ናይ ደምበ ተቓውሞ ብዝወሓደ መደብ ዕዮ ምጥርናፍን፡ ናብ ዳስካ ምምላስን: መጥባሕታዊ ትንታነን ናይ ውድባታት ኤርትራውያን (2001-2026)

ናይ ደምበ ተቓውሞ ብዝወሓደ መደብ ዕዮ ምጥርናፍን፡ ናብ ዳስካ ምምላስን: መጥባሕታዊ ትንታነን ናይ ውድባታት ኤርትራውያን (2001-2026)

Anfet 18, 2026

ንኣስታት ርብዒ ዘመን ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ንቕሓት ብሓደ ሰላሕታ ግን ከኣ ኣዕናዊ ዝኾነ ሓይሊ፡ ማለት ብፍርሒ ናይ’ቲ ባዕሉ “ውደባ” ዝብል ቃል’ዩ ተወሪሱ’ዩ ጸኒሑ። እዚ ፍርሒ’ዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ 2021 ዝጀመረ ዘይኮነስ፡ ሱሩ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ምስ ምልዓል ሲቪካዊ ንጥፈታት ናብ 2001 ዓ/ም’ዩ ዝምለስ:: ስርዓት ኣስመራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ማሕበረሰባት ዝፈጠሮ ስነ-ኣእምሮኣዊ ድሕረ-ባይታ ምስተተኽለ: ፖለቲካዊ ውደባ፡ ምስ ሓደጋን ምፍልላይን፡ ከንቱነትን፡ ጌሩ ብምግላጽ: ኣንጻር ውደባ ሓያል ወፍር’ዩ ኣካይዱ። እዚ “ካብ’ዘን ውድባት ርሓቑ፡ ንየው በልወን” ብዝብል ሓረግ፡ ብባህርያዊ መንገዲ ዝደጋገም ማሕበራዊ መጠንቀቕታት ዘለዎ ኮይኑ፣ ኤርትራውያን ካብ ውድባትን፡ ምውድዳብን ክርሕቁን: ዝኾነ ዓይነት ዝተወደበ ሓባራዊ ስጉምትን ተበግሶታትን ከይገብሩን ብግልጺን ብተዘዋዋሪን መንገዲታት ተነጊርዎም እዩ ።

እዚ ጸረ ውደባዊ ሃዋህው እዚ ን25 ዓመታት ኣብ ዲያስፖራ ፖለቲካዊ ጥፍኣት ዘሪኡ’ዩ። ድሕሪ ቅልውላው ጉጅለ-15ን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነበረ ዓፈናን፡ ማሕበረሰባት ኤርትራ ኣብ ዝተናውሐ እዋን ኣብ ዘይምትእምማን ኣትዮም። ፖለቲካዊ ውዳበታት ተዳኺመን፣ ብሰንኪ ውሽጣዊ ግርጭት ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ዝነበረ ሃዋህው ምስቲ ናይ ውዳበ ሓሳብ ተጻባኢ ስለዝነበረን ስለዝኾነን’ዩ። ብኣንጻሩ ሲቪላዊ ንጥፈታት ጐሊሑ ዝደየበሉ ምኽንያት፡ ብባህሪኡ ዝሓየለ ስለ ዝነበረ ዘይኮነስ፡ ልኡም ዝኾነ፡ ውሑድ ጎነጽን፡ ውሑድ ጥርጣረ ዘለዎን ስለ ዝመስል እዩ። በዚ’ዩ ድማ ቀስ ብቐስ እቲ ህዝቢ ካብ ዝተወደበ ፖለቲካዊ ስጉምቲ ከድሓርሕር ዝጀመረ።

