ጋዜጣዊ መግለጺ
25 ሚያዚያ 2026
ኤርትራውያን ተቓለስቲ ንፍትሒ ንህግደፋዊ ስግረ-ዶባዊ ጭቆና ንምምካት ሓባራዊ ሓይሊ-ዕማም ኣቚሞም::
ኤርትራውያን ተቓልስቲ ንፍትሒ፡ ብወግዒ፡ ህግደፋዊ ስግረ-ዶባዊ ጸቕጢ ንምቅዋም ዝዕላምኡ፡ ሓይሊ-ዕማም ኣቚሞም። እዚ “ኤርትራዊ ሓይሊ-ዕማም መኸተ ንስግረ-ዶባዊ ጭቆና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ስም ዝቖመ ሓባራዊ ሓይሊ-ዕማም፡ ነቲ እናነሃረ ኣብ ምኻድ ዝርከብ፡ ኣብ ኤርትራ ብዘሎ ስርዓተ-ምሕደራን ልኡኻቱን፡ ኣንጻር ኤርትራውያን ተነጣጠፍትን ማሕበረኮማትን ኣብ ዳያስፖራ ዝፍጸም ስግረ-ዶባዊ ናይ ጸቕጢ ዓመጻት ንምግጣምን ንምቅዋምን ዝካየድ ስራሓት ቃልሲ ንምውህሃድን ምስናይን ክነጥፍ’ዩ።
ናይ’ዚ ዝተወሃሃደ ሓይሊ-ዕማም ምፍጣር፡ ስርዓተ-ምሕደራ ኤርትራ ዝፍጽሞ፡ እናተረረ ኣብ ምኻድ ዝርከብ፡ ብደምቢ ዝተወደበ፡ ስግረ-ዶባዊ ንጥፈታት ኣብ ልዕሊ ዲያስፖራ ማሕበረኮም ንምቅዋም ዘኽእል መንገዲ ንምርካብ፡ ኣዋርሕ ናይ ዝወሰደ ዘየቛርጽ ዘተን ምይይጥን ውጽኢት እዩ። ህግደፋዊ ስግረ-ዶባዊ ተግባራት ጭቆና፡ ካብ ኣስመራ ብዝፍኖ መምርሒታት ዝቕለስ፡ ብኤምባሲታት መንግስቲ ህግደፍ ተወሃሂዱ፡ ኣዚዩ ብዝተውደበ፡ ብሓበራ ከም “ራብዓይ ግንባር” G4 ዝፍለጥ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበረኮማዊ፡ ሃይማኖታዊ ኣካላትን፡ ኣጋፈርቲ ፕሮፖጋንዳ ዲጂታዊ መዲያን ሰኪዔታት ዝትግበር እዩ። ህግደፋዊ ኣገባባት ስግረ-ዶባዊ ጸቕጢ፡ ናይ ሓሶትን ምድንጋርን ሓበሬታ ምዝርጋሕ፡ ቃጻ፡ ምስርጣይ፡ ምቕሳብ፡ ምፍርራሕ፡ ምንጻል፡ ኣካላዊ መጥቃዕቲ፡ ጭውያ፡ ምስማም፡ ቅንጸላ፡ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንዝርከቡ ቤተሰብ ምብስባስ፡ ስርዓተ-ሕጊ ኣዕቆብቲ ሃገራት ተጠቒምካ መሰረተ-ኣልቦ ክስታት ምምስራት ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ብዓለም ድረጃ ብFBI ይኹን ካልኦት ዓለምለኻዊ ኣካላት ከም ልሙድ ተግባራት ስግረ-ዶባዊ ጭቆና ይፍለጥ፡፡
ቀንዲ ዕማማት ሓይሊ-ዕማም ነዚ ዝስዕብ የጠቓልል፡
ንኤርትራውን ተነጣጠፍትን ማሕበረኮማትን ኣብ ዳያስፖራ ካብ ስርዓተ-ምሕደራ ኤርትራ ዝስንዘር ስግኣታት ምክልኻል።
ኣብ ስደት ብዝነብሩ ልኡኻት ስርዓተ-ምሕደራ ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ተቓለስቲ ንፍትሒ ዝምስረት ሕጋዊ ክስታት ንዝግበር ሕጋዊ ናይ ምክልኻል ጻዕሪ ምድጋፍ።
ህግደፋዊ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ዘዋፍሮ ናይ ኣዕቆብቲ ሃገራት ሕግታት ዝግህስ ሕቡእ ዘይሕጋዊ ስግረዶባዊ ንጥፈታት ሓበሬታ ምእካብ።
ኣብ ትሕቲ ማሕበራዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ካልእን ሽፋናት ዝዋፈር መሳርሒ ስግረ-ዶባዊ ጭቆና ሰኪዔታት ስርዓተ-ምሕደራ ኤርትራ ምቅላዕን ንዝምልከቶ ትካላት ምሕባርን።
ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ምስ ንስለ ደሞክራሲ ዝቖማ ትካላትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ክግበር ንዝከኣል ምትሕብባርን ንዝልገስ ደገፋትን ምውህሃድ።
ተግባራት ስግረዶባዊ መጥቃዕቲ ስርዓተ-ምሕደራ ኣስመራ ንምስዓር፡ ዓለምለኸ ሓባራዊ ዓቕምታት ተቓለስቲ ንፍትሒ ኤርትራ ምጥንኻር።
እዚ ታሪኻዊ ተበግሶ፡ በተን ቀንዲ ናይ ኤርትራ ንስለ-ፍትሒ ዝቖማ ውዳበታት፡ ብፍላይ ንስግረ-ዶባዊ ጸቕጢ ንምብዳህ፡ ሓባራውን ዝተወሃሃደን ስርሒታዊ ኣካል ዘቖማሉ ጀማሪ ኣጋጣሚ እዩ። እዚ ኣጋጣሚ’ዚ ኤርትራዊ ዳያስፖራዊ ማሕበረኮም ብሓድነት ጠጠው ብምባል መሰላትና ንምዕቃብን ህግደፋዊ ዘይሕጋዊ ጨቋኒ ተግባራት ንምስዓርን ዓቢ ዕድል እውን እዩ። ሓይሊ-ዕማም ኣብ ትሕቲ ዝተወሃሃደ ስሩዕ መምርሒታት ንምስራሕ ተበጊሱ ኣሎ። ምስጋናን ኣፍልጦን ንባይቶ ይኣክል ሕብራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ናብዚ ሓባራዊ ስራሕ ንምክያድ ነዚ ሓይሊ-ዕማም ናብ ምቛም ንምብጻሕ ዘኽኣለ ዘይስልኪ ጻዕሪ ብምክያዱ።
ሓይሊ-ዕማም ነዘም ስዒቦም ዝተጠቕሱ ውዳበታት ዘጠቓለለ ይኸውን: ዝተረፉ ተቓለስቲ ንፍትሒ ክሓብርዎ ድማ የተባብዕ።
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡
ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡
ኤርትራዊ ልፍንቲ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ
ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን
ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
ዓለምለኸ ምንቅስቓስ ይኣክል
ንተወሰኺ ሓበሬታን ሕቶታትን በዚ ዝስዕብ ክትራኸቡና ትኽእሉ፡
ኣድራሻ ኢመይል፡ EriTNRresponse@gmail.com





