ጎስጓስ ኣንጻር ጋዜጠኛ ሄኖክ ተኽለ፡ ድምጽታት ደምበ ተቓውሞ ንትረኻ ስርዓት ህግደፍ ከቃልሑ ምስ ጀመሩ!

ጎስጓስ ኣንጻር ጋዜጠኛ ሄኖክ ተኽለ፡ ድምጽታት ደምበ ተቓውሞ ንትረኻ ስርዓት ህግደፍ ከቃልሑ ምስ ጀመሩ!

ርእሰ-ዓንቀጽ ኣንፈት – 10 ሰነ 2026

ኣብ ዓለምለኻዊ ቃልሲ ኤርትራውያን ከም ጋዜጠኛን ኣክቲቪስትን ሄኖክ ተኽለ ንፍትሒ፡እውን ብንጹርን ተኣማንነትን ዝቕልቀሉ ኣሃዛት ውሑዳት እዮም። ጉዕዞኡ- ካብ ማእሰርቲ ኤርትራ ናብ ምህዳም ብ14 ሃገራት፡ ካብ ምክርነት ራዕዲ መስመራት ስደት ክሳብ ምስክርነት ዝደሓኑ ሰባት ምስናድ- ሓደ ካብቶም ዝእመኑ ኣዘንተውቲ ኤርትራውያን ስቓይን ጽንዓትን ገይርዎ ኣሎ። ኮይኑ ግና እዚ ተኣማንነት እዚ ባዕሉ ኣብ ማእከል ሓደ ዘሰክፍ ተርእዮ ኣቐሚጥዎ ኣሎ፡ ማለት ካብ ስርዓት ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ኣካል ተቓወምቲ ኢና ዝብሉ ውልቀሰባት ዝመጽእ ማዕበል መጥቃዕቲ ወገን ተሳኢንዎ ኣሎ። ኣብ መንጎ ስርሑን ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክስን ዘሎ ፍልልይ ካብዚ ንላዕሊ ክርአ ኣይክእልን እዩ። ኣብ 2024 ሄኖክ ንህዝባዊ ጎስጓስ ጎፋንድሚ/GoFundMe ኣዳልዩ ልዕሊ 250,000 ዶላር ኣዋህሊሉ- እዚ ኣሃዝ እዚ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ካልእ ተቓወምቲ ሚድያታት ኤርትራ ክበጽሕዎ ዘይከኣሉ ኣሃዝ እዩ። ዕላማ እቲ ወፍሪ ንጹር እዩ ነይሩ: ንስራሕ ኤሪፒም ኣብ ፈነወን ሰነዳትን ምድጋፍ እዩ። እቲ ሕብረተሰብ ብዘደንቕ ርእሰ ተኣማንነት መልሲ ሂቡ። እዚ ዕቤት ዘለዎ ወፈያታት ገንዘብ ብኣጋጣሚ ዝመጸ ዘይኮነስ፤ ውጽኢት ናይ ዓመታት ዘይሕለል ስራሕን ህዝባዊ ተሓታትነትን ሞራላዊ ቅንዕናን እዩ።

ስርዓት ኤርትራ ዝሃቦ ምላሽ ክትግምቶ ዝከኣል እዩ ነይሩ። ሄኖክ ተኽለ ኣብ ቅድሚት ዝርዝር ፖለቲካዊ ድራኸ ዘለዎም ፌደራላዊ ክስታት ተሰሪዖም፡ “ፈስቲቫል ኣበላሽዩ” “ንዋታዊ ዕንወት” ኣውሪዱ ተባሂሉ ተኸሲሱ- እዚ ድማ ከም ኣካል ናይቲ ስርዓት ህግደፍ ዝገብሮ ስግረ-ሃገራዊ/ዶባዊ ፕሮፖጋንዳዊ ስትራተጂ ብሰፊሑ ዝረአ ክስታት እዩ። ምልካዊ ስርዓት ንሓደ ሰብ ስግኣት ክቖጽሮ ከሎ፡ እቲ ሰብ ኣድማዒ ስለዝኾነ ጥራይ እዩ።

