክልቕልቕ እውን ይኽልከል ኣሎ። ኣብ ክንድኡ ንድፋዕ ዝኸውን ኣእማን ክጓርት ይውዕል ኣሎ። እዚ ሓንሳብን ንሓዋሩን ይኣክል ክበሃል ኣለዎ። ፈቐዶ ኣኼባታት ህግደፍ እናከድካ ኣጣቒዕካ ምምላስ ንዓዲ በጺሕካ ብሰላም ክትምለስ ይሕግዝ ይኸውን፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ብቐዋምነት ዝነብር ህዝብና ግን ሰላም ዝህብ ኣይኮነን።

ሎሚ መዓልቲ ዕለት 8/11/2026 ቀንዲ ኣባላት ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያት ኤርትራን ህግደፍን ብሓባር ኣብ ኣዳራሽ ምኒስትሪ ዜና ተኣኪቦም ውዒሎም ኣለዉ ንኣርባዕተ መዓልቲ እውን ክቕጽል እዩ። እዚ ብባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ተጸዊዑ ዘሎ ኣኼባ፡ ሓላፊት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራን ብርጌደር ጀነራል ኣስመላሽ (ወዲሓፍቲ) ይመርሕዎ ኣለዉ። ናይ መመያየጢ ኣጀንድኡ ከኣ ከም ልሙድ

ምስግጋር ሃገራዊ ሓላፍነት – ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ከመይ ይዕቀብ

ኤርትራ ንኤርትራውያን እንታይ ማለት እዩ። ኤርትራ ብኸመይ ናይ ኤርትራውያን ጥራይ ኮይና

ቀይሕ ደም ዝተኸፍሎ ቀይሕ ባሕሪ ንምንታይ ብኻለኦት ይለዓል

ህዝብን መንግስትን ሃገርን ካብ መንእሰይ እንታይ ይጽበዩ። ዝብሉ እዮም

ኣብዚ ተዘርዚሩ ዘሎ ኣጀንዳ ህዝቢ ብፍላይ ከኣ መንእሰይ ካብ መንግስቲ እንታይ ይጽበ ዝብል የለን። መንግስቲ ኩሉ ግዜ ተጸባዪ እዩ። ካብ ህዝብን መንእሰይን ረሃጽን ደምን እናተጸበየ ካብ መንግስቲ ናብ ህዝቢ ዝወርድ ጸጋ ግን የለን። ካልእ ይትረፍ ማይ ስኢንና ንዝበለ ህዝቢ ናብ ማይ ዘለዎ ኪዱ ዝብል መንግስቲ ሒዝካ ክሓልፈልና እዩ ኢልካ ምጽባይ ከንቱ`ዩ።

  • Related Posts

    መግለጺ ኣንፈት ኣብ ኤስቢኤስ ኣምሓርኛ ቃለ መሕትት ምስ ኣቶ ሕሩይ ተድላ ባይሩ:

    መግለጺ ኣንፈት ኣብ ኤስቢኤስ ኣምሓርኛ ቃለ መሕትት ምስ ኣቶ ሕሩይ ተድላ ባይሩ: ጥቅምቲ 20, 2026 ሊንክ ናይቲ ቃለ መሕትት ኤስቢኤስ፡  ኣንፈት ነዚ ዝተናውሐ ርእሰ ዓንቀጻዊ መግለጺ ዘውጽእ ዘሎ ንቃለ መሕትት…

    ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ህርፋን፡ ናይ ፖሊሲ ጉዳይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ሕሉፍ ክሳራ ዝተሰረተ ፖለቲካዊ ግብረመልሲ’ዩ።

    ርእሰ ዓንቀጽ ኣንፈት፥ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ህርፋን፡ ናይ ፖሊሲ ጉዳይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ሕሉፍ ክሳራ ዝተሰረተ ፖለቲካዊ ግብረመልሲ’ዩ። ኣብ ታሕቲ ካብ ዝተጠቕሰ ተንታን ተበጊሱ ዝቐርብ ዘሎዩ “ኢትዮጵያ ንምንታይ ካልእ…

    Leave a Reply

    Your email address will not be published. Required fields are marked *