እንተኾነ ኣብ 2008 ሓደ ናይ ተስፋ ብልጭታ ተቐልቀለ። ክልተ ብሎኮታት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን (ኢ.ዲ.ኪ/ኪዳን) ኣብ 2010 ሃገራዊ ዋዕላ ኣፍርየን፣ ድሕሪኡ ኮሚሽን፣ ቀጺሉ ድማ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ) ኣብ 2011 ኣብ ኣዋስ ተመስረተ። ንሓጺር ህሞት፣ ኤርትራውያን ዝተወደበ ሃገራዊ ፖለቲካ ክመልሱ ዓቕሚ ከም ዘለዎም ኣምሰለ። ጸኒሑ ግን ብዓብላልነት ፖለቲካዊ ውዳበታት ኣብ ውሽጢ ኤሃባደለ፡ ተዋሳእቲ ሲቪላዊ ማሕበራትን ናይ ምግላል-ብፍላይ ከኣ ኣብ ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ሲቪላዊ መሰረታት ኣዳኺሙ፣ እቲ ፖለቲካዊ መሰረታት ከኣ ኣግሊሉ፣ ዘርኢ ናይቲ ዝሰዓበ ምፍንጫል ተኸለ።

ኣብ 2018፡ ህቡብነት ኤሃባደለ እናነከየ፡ ውሽጣዊ ዘይምስናይ ድማ እናገደደ መጸ። ኣብ ውጽኢት ናይ’ዚ ከኣ ባዶነት ኣመራርሓ ተፈጢሩ፡ ሓድሽ ማዕበል ምንቅስቓሳት ይኣክልን፡ ብርጌድ ንሓመዱን ካልኦትን- ኩሎም ኣብ ሓደ መሰረት ምንጻግ ኤሃባደለን፡ ምንጻግ ፖለቲካዊ ውዳበታት ኣኸተለ። እቶም “ለባማት” ወራዙት ዝበሃሉ ከኣ እቶም ካብቲ ዳስ ወጺኦም ብደገ ኮይኖም፡ ካብ 2001 ጀሚሮም ተመሳሳሊ መልእኽቲ ምድጋሞም ቀጺሎም: ካብ ውዳበ ርሓቑ፡ ካብ መዋቕራት ርሓቑ ዝብል ምኽሮም ። ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ኣካል ምርሓቕ ኣኸተለ።

ብድሕሪኡ ከኣ ቀ/መ ኣብይ ኣሕመድ ፡መደመር” ዝብል ጭርሖ ሒዙ ዝሃቦ መልእኽታት ተወሳኺ ናይ ምስሉይ ሓድነት ፖለቲካን ሒዙ ተቐልቀለ። መደመር ኣብ መንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዝነበረ ሓጺር ናይ ሕጽኖት ዝመስል ግዜ፡ ስርዓት ኣስመራ ሽዑ ብዘመሓላልፎ ዝነበረ ዘደናግርን ዝጋጮን መልእኽትታት ሒዙ ናብ ኤርትራ ኣተወ። እቶም መልእኽትታት ነቲ ህርፋን ናይቲ “ሻብዓይ ንጉስ” ጥነቆላ ነዳዲ ወሰኹሉ። እዚ ህርፋን’ዚ መላእ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእተወ ንስርዓት ህግደፍ ባዕሉ ዘበገሶ መዘዝ ኮይኑ ሕጂ ተዝካሩ ዘብልዖ ዘሎ ተርእዮ እዩ። ንኤርትራውያን “መደመር” ፍልስፍና ዘይኮነስ፤ ፖለቲካዊ ምፍታሕ ዘተባብዕ፡ ዞባዊ ፖለቲካዊ ስንባደ ዝፈጠረ እዩ ነይሩ። ናይ ሓሶት ናይ ምርግጋእ ስምዒትን ዞባዊ ስኒት ንኣድላይነት ዝተወደበ ኤርትራዊ ተቓውሞ ተኪእዎ ዝብል እምነት ፈጢሩ። ምድማር ካብ ውድባትን ምውድዳብን ንምውጻእን ካብ ቀጻልነት ንምውጋድን ምሁራዊ መመኽነይታ ኮይኑ። ከምኡ ብምግባሩ ድማ ነቲ ካብ 2001 ጀሚሩ እናዓበየ ዝጸንሐ ጸረ ውዳበ ድኹም ልምዲ ኣጋዲድዎ’ዩ። ነዚ ፖለቲካዊ ክፋል ስዒቡ እቲ ዞባ ናብ ዝያዳ ኣዕናዊ ምዕራፍ ኣተወ። እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈጸመ ብዙሕ ሸነኻዊ ዝርያታት ዝነበሮ: ብብልሐ ኲናት ስርዓት ኤርትራ ዝተወደነ፡ ብሓይልታት ኢትዮጵያን ናይ ወጻኢ መሻርኽትን፣ ኤርትራን ሒዝካ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጸመ ገበን፡ ኣብ ሞንጎ ናይ ዲያስፖራ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዓሚቝን ናይ ነውጺ ግዜን ምፍልላይ ኣስዓበ። ኣቐዲሙ ብናይ ዓመታት ዘይምውዳብ ዝደኸሙ ማሕበረሰባት ኣብ መንጎ እቶም ምስ ህዝቢ ትግራይ ደው ዝበሉን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ደው ዝበሉን ተፈላልዮም ጸንሑ። እቲ ግጭት ብውዕል ፕሪቶርያ ምስተዛዘመ እውን እቲ ምፍልላይ ፈጺሙ ኣይጠፍአን፤ የግዳስ እናዓሞቑ ስለ ዝኸዱ፡ ዲያስፖራ ውሁድ ሃገራዊ መርገጺ ክፈጥር ኣይከኣለን።