እቲ ውሑድ ክትግምቶ ዝከኣል-ዝያዳ ዝነግር ድማ- ኣካይዳ ገለ ንነብሶም ከም ናይ ተቓወምቲ ድምጽታት ዝገልጹ፡ ግን ከኣ ንትረኻታት ናይቲ ስርዓት ከቃልሑ ዝመረጹ ኣካልት እዮም። ነቐፌታታቶም ኣብ ጭብጢ ዝተመርኮሰ ዘይኮነስ፡ ኣብ ወረታትን ምግናንን ውልቃዊ ስምዒታትን ዝምርኮሱ እዮም። ቀለልቲ ናይ ርእሰ-ዓንቀጻዊ ሕትመት ጌጋታት ካብ መምዘኒ ወጻኢ ናብ ሞራላዊ ውግዘት ኣበሪኾም የጋንኑ። መርትዖ ዘይብሉ ክስታት ድማ ከም ሓቅታት ጌሮም የቕርቡ። እቲ ቅዲ ንጹር እዩ: ዋላ ሓንቲ ሃናጺ ኣበርክቶ ዘይብሎም ውልቀሰባት፡ ነቶም ዋጋ ዘለዎ ነገር ዝሃነጹ ከፍርስዎም መሰል ከም ዘለዎም ኮይኑ ይስምዖም።

እዚ ስናርዮ ብመንጽር ናይ ሄኖክ ተኽለ ባዕላዊ ታሪኻዊ ምስክርነት ክረአ ከሎ ከኣ ዝያዳ ሓደገኛ ይገብሮ። ታሪኹ ናይ ምጽንናዕ ወይ ፍሉይ ዕድል ኣይኮነን። ዛንታ ሓደ መንእሰይ ፖለቲካዊ ጉዕዝኡ ካብ 2001 እዋን ምጭፍላቕ ተምሃሮ ዝተኣሰረ፡ ነፍሰጾር በዓልቲ ቤቱ ሕነ ህድማኡ ንምፍዳይ ዝተኣስሮ ሰብ፤ ብህይወት ክነብር በረኻታትን ኣግራብን ዶባትን ዝሰገረ ስደተኛ፤ ምጥሓል ኣሽሓት ኤርትራዊ ዛንታታት ዘቃልሐ፡ ጥፍእትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር፡ ጥፍእትን ስቅያት ስደተኛታት ዝመስከረ፡ ስርሑ ክልሰ-ሓሳባዊ ዘይኮነስ ነፍሱ ኣብ ሓደጋ ኣኣትዩ ዝነበሮ ህይወት እዩ።
ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ብዘይ መርትዖ ምጥቃዕ ፖለቲካዊ ነቐፌታ ዘይኮነስ-ፖለቲካዊ ግህሰት እዩ።

ዕቱብ ተቓውሞ ዋጋ ጸጋታቱ ይፈልጥ እዩ። ገንዘብ ናይ ምእካብ ዓቕሚ ስግኣት ዘይኮነስ ናይ ህይወት መስመር ምዃኑ ይርዳእ እዩ። ማሕበረሰባት ዘንቀሳቕሱ ጋዜጠኛታት ክድገፉ እምበር ክዳኸሙ ከምዘይብሎም ይፈልጥ እዩ። ሃናጺ ተሓታትነትን ናይቲ ስርዓት ዝመስል ኣዕናዊ ሜላታትን ከኣ ፈላልዩ ይፈልጥ’ዩ። እዚ ተግባርዚ’ምበእር ሸለል ኢልካ ክሕለፍ ዘይክእል ቀሊል ሕቶ ድማ የልዕል፤

ውልቀ መላኺ ስርዓት ንሄኖክ ተኽለ እንተፈሪሑ፡ ንምንታይ እዮም እቶም ንቃወሞ ኣሎና ዝብሉ ከጥቅዑዎ ዝመርጹ? ዲያስፖራ ኤርትራ ምስ ምልኪ ክገጥም ዝኽእል ምንቅስቓስ ክሃንጽ ድዩ- ወይስ ብናይ ገዛእ ርእሱ ውሽጣዊ ምፍልልያት ጾር ተለጢጡ ክቕጽል ዝብል መልሲ ናይዚ ሕቶ’ዚ ዝውስን ኢዩ።
እቲ ቃልሲ ድሮ እኹል ጸላእቲ ኣለውዎ። ካብ ውሽጡ ካልኦት ሓደስቲ ምፍጣር ከኣ ኣየድልዮን እዩ።

  • Related Posts

    الحملة ضد هينوك تكلي: عندما تبدأ أصوات في المعارضة بترديد خطاب النظام

      الحملة ضد هينوك تكلي: عندما تبدأ أصوات في المعارضة بترديد خطاب النظام افتتاحية ANFET – 10 يونيو 2026 في النضال الإريتري العالمي من أجل العدالة، لم يبرز سوى عدد…

    The Campaign Against Henok Tekle: When Opposition Voices Begin to Sound Like the Regime

    The Campaign Against Henok Tekle: When Opposition Voices Begin to Sound Like the Regime ANFET EDITORIAL-June 10, 2026 In the global Eritrean struggle for justice, few figures have emerged with…

    Leave a Reply

    Your email address will not be published. Required fields are marked *