ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ህርፋን፡ ናይ ፖሊሲ ጉዳይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ሕሉፍ ክሳራ ዝተሰረተ ፖለቲካዊ ግብረመልሲ’ዩ።

ርእሰ ዓንቀጽ ኣንፈት፥

ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ህርፋን፡ ናይ ፖሊሲ ጉዳይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ሕሉፍ ክሳራ ዝተሰረተ ፖለቲካዊ ግብረመልሲ’ዩ።

ኣብ ታሕቲ ካብ ዝተጠቕሰ ተንታን ተበጊሱ ዝቐርብ ዘሎዩ

“ኢትዮጵያ ንምንታይ ካልእ ሃገር ትገዝእ ኣላ?”- ኣብ ማፕድነሽን1 ቪድዮ ሊንክ፡

ኢትዮጵያ ብቐይሕ ባሕሪ ተደጋጋሚ ትጽመድ ምህላዋ መብዛሕትኡ ግዜ ከም ዘመናዊ ጂኦፖለቲካዊ ኣድላይነት እዩ ዝቐርብ። ከምቲ ትንታነ ካርታሃገር /MappedNation1 ብቪድዮ ዝሕብሮ ግን እዚ ፈጺሙ ዘመናዊ ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ነጸብራቕ እዩ። ኢትዮጵያ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ብኣኽሱም ኣቢላ ትጥቀመሉ ዝነበረት ገማግም ባሕሪ – ማእከል ስሕበት ናይቲ ስልጥእነ ኣብ ኢትዮጵያ ዘይኮነስ፣ ኣብ ታሪኻዊ ወደብ ኣዱሊስ ኤርትራ እዩ ዝነበረ።

እዚ ነጸብራቕ ድማ ኣብዚ’ዩ ዝጅምር: ካብ’ቲ ኢትዮጵያ ከም ልኡላዊት ሃገር ወኒናቶ ዘይትፈልጥ ዝኽሪ ኣፍደገ ባሕሪ። ኣዱሊስ ናይ ኣኽሱም ኣፍደገ ናብ ዓለም እያ ነይራ፡- ሙሉእ ብሙሉእ ከኣ ኣብ ውሽጢ ዶባት ናይ ሎሚ ኤርትራ እትርከብ ሰፊሕ ማእከል ንግዲ እያ ኔራ። ኣኽሱም ምስ ወደቐት ኢትዮጵያ ንኣዱሊስ ኣይወረሰትን፤ የግዳስ፡ ሃረርታ ናይቲ ኪኖ ዶባታ ንዝርከብ ወደባት ጥራሕ እያ ወሪሳ። እቲ ሃረርታ ናብ ፖለቲካዊ ግምታት ወሪዱ እቲ ግምታት ከኣ ቀጺሉ ናብ ናይ መሰል ስምዒታት ተቐይሩ።

ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኢትዮጵያ ካብ ክትበጽሖ እትኽእል ንላዕሊ እናረሓቐ ከይዱ። ጣልያን ኣብ መወዳእታ 19 ክፍለ ዘመን ንኤርትራ ድሕሪ ምሓዛ ኣብቲ ኣዱሊስ ሒዛቶ ዝነበረት ገማግም ባሕሪ ዘመናዊ ወደባት ሰሪሓ። ኢትዮጵያ እቲ ብተዘዋዋሪ ትረኽቦ ዝነበረት ኣፍደገ ባሕሪ እውን ዘይብላ፡ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ነቲ ባሕሪ ክቆጻጸርዎ ተዓዛቢት ኮነት። ኣብ ካላኣይ ኲናት ዓለም ጣልያን ምስ ተሳዕረት፡ ገማግም ባሕሪ መሬት ኢትዮጵያ ኣይኮነን። የግዳስ ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ምምሕዳር ዘእተዋ ናይ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ እዩ ኮይኑ። ሽዑ እውን እንተኾነ ኢትዮጵያ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሕጋዊ መሰል ኣይነበራን- ባህጊ ጥራሕ እዩ ኔርዋ።

እዚ ባህጊ’ዚ ኣብ 1962 ናብ ምግዳድ ተሰግጊሩ። ኢትዮጵያ ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመስረተ ፈደረሽን ኣፍሪሳ ንኤርትራ ምስ ኤርትራ ሓወሰታ። እዚ ምሕዋስ ውህደት ኣይነበረን። ድሌት ሓደ ሸነኽ ጥራሕ ዘማልእ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ እትውንን ሃገር ኣገዲድካ ናብ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር ምሕዋስ እዩ ኔሩ። ኢትዮጵያ ኣብቲ እዋን ኣፍደገ ባሕሪ ምርካባ ታሪኻዊ ኣይነበረን፡ ዝግበኣ እውን ኣይነበረን ሕጋዊ’ውን ኣይነበረን። ውጽኢት ፖለቲካዊ ሓይሊ እዩ ነይሩ- ኤርትራውያን ድማ ንሰላሳ ዓመት ተቓዊሞሞ።