እንተኾነ፡ ብናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ህርፋንን ዘረባን ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ኤርትራ ዝተሓደሰ ስግኣት፡ ዝተፈለየ ራእይ ክቕልቀል ጀሚሩ። እቲ ግዳማዊ ስግኣት ንፖለቲካዊ ባህርያዊ ድሌታት ኤርትራውያን ዳግማይ ኣበራቢሩ፡ ነቲ ዝነበሮም ፍልልያት ሰጊሮም ከኣ ዳግማይ ኣብቲ ናይ ሓባር ዕላማኦም ማለት ኣብ ምሕላው ረብሓታት ሃገሮም ከድህቡ ኣገዲድዎም። ኤርትራውያን እዚ ስግኣት’ዚ ምስ ኣጋጠሞም፡ ኣድላይነት ስርዓታዊ ውዳበን ድልውነትን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዳግማይ ኣራኺቦም ሒዞሞ ኣለዉ። እቲ ዘገርም ከኣ እቲ ቅልውላው ኤርትራውያን ነቲ ዝነበሮም ምፍልላይ ሰጊሮም ብዕቱብነትን ብድስፕሊንን ብሃገራውነትን ናብ ምውዳብ ክምለሱ ዝደረኾም መበገሲ ኮይኑ ኣሎ።

እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ምብትታን ዘስዓቦ ሳዕቤን ኣብ ኩሉ ቦታታት ርኡይ እዩ ነይሩ። ኣብ 2016 ልዕሊ 16 ሽሕ ኤርትራውያን ኣብ ጀነቫ ተኣኪቦም ነቲ ስርዓት ክኹንኑ ተገይሩ- ኣብ ታሪኽ ዲያስፖራ ኤርትራ እቲ ዝዓበየ ፖለቲካዊ ሰላማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምስ ዝፍጸሙ ሃገራዊ ፍጻመታት ብዝመጣጠን ደረጃ ናይ ምውዳብ ዓቕሚ ከም ዘለዎም ዘርኢ፡ ዘይተለምደ ሃገራዊ ጸዓት ዝተራእየሉ ህሞት’ዩ ነይሩ። ኣክቲቪስታትን ጋዜጠኛታትን ነቲ ሰልፊ መሪሖሞ፡ ዓሰርተ ኣርባዕተ መራሕቲ ፖለቲካዊ ውዳበታት ተረኺቦም ዝተሳተፉሉ ህሞት እውን ነበረ። እንተኾነ ግን ሓደ ካብእቶምውን እንተኾነ ዝኾነ ይኹን መደረ፡ ነቶም ተኣከብቲ ከየስምዑ ተኸልከሉ። እዚ ብኣጋጣሚ ዘይኮነስ ውጽኢት ናይ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ጸረ ውዳበ ልምዲ እዩ ነይሩ። ፖለቲካዊ መራሕቲ ከም ምንጪ ሓይሊ ዘይኮነስ ከም ጾር ክረኣዩ ዝገበረ ወለዶኣዊ ክፍተት እዩ ነይሩ። ብዝሒ ህዝቢ ሓደ ዓሚቕ ትራጀዲ ኣቃሊዑ: ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ንምንቅስቓስ ድሉዋት እኳ እንተነበሩ፡ እቲ ፖለቲካዊ ደርቢ ግን ኣዝዩ ተገሊሉ ስለዝነበረ ድሕሪ ደጊም ምስ ህዝቡ ክራኸብ ኣይከኣለን።

