ጋዜጣዊ መግለጺ

5348 University Ave, Suite #101 San Diego, CA 92105

ንህጹጽ ዝርጋሐ

ሳንዲያጎ ካሊፎርንያ – 7 ሕዳር 2025

ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ – ጨንፈር ሳንዲያጎ “ሰላም ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ኣብዚ ዝመጽእ ዓርቢ ኣብ ማእከል ማሕበረሰብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሳንዲያጎ ኣኼባ ኣባላቱ ከካይድ ምዃኑ የፍልጥ። እቲ መደብ ኩሎም “ኤርትራውያን ንሰላም ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ተጠርኒፎም” ነዚ ኣንጸላልዩ ዘሎ ውግእ ደው ንምባል እዩ።

እቲ ኣኼባ፡ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ውዳበታት፡ መሓዙት መራሕቲ፡ ከምኡ’ውን ካብ ፍሉሳተ-ዝርዋን/ ዲያስፖራ ዝመጹ ሲቪካውያን ኣዳለውቲ ዘራኽብ’ዩ። እዚ ምትእኽኻብ እዚ ሓድሽ ምዕራፍ ሓባራዊ ቃልሲ ዝውክል ኮይኑ ነቲ ኩናትን፣ ምፍልላያትን፡ ኤርትራ ኣብ ዳግመ-መግዛእቲ ንምቑራን ዝግበር ዘሎ ፈተነታት ብኣድማዒ መንገዲ ንምግጣም እዩ።

እዚ ኣኼባ’ዚ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዝሃቦ ተጻባኢ መግለጺታት ሓዊሱ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ምላሽ ንምሃብ ዝዓለመ’ዩ። ኣብ ሳንዲያጎ ዝርከብ ማሕበረሰብ ኤርትራ- ንነዊሕ እዋን ብተወፋይነት ንሰላማዊ ፍታሕን ዲሞክራስያዊ ለውጥን ዝፍለጥ- ንዞባውን ኣህጉራውን ውድባት ነቲ ወራር ክኹንን ንመስርሕ ሰላም ክድግፉን ሓባራዊ ጻውዒት ከቕርብ እዩ።

ልኡላውነትን ናጽነትን ሃገረ ኤርትራ ብጅግና ህዝባ ንዘለኣለም ተዓቂቡ ክነብር ኢዩ።

 

 

 

 

 

 

  • Related Posts

    ዳግመ ኣሰላልፋ ጸጥታን ሕገ መንግስታዊ ሕጋውነትን፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደገኛ መስቀላዊ መንገዲ

    ዳግመ ኣሰላልፋ ጸጥታን ሕገ መንግስታዊ ሕጋውነትን፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደገኛ መስቀላዊ መንገዲ ርእሰ ዓንቀጽ ኣንፈት-ሓምለ 23, 2026 ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘመናዊ ፖለቲካዊ ታሪኻ ኣብ ሓደገኛ ህሞት ትርከብ። እቲ ኣብ 2018 ከም…

    ጠቕላሊ ወታሃደራዊ ስታፍ ኢትዮጵያ ሽንፈቱ ኣሚኑ: ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ከኣ ንመሰጋገሪ መንግስቲ’ምበር ንውግእ ክኣትዉ የብሎምን

    ጠቕላሊ ወታሃደራዊ ስታፍ ኢትዮጵያ ሽንፈቱ ኣሚኑ: ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ከኣ ንመሰጋገሪ መንግስቲ’ምበር ንውግእ ክኣትዉ የብሎምን ኣዳላዊ ኣንፈት – 7 ሓምለ 2026 እዚ ሎሚ ብሓላፊ ስታፍ ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ዝተዛረቦ…

    Leave a Reply

    Your email address will not be published. Required fields are marked *