እቲ ሓርነታዊ ቃልሲ ብመሰረቱ ልዑላውነት መሬትን ባሕርን ንምርግጋጽ ዝተኻየደ ቃልሲ እዩ ነይሩ። ኤርትራ ኣብ 1991 ምስ ተዓወተት ናይ ባሕሪ ግዝኣታ ብግቡእ መሊሳ`ያ። ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ዘይፍትሓዊ ዝምሕዋስ ምስ ኢትዮጵያ ትጥቀመሉ ዝነበረት ገማግም ባሕሪ ሓቀኛ ዋናታቱ ተመሊሱ። ኣብ 1993 ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ልኡላውነቱ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝቆጻጸሮ ረፈረንደም ከረጋግጽ ከሎ ኣብ ታሪኽ ኣፍሪቃ ካብ ዝነጸሩ ደሞክራስያዊ መስርሕ ሕእደ ኔሩ። ካብ’ቲ ህሞት’ቲኣ ጀሚሩ ዶባት ኤርትራ- ገማግም ባሕራ ሓዊስካ- ብዓለም ደረጃ ተፈላጥነት ዝረኸበን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱን ኮነ።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ንኢትዮጵያ ወደባታ ንንግዳዊ ዕማማት ዕማማት ክትጥቀመሉ ፈቒዳ ኔራ`ያ። እዚኦም ናይ ኣገልግሎት ስምምዓት እምበር ፖለቲካዊ ሕድገታት ኣይነበሩን። ኢትዮጵያ ዓሚል እምበር ኣብ ውነና ባሕሪ ተሻራኺት ኣይነበረትን። ኣብ 1998 ግጭት ምስ ተላዕለ፡ ኢትዮጵያ ወሳኒ ውሳኔ ወሲዳ፡ ካብ ወደባት ኤርትራ ብፍቓዳ ስሒባ፡ ናይ ሎጂስቲክስ ኣግልግሎታ ናብ ጅቡቲ ኣሰጋጊራ። ዘባረራ ሰብ ኣይነበረን። ናይ ባሕሪ ኣገልግሎት ክትረክብ ዝኸልከላ ኣካል ኣይነበረን። ብናጻ ድሌታ ስሒባ – በዚ ኣቢላ ከኣ ምስ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ዝነበራ ርክብ ንግዳዊ እምበር ልኡላዊ ዝምድና ከምዘይነበረ ኣመስኪራ።

እዚ እዩ እቲ MappedNation1 ዘቃልዖ ታሪኻዊ ሓቂ፡ ብቕደም-ተኸተል — ነቲ ጽውጽዋይ “መሰል” ናይ ኢትዮጵያ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ባህጊ ብትንትን ዘብል ፍጻመ። ካብ ኣዱሊስ ክሳብ ጣልያን፡ ካብ ሕቡራት ሃገራት ክሳብ ምሕዋስ ምስ ኢትዮጵያ፡ ካብ ኩናት ንሃገራዊ ነጻነት ክሳብ ረፈረንደም፡ ካብ ወደብ ምጥቃም ስምምዕ ክሳብ ኣብ 1998 ወለንታዊ ምስሓብ፡ ገማግም ባሕሪ ኩሉ ግዜ ናይ ኤርትራ እዩ ኔሩ። ናይ ኢትዮጵያ ምስ ባሕሪ ብጥባቕ ኣብ ሕጊ፡ ኣብ ጂኦግራፊ፡ ወይ ኣብ ዘመናዊ ዲፕሎማሲ ዝተመርኮሰ ኣይኮነን። ኣብ ናፍቖት፣ ጭንቀትን ኣብ ሕሉፍ ሱር ዝሰደደ ፖለቲካዊ ባህግን መሰረት ዝገብረ ጥራሕ`ዩ።

እዚ ባህጊ ሓደገኛ እዩ። መራሕቲ ልኡላዊ ዶባት ከም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝእእቱ ጌሮም ቆጺሮም ጎረባብቲ ሃገራት ከም ክውንንዎ ዝኽእሉ ንብረት ጌሮም ክቖጽርዎ ስለ ዘተባብዕ። ዞባዊ ምትሕብባር ናብ ዞባዊ ወጥሪ እውን ክቕይር ስለ ዝኽእል። ንሕጋዊ ዲፕሎማሲ ናብ ናይ ምስፍሕፋሕ ባህጊ ስለ ዝትከኦ። ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዚ ዓይነት ምድንጋር ክጻወሮ ኣይክእልን እዩ።

መርገጺ ኤርትራ- ከምኡ’ውን መርገጺ ኣንፈት- ንጹር’ዩ: ቀይሕ ባሕሪ ናይ ኢትዮጵያ ቅርሲ ኣይኮነን፣ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ዕዳጋ መዋገዪ ወይ ናይ ኢትዮጵያ መጻኢ እውን ኣይኮነን። ብቓልሲ ዝተመለሰ፡ ብረፈረንደም ዝተረጋገጸ፡ ብኣህጉራዊ ሕጊ ዝተሓለወ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ እዩ። ዝኾነ ካልእ ዓይነት ትረኻ ስትራተጂ ኣይኮነን… መፈራርሒ እምበር።

 

 

  • Related Posts

    ፖለቲካዊ ለወጢ እምበር ወራር ኢትዮጵያ ፍታሕ ኣየምጽእን ዮሃንስ ኣስመላሽን ኣቶ ዳንኤል ገብረትንሳኤን ምስ ቲቪ መለይ

    ፖለቲካዊ ለወጢ እምበር ወራር ኢትዮጵያ ፍታሕ ኣየም ቃለ መሕተት ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽን ኣቶ ዳንኤል ገብረትንሳኤን ምስ ቲቪ መለይ

    ኩነታት ሃገር እንታይ ይመስል: ካብ ውሽጢ ዝመጸና ሓበሬታ

    ኩነታት ሃገር ካብ ውሽጢ ዝመጸና ሓበሬታ ክፍለ ሰራዊት 72 ቀዳማይ ብርጌድ ናብ ጾሮና ናብቲ ከባቢ ጆን ዓሊ ዝመርሓ ክፍለ ሰራዊት 39 ገጹ ኣምጺእዋ ኣሎ። ገለ ካብ እንዳ 19 እውን ናብ…

    Leave a Reply

    Your email address will not be published. Required fields are marked *