ምንቅስቓስ ይኣክል “ምትእስሳር ኣብ ባይታ” ብዝብል መብጽዓ፡ ጐሊሑ ደይቡን ንሓጺር እዋን ክዕንብብ ክኢሉን’ኳ እንተነበረ፡ ብዓብላልነት ስልጣን ይኣክል ባይቶ ኣሜሪካን፡ ድኹም ግሎባላዊ ናይ ፈጻሚ ኣመራርሓን ብውሽጣዊ ተጋራጫውነትን ተሳቐየ። ብርጌድ ንሓመዱ እውን ተመሳሳሊ ህቡብነት ሒዞም እዮም ተቐልቂሎም። ይኣክል ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ብምድጋፍ ንኣኼባታቱ ,አሳልጢ ክሳብ 60 ሽሕ ዶላር ዝኸውን ሂቦም ተሓባቢሮም እኳ እንተነበሩ እታ ካብ ብርጌድ ክርሕቁ ክጨውይዎ መጽዮም ዝብል ብበዓል ፈልሲ ዝፍኖ ዝነበረ ጸለመ ግን ናብ ክስገሩ ከም ዘልዎም ዝበጽሐ ሳዕቤናት ኣብጸሐ።

ኣብ መፋርቕ 2022 ዝተቐልቀለ ብርጌድ ንሓመዱ፡ ነቲ ቃልሲ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ዳግማይ ንምትእስሳር ብስምዒትን፡ ርህራሄን ድሌትን ዝተደፋፍአ እዩ ነሩ። ቅልጡፍ ብራኸ ናይ ብ/ንሓመዱ ግን፡ ካብ ቅርጻ ንላዕሊ ኣብ ኒሕ ዝምርኮስ ምንቅስቓስ ናይ ምዃኑ ድኽመት ኣቃሊዑ። ኣብ ሓያሎ ከተማታት ኣብ መንጎ ሰልፈኛታት ካብቲ ምንቅስቓስን ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍን ገለ ጎንጺታት ተራእየ። እዞም ፍጻሜታት ብዓቐን ድሩታት እኳ እንተነበሩ ግን፡ ኣሉታዊ ሽፋን መራኸቢ ብዙሃንን ግብረ መልስን ብምፍጣር ንሓፈሻዊ መርገጽ እቲ ምንቅስቓስ ኣዳኺሙ። እቲ ውሁደት ዘለዎ ዜግነታዊ ምንቕቓሕ ክኸውን ዝነበሮ፡ ብኸፊል፡ ናይ መጠንቀቕታ ዛንታ ኮይኑ፡ ዘይተወደበ ምልዕዓል ብኸመይ ብጌጋ ክትርጎም፡ ክምዝመዝ ወይ ኣንጻር እቲ ከገልግሎ ዝደለየ ዕላማ ክቕየር ከም ዝኽእል ዘርኢ እዩ።

ሽዑ እቲ ህቡብ ድምጺ ተመልሰ: ካብተን ትካላት ርሓቕ። ካብ ይእከል ርሓቕ። ካብ ብርጌድ ንሓመዱ ርሓቑ። በሃልቲ እቶም “ለባማት” ካብ 2001 ጀሚሮም ተመሳሳሊ መልእኽቲ ክደግሙ ጸኒሖም፡ ድሕሪኡ ነቲ ክፍጠር ዝደፋፍእዎ ምፍልላይ ሓላፍነት ከይወሰዱሉ ደኣ ተሰወሩ። እቲ ምብትታን ባህርያዊ ሳዕቤን እዩ ነይሩ። ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ቤትወደድን ባይቶ ኣዲስ ኣበባን ተበሃሂሉ ተበታቲኑ። ይኣከል ተዳኺሙ፡ እቲ ሲቪላዊ ምንቅስቓሳት እውን ተዳኺሙ። ፖለቲካዊ ውዳበታት ተበታቲነን ተሪፈን። እቲ ናይ ወለዶ ምፍልላይ እናዓሞቐ ከደ። ኣብ ስደት ዝነበረ ፖለቲካዊ መልክዕ ብዘይ ዝኾነ ትካላዊ ኣቃውማ ዝረኣዩን ዝጠፍኡን ምንቅስቓሳት ዝዘውር ማዕጾ ኮይኑ ተረፈ።

ኣብ 2024–2025 ግን ለውጢ ኣጋጢሙ። ምስ ምፍጣር ሰውራዊ ግንባር ብርጌድ ንሓመዱን (EBRF) ዘስዓቦ ሃገራዊ ቅልውላውን ኤርትራዊያን ፖለቲካዊ ንጹርነቶም ክመልሱ ጀመሩ። ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ንፈለማ እዋን ንናጽነትን ልኡላውነትን ብዕቱብ ክርእይዎ፡ ኣብ ነንሕድሕዶም ክረዳድኡ፡ ዋጋ ዝተዋደደ ውደባ ዳግማይ ክግምግሙን፡ ኣብ ዝወሓዱ ነጥብታት ምስምማዕን፡ ሓድነቶም ምድልዳልን ውህደትን ክዛተዩ ጀመሩ። ዘመነ ሰላሳን ሸውዓተን ውዳበታት ኣብ ምዝዛሙ ይቐርብ ኣሎ። መጻኢ መደብ መሰረት ዝገበረ ውህደት፡ ቁጽሪ ውዳበታት ናብ ዓሰርተ ወይ ደርዘን ምውራድ፡ ውሱን ቁጽሪ ዘለዎም ሲቪላዊ ማሕበራት ምሕያል፡ ከምኡ’ውን ዝተሓተ መደብን ቻርተርን ዘለዎ ውሁድ ሃገራዊ ባይቶ ምህናጽ ከም ዘድሊ ናይ ሓባር ተረድኦ እናኾነ ይኸይድ ኣሎ።

ኣብ ሓደ ርኡይ ምዕባለ፡ “ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ምርምርን ሓበሬታን” ብዝብል ስም ዝሰርሑ ደለይቲ ፍትሒ፡ ኩለን ፖለቲካዊ ውዳበታት ኣብ ከባቢ ሽዱሽተ ዝተሓተ ነጥብታት ክእከባ ጸዊዖም። እዚ ንጹህ ኣየር ትንፋስ ዝህብ እዩ ነይሩ። ሲቪካዊ ተበግሶ ንፖለቲካዊ ኣድላይነት ዘማልኣሉ ሳሕቲ ህሞት ከኣ እዩ። እቲ ናይ ውድባት ምላሽ ቅልጡፍን ዕቱብን ኣወንታዊን እዩ ነይሩ። ድሕሪ ዓመታት ንመጀመርታ ግዜ ኤርትራውያን ውዳበታት ብዘይ ስሕትትን ጥርጣረን፡ ብርግጽ ብድልውነት መልሲ ሂበን። እዚ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ደርቢ ዋላ እኳ ድኻምን ምብትታንን እንተነበረ፡ ናይ ሓላፍነት ስምዒት ዳግማይ ክረክብ ከምዝጀመረ ዘርኢ እዩ። ሲቪል ተዋሳእቲ ብንጹርን ዕላማን ክዋስኡ ከለዉ ነቲ ሃገራዊ ክትዕ ናብ ሓድነትን ዝተወደበ ስጉምትን ክቕይርዎ ከም ዝኽእሉ እውን ኣረጋጊጹ።

ብጻዕሪ ኤርትራውያን ክኢላታት ድሮ ክልተ ወሰንቲ ኣዕኑድ ተቐልቂሎም ኣለዉ፡ ንሳቶም ድማ መድረኽ ናይ ወጻኢ ዲፕሎማሲን፡ ሓይሊ ዕማም መኸተ ስግረዶባዊ ጭቆናን እዮም። እዘን ኮሚቴታት እዚኣተን ግዝያውያን ዘይኮናስ መጻኢ ጨናፍር ናይ ሓደ ሃገራዊ ባይቶ ክኾና እየን። ዲፕሎማሲ: ሃገራዊ ድሕነት: መሰጋገሪ ምሕደራን: ሲቪላዊ ምውህሃድን ዝሓዘ መዋቕር ቅርጺ ይሕዝ ኣሎ። እቲ ዝጎደለ ፖለቲካዊ ድሌትን ድሌትን ጥራይ እዩ።

ካብ ወጻኢ ዳስ ዝመጽእ ምኽሪ ዘበን ኣብቂዑ። ኤርትራ “ኣይትወደቡ” እናበሉ ኣብ ጸግዓ ጸግዒ ደው ዝብሉ ወሃብቲ ርእይቶ፡ ኣይተሳእኑን፡ ኤርትራ ከምዚኦም ዓይነት ኣማኸርቲ ኣይትብህግን። ኤርትራ ካብ ደገ ዘይኮነስ ካብ ውሽጢ ዳስ ለባማት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን የድልይዋ። ሃነጽቲ፡ ወኪላት፡ ኣወሃሃድቲ፡ ሰራሕተኛታት፡ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ምቛም ኣበርክቶ ዝገብሩ፡ ንውህደት ዝድግፉ፡ ዝተሓተ መደብዕዮ ዝነድፉ፡ ተስፋ ምቑራጽ ውዳበ ዘቋርጹን፡ ኣእዳዎም ዝዝርግሑ የድልይዋ’ለዉ።

ዘበነ ምብትታን ኣብቂዑ እዩ። ዘመነ ውህደት ተጀሚሩ ኣሎ።

ኤርትራ ሎሚ ኣብ መስቀላዊ መንገዲ ደው ኢላ ኣላ። ኤርትራውያን ሎሚ፡ እናተፈናጨልና ክንቅጽል፡ ካብ ደገ ኣሉታዊ ምኽሪታት ከነቐብል፡ ምንቅስቓሳት ከነዳኽም፡ ወለዶኣዊ ምፍልላይ ከነዕሙቕ ዘየኮነስ: ክንወሃሃድ፡ ክንጥርነፍ፡ ክንሃንጽ፡ ክንሰርሕ፡ ሰፊሕ ሃገራዊ ባይቶ ክንምስርት፡ ዝተሓተ መደብ ክንሕዝ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ መንገዲ ሃገራዊ ድሕነት ክንጅምር ንኽእል ኢና።

እቲ ምርጫ ናትና እዩ። እቲ ሓላፍነት ናትና እዩ።

እቲ ህሞት ከኣ ሕጂ እዩ።

  • Related Posts

    Consolidation, Minimum Program, and the Return to the Tent: A 25-Year Autopsy of Eritrean Organizational Evolution (2001– 2026)

    Consolidation, Minimum Program, and the Return to the Tent: A 25-Year Autopsy of Eritrean Organizational Evolution (2001– 2026) ANFET-EDITORIAL-August 17, 2026 For nearly a quarter of a century, Eritrean political…

    تشريحٌ سياسي لخمسةٍ وعشرين عاماً من تطوّر التنظيمات الإريترية في المهجر (2001–2026) افتتاحية

    الدمج، البرنامج الأدنى، والعودة إلى الخيمة: تشريحٌ سياسي لخمسةٍ وعشرين عاماً من تطوّر التنظيمات الإريترية في المهجر (2001–2026) افتتاحية ANFET — 17 أغسطس 2026 على مدى ما يقارب ربع قرن،…

    Leave a Reply

    Your email address will not be published. Required fields are marked *